ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ እምነትና ብጸሎትን ብተግባርን ጸኒዕና ክንበመላስ ተጸዊዕና ኢና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ውንጌል ምርኩስ ብምግባር ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ለጊሶም፣ ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተንትኖኦም ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ካብ ደጋዊ ተግባራት ንላዕሊ ምዃኑ ኣዘኻኸሩ፣ ውሽጣዊ ኣረኣእያ ናይ ግብረ - ሰናይን ፍቕርን ለውሃትን ከነማዕብል ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ጐይታና ኢየሱስ ነቲ ገሊኦም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንደቀ መዛሙርቱ ሥርዓት ምሕጻብ ኣዕዳው ከይፈጸሙ መግቢ ኣብ መዓዲ ንኽቕመጡ ከም ዝፈቐደሎም ዘቕረቡሉ ኽሲ ምላሽ ንምሃብ ብዛዕባ ንጽህናን ርኽሰትን ከም እተዛረበ ኣዘንተዉ። ድሕርዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣገዳስነት ንጽህና ተዛረበ፣ እንተዀነ ግን ምስ ደጋዊ ሥርዓታት ዝተተሓሓዘ ዘይኰነስ ብቐዳምነት ብዛዕባ ውሽጣዊ ባህርይ ዝምልከት ምኹኑ ገለጸሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ከም ዝገለጽዎ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ሰብ ከም ስስዐ ቅንኢ ትዕቢት ምትላል ስርቂ ወይ ካልእ ክፍኣትን ዝኣመሰለ ኣብ ልቡ ኽፉእ ሓሳባት ዝሓብአ እንተኾነ ግን ደጋዊ ሥርዓታት ኣካላዊ ምንጻህ ከም ኣእዳውካ ደጋጊምካ ብምሕጻም ዝነጽሐ ዝመስሎ ብኸመይ ዝጋጮ ሓሳባት ከም ዘለዎ ገለጹ?

"ጐይታና ኢየሱስ ክርቶስ ካብቲ ንሓደ ሰብ ብሰናይ ከም ዘይዓቢ ዚገብሮ ደጋዊ ሥርዓታት ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና ኣስሚሩሉ ኣሎ ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ እዚ ሥርዓታት እዚ ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ካልኦትን ምስቲ ንነፍሲ ዘቝስልን ንልቢ ዝዓጽዎን ከምኡ ውን ምስ ግብረ ሰናይ ንዝጻረር ምርጫታትን ኣረኣእያታትን ዕሽሽ ከም ዝብል ወይ ከም መመኽነይታ ከቕርብ ይኽእል ኢዩ።" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ሓሳብ እዚ ንዅላትና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሑ፣ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኽንካፈል ጸኒሕና ብድሕሪኡ ናብ ሕማቕ ሕምቕ ሕሜትን ፍቕሪ ኣልቦ ተግባራትን እንተ ደኣ ተጸሚድና  ወትሩ ብዛዕባ ዅሉ ሰብ ኣብ ግብረ ሰናይ ክንጽመድ ከም ዘይንኽእል ገለጹ። ሕሜት "ንልብን ንነፍስን የበላሽዎ " ኢዩ በሉ ፣ ንሕና እውን ኣብኡ ኽንጽመድ የብልናን ። ናብ ኣምልኾናን ኣብ ጸሎትና መንፈሳውያን ሰባት ኴንና ኽንጽሊ ፣ ኣብ ቤትና ተመሊስና ንስድራ ቤትና ብተነጽሎ ወይ ብምፍልላይ ከነሕዝኖም ወይ ከኣ ነቶም ሓገዝናን ምሕዝነትናን ዜድልዮም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድና ዕሽሽ ክንብሎም ከም ዘይብልና ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ከነፍቅዶ ዘይብልና "ክልተ ዝገጹ ህይወት" ክብሉ ጸውዕዎ። ንኻልኦት ጽቡቕን ምሕረትን ዘይብሉ ግዳማዊ ንጽህና ዝዓብሶ የብሉን፣ ከመይሲ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ናብቲ "ደጋዊ  ጥራይ ዝኾነ ተግራት ብምቕያር ነቲ ውሳጣዊ ሕይወት ኸኣ ኣብ ሓሳባትን ቃላትን ተግባራትን ፍቕሪ ስለ ዘይሃንጾ ነቲ ብጸጋ ኣምላኽ ናይ ምንጻሕ ዕድል ኣይረኽቦን ። "

"ንንጹሕና ህይወትን ንለውሃትን ንፍቕሪን ኢና እተፈጠርና።"

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህይወትናን ኣብ ቤተ - ክርስትያንን ኣብ ወጻኢን ተመሳሳሊ መንፈስ እንተድኣ ኣልዩና ክሳዕ ክንደይ ብእምነት ከም እንመርሕ ሓሳብ ኣቕረቡ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነቲ ኣብ ጸሎት ዝብሎ ነገራት ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ብምቅርራብን ብምኽባርን ጭቡጥ ክገብሮ ዝጽዕር ከም ዘሎኹ ዘንጸባርቕ መንፈስ ድዩ ዘሎኒ ? " ክብሉ ውን ሕቶ ኣቅረቡ

"እታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ንጽህቲ ዝዀነት ድንግል ማርያም ካብ ልቢ ብዝምንጩን ብፍቕሪ ተደሪኽናን ንኣምላኽ ከነምልኾ ትሓግዘና።" ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ።

02 September 2024, 16:55