ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ሲንጋፖር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሲንጋፖር ንሓዋርያዊ ዑደት ንኽነቕሉ ዲሊ ናብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ተበጊሶም ልክዕ ሰዓት 10፡45 በጺሖም ኣብኡ ብናይ ቲሞር ለስተ ርእሰ ብሔር ኾሰ ማኑስል ራሞስ ሆርታ ንወግዓዊ ስነ ስርዓት ስንብታ ተቐቢሎም ኣብኡ ድማ ሓጺር ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ናይ መንግስትን ናይ ሃይማኖትን ላዕለዎት ኣካላት ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ ተሰናቢቶም ልክዕ ሰዓት 12፡25 ብነፋሪት ናብ ሲንጋፖር ከም ዝነቐሉን ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓት ናይ በረራ ጉዕዞ ሲንጋፖር ኣብ ዝርከብ ቻንጂ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ብበዓልቲ ቤቶም ብምስ ዝተሰነዩ ብናይ መንግስቲ ሲንጋፖር ሚንስትሪ ጉዳያት ባህልን ማሕበረሰብን መንሰያትን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ሲንጋፖር ልኡከ መግንስትን ኣቀብብላ ከም እተገበረሎምን ልኡካን ናይ ምልላይ ስነ ስርዓት እውን ምክያዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሲንጋፖር ክርስትያናት ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ኣስታት 18 ሚእታዊት ዝሽፍን ክኸውን እንከሎ፡ ካቶሊካውያን ድማ 3.5 ሚእታዊት ጥራይ (ኣስታት 176,000 ሰባት) እዮም። ቡድሃውያን እቲ ዝዓበየ ሰዓብቲ ዘለውዎ ሃይማኖት ኮይኑ፡ ካብቶም ልዕሊ 5 ሚልዮን ነበርቲ ኣስታት 33 ሚእታዊት ክሕዙ እንከለዉ፡ ኣስላም ድማ ኣስታት 15 ሚእታዊት፤ ታኦኣውያን 11 ሚእታዊት፤ ሂንዱ 5 ሚእታዊት፤ ከምኡ’ውን ዘይሃይማኖታውያን ኣስታት 17 ሚእታዊት ይሽፍኑ።

ካብጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሲንጋፖር ኣስታት 74 ሚእታዊት ናይ ቻይና፡ 13.5 ሚእታዊት ናይ ማለዥያ፡ 9 ሚእታዊት ድማ ናይ ህንዲ መበቆል ከም ዘለዎም ይንገር።

11 September 2024, 15:33