ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቲሞር - ኢስት ኣትዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሳልሳይ መድረኽ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ኤስያን ኦቻይናን ርእሰ ከተማ ቲሞር - ኢስት ዲሊ ከም ዝኣተዉን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታትን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ድሙቕ ኣቀባብላ ከም ዝገበሩሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ድሕሪ ምዝዛሞም ዕለት 9 መስከረም ሶኑይ ናብታ ካቶሊካውያን ምእመናን ዝበዝሑላ ሃገረ ቲሞር - ኢስት ርእሰ ከተማ ዲሊ በቆጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 02፡20 ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ርእሰ ብሔር ኒኮላው ሎባቶ ከም ዝኣተዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ርእሰ ብሔር ኾሰ ማኑኤል ራሞስ - ሆርታን መራሔ መንግስቲ ዛናና ጉስማኦን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ነተን 14 ዞባታት እታ ሃገር ዝውክሉ ባህላዊ ክዳን ዝለበሱን ድሙቕ ኣቀባብላ ከም እተገበረሎምን ክልተ መንእሰያት ኣዋልድ ቁኑን ዕማባ ከም ዝለገሳሎምን ብድሕሪ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ መዕረፊኦም ኣብ ርእሰ ከተማ ዲሊ ናብ ዝርከብ ሕንጻ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ከም ዝኸዱ ኣፍሊጡ።

ካልኣይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቲሞር-ለስተ ዝበጽሑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ቲሞር ኢስት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት “እምነትኩም ባህልኹም ይኹን” ዝብል ኮይኑ እዚ መርሕ ቃል እዚ ድማ ነቲ ደቂ እታ ሃገር ካብ መግዛእቲ ኢንዶነዥያ ሓራ ንምዃን ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ቃልሲ ብቤተክርስትያን ብንጥፈት ዝድገፍ፡ ቀጻሊ ኣገዳስነት ካቶሊካዊ እምነት ዘጉልሕ እዩ።

ኣብዚ ኣብቲ ክሳብ ዕለት 11 መስከረም ዝቕጽል ጽዑቕ ዑደቶም፡ ንስንኩላን ህጻናት’ውን ፍሉይ ምብጻሕ ክገብሩን፡ ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ክራኸቡን መደረ ከስምዑን ኣብ ቲሞር ኢስት ምስ ዘገልግሉ ኣሕዋቶም ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ክራኸቡ፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዑደቶም ድማ ምስ ኣስታት 4,000 መንእሰያት ቲሞር ክራኸብ መደብ ከም ዘለዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 September 2024, 15:45