ጳጳስ ስዩኩር ‘ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታይ ምግልጋል ጥራይ ይኣኽለኒ’ ጳጳስ ስዩኩር ‘ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታይ ምግልጋል ጥራይ ይኣኽለኒ’  (Vatican Media)

ጳጳስ ስዩኩር ‘ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታይ ምግልጋል ጥራይ ይኣኽለኒ’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዕለት 7 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ካርዲናላት፥ ማዕርገ ካርዲናል ንኽህቡዎም ካብ ዝሓረይዎም 21 ጳጳሳት እቶም ናይ ኢንዶነዥያ ናይ ሃገረ ስብከት ቦጎር ጳጳስ ፓስካሊስ ብሩኖ ስዩኩር “ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታይ ምግልጋል ይኣኽለኒ” እንክብሉ ናብ ማዕርገ ካርዲናልነት ምድያብ ይትረፈኒ ዝብል ዘቕረብዎ መሕትት ቅድስነቶም ይኹንታ ከም ዝሃብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዞም 62 ዕመት ዝዕድመኦም ፍራንቸስካዊ ካህን ካብ 2001 – 2009 ዓ.ም. ኣብ ኢንዶነዢያ ናይ ማሕበር ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሃው ዞባዊ ሓለቓ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣባ ፓስካሊስ ብሩኖ ስዩኩር ዕለት 21 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጳጳስ ንኽኾኑ ዝሰመይዎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት 7 ታሕሳስ 2024 ዝጸውዕዎ ጉባኤ ካርዲናላት ናብ ማዕርገ ካርዲናልነት ካብ ዝድይቡ 21 ሓደስቲ ዕጹያት ንኽኾኑ ዝመርጽዎም ኣብ ክህነታዊ ጽዋዕታይ ምግልጋል ጥራይ ይኣኽለኒ እንክብሉ ናብ ማዕርገ ካርዲናልነት ምድያብ ይተረፈኒ ዝብል ዘቕረብዎ ሕቶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይኹንታ ከም ዝሃብሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲመንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ጳጳስ ስዩኩር ውልቃዊ ዕብየቶም "ንቤተክርስትያንን ንህዝቢ ኣምላኽን ኣብ ኣገልግሎት" ክቕጽሉ ድሌቶም ገሊጾም፡ እዚ ምርጫ እዚ ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታኦም ንምግልጋል ጥራይ ካብ ዘለዎም ድሌት ዝነቐለ ምዃኑ ኣፍሊጡ፥ ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ቍጽሪ ናይቶም 21 ብቅዱስ ኣቦና ካርዲናል ዝሸየሙ ካርዲናላት 20 ክኾኑ እዮም ይብል።

ታሪኽ ህይወት ጳጳስ ስዩኩር

ኣቡነ ፓስካሊስ ብሩኖ ስዩኩር ዕለት 17 ግንቦት 1962 ዓ.ም. ኣብ ራንጉ ኣብ ሃገረ ስብከት ሩቴንግ ኣብ ደሴት ፍሎረስ ኢንዶነዥያ ከም እተወልዱን፡ መባእታዊ ትምህርቶም ምስ ወድኡ ኣብ ኪሶል ኣብ ዝርከብ ፒዮስ መበል 15 ቤት ትምህርቲ ንኡስ ዘርኣ ክህነት ከም ዝኣተዉን ኣብ ጃካርታ ኣብ ዝርከብ ድርያካራ ተቕዋም ፍልስፍና ተማሂሮም ምስ ኣብቅዑ ድሒሩ ድማ ኣብ ዮግያካርታ ኣብ ዝርከብ ተቕዋም ቲዮሎጊያ ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ዕለት 22 ጥሪ 1989 ዓ.ም. ከም ኣባል ማሕበር ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሓው ዓብይ ማሕላ ፈጺሞም ዕለት 2 ለካቲት 1991 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን፡ ካብ 1991 ዓ.ም. ክሳብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ሞኣነማኒ ሃገረ ስብከት ጃያፑራ (ምዕራብ ፓፑዋ) ቆሞስ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ካብ 1993 ዓ.ም. ክሳብ 1996 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኣንቶኒያኑም መንበረ ጥበብ ብስነ መንፈሳውነት ምስ ተመረቑ ካብ 1996 ዓ.ም. ክሳብ 2001 ዓ.ም. ኣብ ደፖክ ሓለቓ ተመከርቲ ኮይኖም ዘገልገሉን፣ ኣብ መንጎ 1998 ዓ.ም.ን 2001 ዓ.ም.ን ድማ ንኡስ ዞባዊ ሓለቓ  ፍራንቸስካውያ ንኡሳን ኣሓውን ኣባል ቤት ምኽሪ ዞባዊ ቤት ምሕደራ ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሓው ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብ 2001 ዓ.ም. ክሳብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ኢንዶነዥያ ናይ ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሃው ማሕበር ሓለቓን ናይ መላእ እስያ ናይ ማሕበር ፍራንቸስካውን ንኡሳን ኣሓው ወኪል ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ገሊጹ፥ ዕለት 21 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰበኻ ቦጎር ጳጳስ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም የመልክት።

ጳጳስ ስዩኩር ‘ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታይ ምግልጋል ጥራይ ይኣኽለኒ’
ጳጳስ ስዩኩር ‘ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታይ ምግልጋል ጥራይ ይኣኽለኒ’
23 October 2024, 15:22