'አፍቀረነ'፦ ር. ሊ. ጳ. ብዛዕባ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዓዋዲት መልእኽቲ ከሕትሙ ኢዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዛ " Dilexit nos " (ኣፍቀረነ) ዘርእስታ ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመን ጵጵስናኦም ካብ ዝጸሓፍዎም መበል ራብዓይቲ ዓዋዲት መልእኽቲ ክትከውን ኢያ፣ እዚ ድማ ኣብ ዓሚቝ ዓለምለኻዊ ብድሆታት ዘተኰረት ክትከውን ኢያ።
እዛ ሎሚ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ብሰንኪ ውግእ ማሕበራውን ቍጠባውን ቅልውላዋር ብሰንኪ እቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ባህሊ ኣህላኽነትን ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ንባህርይ ደቅሰብ ዘዳኽም ተክኖሎጂያዊ በሰላታት እትትንትን ዓዋዲት መልእኽቲ ክትከውን ኢያ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በዛ ሰነድ እዚኣ ኣቢሎም ንደቅሰባት እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ማለት ዳግም ልቢ ክገብሩ ብምምሕጻን ናብ ምሕዳስ ኣተሓሳስባ ክጽውዑ ኢዮም ።
ኣዋጅ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ምሉእ ኣርእስቲ እዛ መልእኽቲ "አፍቀረን - ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሰብኣውን መለኮታዊን ፍቕሪ ልበ ኢየሱስ ክርስቶስ " ከም ምዃኑ ትማሊ ሰኑይ ካብ ቤት ጽሕፈትን ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣረጋጊጹ፣ እዛ መልእኽቲ ድማ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 24 ጥቅምቲ ብዕሊ ክትዝርጋሕ ተዳልያ ከም ዘላ ውን ኣመልኪቱ ።
እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቐድም ኣቢሎም ኣብታ ከም ትውፊት ቤተክርስቲያን ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ እተወፈየት ወርሒ፣ ኣብቲ በዕለት 5 ሰነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካየድዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትመሕርተ ክርስቶስ ነዛ ሰነድ ከሕትሙ መደብ ከም ዘለዎም ሓሳባቶም ኣካፊሎም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እዛ መልእኽቲ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ንመገዲ ተሓድሶ ቤተክርስቲያን ዜብርህን ነታ "ልባ ዝጠፍአት እትመስል ዓለም" ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ብዛዕባ ፍቕሪ ጐይታ ኸተስተንትን ከም እትዕድም ተስፋኦም ገለጹ።
ወሲኾም ውን ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣብ ሥልጣነ ኣስተምህቶም ቤተክርስቲይን ተገሊጹ እንረኽቢ ሃብታም ትውፊታትን ትምህርትታት ቅዱስ መጽሓፍን ብምስትንታን ንቤተ-ክርስትያን ናብቲ ዓሚቝ መንፈሳውነት ከም ዘእትዋ ገለጹ።
እቲ ናይ 1673 ዓ.ም. ግልጸት
አዋጅ እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ምስቲ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ብ1673 ዓ.ም. ንመጀመርታ ግዜ ንቅድስቲ ማርጋሬት ሜሪ ኣላኮክ እተገልጸሉ ራኢ ምስ ዝኽሪ መበል 350 ዓመት ናይዚ ግልጸት ዝተሓሓዝ ውን እዩ።
ብዕለት 27 ታሕሳስ 1673 ዓ.ም. ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ሽዑ ጓል 26 ዓመት ዝነበረት ፈረንሳዊት ተገሊጹ ንፍቕሩ ናብ ኩሉ ሰብ ብፍላይ ከኣ ናብ ሓጥኣን ናይ ምዝርጋሕ ጸዋዕታ ኣቕረበላ። እዚ ኣብ በርጉንዲ ኣብ ዚርከብ ማሕበር ደናግል ፓራይ-ለ-ሞኒያል እተፈጸመ ግልጸት ን17 ዓመታት ቀጸለ።
ክርስቶስ ልቡ ብሃልሃልታ ሓዊ ኸም እተኸብበን ብኣኽሊል እሾዅ ከም እተኸለለን ውን ኣርኣየ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ብሓጢኣት ወድሰብ ዝወረዶ በሰላ ኢዩ ዘመልትክ። ደድሕሪ በዓል ቅዱስ ቍርባን ዛላ ዓርቢ ድማ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ክውፈ ሓተተ ። ኣብ ፈለማ ብዙሓት ሰባት እንተላይ እተን ብጾታ ዝነበራ ድንግላን ብጌጋ እኳ እንተ ተረድእዋ ቅድስቲ ማርጋሬት ሜሪ ግን ነቲ ክርስቶስ ንዓለም ዘለዎ ፍቕሪ ንምግላጽ ኣብ ዝተዋህባ ተልእኾ ጸኒዓ ቐጸለት ።
ዓዋዲት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ፒዮስ መበል 12 “ትቀድሁ ማየተ”
ብ1956 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ መበል 12 እዚ መንፈሳውነት እናነከየ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን እንደገና ንምብርባሩ ዝዓለመ “ትቀድሁ ማያተ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣውጽኡ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ ኣብ መልእኽቲም እዚ መንፈሳውነት ንቤተ-ክርስትያን ዘድልያ ነገራት ዘለዎ ኣገዳስነትን ከም "ምልክት ድሕነት" ናይዛ ዘመናዊት ዓለም መጠን ዘለዎ ተኽእሎን ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ንመበል 50 ዓመት ዓዋዲት መልእኽቲ “ትቀድሁ ማያተ” ኣመልኪቶም ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ነዚ መንፈሳውነት እዚ ኣደላደልዎ፣ ከምዚ ድማ በሉ፦ "እዚ ምስጢር ፍቕሪ ኣምላኽ ንልቢ ኢየሱስ ዘለዎ መንፈሳውነት ጥራይ ኣይኰነን፣ ሕመረት ሓቀይና መንፈሳውነት ክርስትና እውን እያ" በሉ።
መንፈሳውነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ተልእኾ ካህናት ብምትሕሓዝ ነቲ ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዘለዎም ዓሚቝ መፈሳውነት ገሊጾም ኢዮም ። ብ2016 ዓ.ም. ንኢዮቤል ኻህናት ኣብ በዓለ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ብምዝዛም ካህናት ልክዕ ከምቲ ሕያዋይ ጓሳ ናብቶም ልቦና ናብ ዝሰኣኑን ዝረሓቑን ሰባት ከተኵሩ ተማሕጸንዎም።
ኣብታ ዓመት እዮቤል እቲኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ብዛዕባ ምሕረት ዝገብርዋ ናይ መጀመርታ ኣስተንትኖ ንኣቡናትን ካህናትን ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ”ቅድሁ ማያተ” እንደገና ከስተንትንዋ ሓሳባት ኣቕረቡሎም፣ ከምዚ ድማ በሉ - "ቅዱስ ልቢ ክርስቶስ ማእከል ምሕረት ኢዩ። ምሕረት ከማኡ ዝበለ ዓይነት ባህርይ እዩ ዘለዋ፣ ከመይሲ ኣእዳዋ ትረስሕ ትትንክፍ ትጽምበርን ምስ ካልኦት እውን ትተሓሓዝ።"
ራብዐይቲ ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ
ደድሕሪ እታ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ብሕብረት ዘሕተምዋ ዓዋዲት መልእኽቶም “ብርሃነ እምነት” (29 ሰነ 2013) እዛ ራብዐይቲ ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክርከውን ኢያ፣ “ስቡህ ኣንተ” (24 ግንቦት 2015) ብዛዕባ ኣከባብያዊ ቕልውላውን ንተፈጥሮ ምክንኻን ኣድላዪ ምዃኑ፣ ከምኡውን “ኣኃው ኵልነ” (3 ጥቅምቲ 2020) ኣብታ ብስም ኣምላኽ ብዚግበር ውግእ እውን ሓዊስካ ብለበዳን ግጭታትን ዝዓነወት ዓለም፣ ዓለምለኻዊ ሕውነትን ማሕበራዊ ዕርክነትን ከም ዚህሉ እትጽውዕ ኢያቶም።
ብዕለት 24 ጥቅምቲ እዛ ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ “አፍቀረነ” ብብጹዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ ሊቅ ሥነመለኮትን ሊቀ-ጳጳሳት ቺቲ-ቫስቶን ከምኡውን ጠቕላሊት ሓለቓ ማሕበር ደናግል ደቀ መዛሙርቲ ወንጌል ዝዀና ክብርቲ እናቴ ኣንቶኔላ ፍራካሮ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ብዕሊ ክቐርብ ኢያ።