2023.10.12 NOSSA SENHORA APARECIDA 2023.10.12 NOSSA SENHORA APARECIDA 

ር. ሊ. ጳ.፦ 'መልእኽቲ ቅድስተ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ብዛዕባ ስኒት እዩ!'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዕለተ ንግደት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኣፓረሲዳ ንህዝቢ ብራዚል ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም፣ ነቲ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስ ደቅሰብን ፍጥረታትን ውህደትን ስኒን ክህልዎም ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ ክሰምዑ ድማ ኣተባብዕዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 12 ጥቅምቲ ክብረ በዓል ናይታ ጠበቓ ሃገረ ብራዚል ዝኾናት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኣፓረሲዳ ኢዩ።

ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ንምዝካር ድማ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቡራኬኦም ብምልኣኽ ንህዝቢ ብራዚል ብናይ ቪድዮ መልእኽቲ ሰላምታ ኣቕረቡሎም ።

"ኣብ ዕለተ ክብረ በዓል እኖና ቅድስተ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ሰላም ክብለኩምን ምሳኹም ዝሎኒ ቅርበት ክገልጽን እደሊ ኣሎኹ" ድማ በሉ።

ምስ መልእኽቲ ስኒት ድንግል ማርያም ንቕድሚት ስጕሙ

ጐኒ ጐኒ እቲ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝካየድ ዘሎ ስሩዕ መበል 16 ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳ በቲ ንሃገረ ብራዚል ወኪሉ እተመርጸ ጃይመ ስፐንገር ብዓል ፖርቶ ኣለግረ እተመልአ ሓጺር መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምእመናን ምስ መልእኽቲ እኖና ድንግል ማርያም "ንቕድሚት ኪስጕሙ" ኣተባብዕዎም፣ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ኵሉ ብዛዕባ ስኒት ማለት ኣብ መንጎ ዅሎም ክርስትያናት ስኒት ምስ ኵሎም ደቅሰብ ናይ ምስምማዕ መልእኽቲ እዩ" በሉ።  ምስ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ውን ምስምማዕ እዩ።" ወሲኾም ድማ "ንሓድሕድና ኽንተሓላለን ንኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየርና ኽንከናኸንን ኣሎና " በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ መልእኽቶም ኣብ ምዝዛም እናኦና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኣፓረሲዳ ኽትባርኾም ጸሎት ኣዕረጉ ።

"ንሳ ሕጉስቲ ድንግል ኢያ እሞ፣ ድንግል ማርያም ሕጉሳት ንኽትኮኑን ንቕድሚት ክትግስግሱን ትሕግዘኩም" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ድንግል ማርያም ዘኣፓረሲዳን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ናብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ይበጽሑ ነይሮም ኢዮም ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ ናባኡ ንግደት ዝገብሩሉ ኸኣ ድሕሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ምዃኖም ኣብ ወርሒ ሓምለ 2013 ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ኣብ እተገብረ መዓልቲ መንእሰያት እዩ ዝነበረ።

ኣብ እግሪ ድንግል ማርያም ድሕሪ ምጽላዮም "ንዘመን ኣገልግሎተይ ብሕድሪ ናብኣ ብምውፋይ ሓጐስን ጸጋን ረኸብኩ" ክብሉ ከም ዝመስከሩ ዝዝከር ኢዩ።

14 October 2024, 15:15