2024.10.13 Angelus 2024.10.13 Angelus  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ሓቀይና ሃብቲ ኣብቲ ብኣምላኽ እተፈቕረ ኢዩ ዝነብር

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ብዛዕባ እቲ ንኢየሱስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺወርስ እንታይ ኪገብር ከመ ዘለዎ ክብል ዝሓተቶ ሃብታም መንእሰይ ዚገልጽ ዛንታ ቅዱስ ወንጌል ኣስተንትኑ ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ኣብ ዝገበርዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ ክልተ ተግባራት ናይቲ ንኢየሱስ ናይ ዘልዓለም ህይወት ንኽወርስ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ዝሓተቶ ሃብታም መንእሰይ ኣተኲሮም ኣስተምህሮ ለገሱ ።

መጀመርያ ኣብ ኣስተንትኖኦም ቅዱስ ኣቦና፣ እቲ መንእሰይ ናብ የኢሱስ ጐዩ ብምቕራብ፣ ክስዕቦ ከም ዝጅመረ ይጠቕሱ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ መንእሰይ ሃብታም ክንሱ ዕግበት ስለ ዘይነበሮ ወይ ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ ኣብ ፈለማ ናብ ኢየሱስ ከም ዝቐረበ ኣስተንተኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተምህሮኦም ብምቕጻል ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ሃብታማት ከም ዝገብርዎ "ምሉእ ህይወት እዩ ዚደሊ ዝነበረ" በሉ።

ጐይታናን መድሓናኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እውን እንተ ዀነ ነቲ መንእሰይ ብፍቕሪ እዩ ዝጠመቶ ፣ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ንድኻታት ኪህብ እሞ ኪስዕቦ ውን ዓደሞ ።

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ "ኣብዚ ደረጃ እዚ ግን ኣብ ዘይተጸበዮ መደምደምታ እዩ ዝበጽሐ" በሉ ። እቲ መንእሰይ፣ እዚ ስለዘሕዘኖ ንድሕሪት ተመልሰ፣ ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንክራኸብ ክሳዕ ክንደይ ዓብይን ህጹጽን ጉዳይ ከም ዝነበሮ ውን የስተንትኑ፣ እዚ ድማ ካብኡ ኽሳዕ ክንደይ ኣዝዩ ስለዝተተንከፈ መንገዱ ቀይሩ ክኸይድ መረጸ!" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተንትኖኦም ንሕና እውን ሓጐስን ትርጕምን ዘለዎ ህይወት ኢና እንደሊ ዘለና ፣ ኰይኑ ግና ልክዕ ከምቲ ሃብታም መንእሰይ መብዛሕትኡ ግዜ ስጋዊ ንብረትን ድሕንነትን ንባህግታትና ኸም ዚፍጽሞ ጌርና ኢና እንሓስብ ።

ይኹን እምበር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ብወገኑ "እቲ እንናፍቖ ሰናይ ነገር ኣምላኽ ባዕሉ ከምዃኑን፣ እቲ ንሱ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪን ከምኡውን ንሱ በይኑ ጥራይ ክህብና ዝኽእል ዘለኣለማዊ ህይወት"  እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ኢዩ ዝደልየና።

መድሓኒና ኢየሱስ ነቲ ሃብታም መንእሰይ ክጥምቶ ኸሎ "እቲ ሓቀይና ሃብቲ ሃብቲ ግና ብፍቕሪ ክትጥመት እንከሎናን ከም ምዃኑን ከምኡ ውን ንህይወትና ንኻልኦት ከም ውህበት ብምግባር ንሓድሕድና ኽንፋቐር እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ኢየሱስ "ንፍቕርና ኣብ ሓደጋ ኸነእትዋ " ኺብለና ኸሎ "ንርእስናን ንናይ ሓሶት ሰነዳትናን ቀንጢጥና " ማለት ንእተሸገሩ ዘበሉ ኩሎም ንንብረትናን ንተውህቦናን ዕርክነትናን ግዜናን ብምክፋል ጽን ኢልና ምእንቲ ኽንከታተሎም ማለቱ እዩ ዝነበረ ።...

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ነቶም ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንእተረኽቡ ምእመናን ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ገዛእ ንርእሶም ኪሓትቱ ብምዕዳም ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ ፦ "ልብና ብምንታይ ኢዩ ተታሒዙ ዘሎ ? ሕጉሳት ዚገብረና እንታይ እዩ ? ነቶም እተሸገሩ ነካፍሎም ዲና ?

ከም ብሓድሽ ድማ "እቲ ሓቀይና ሃብቲ ዝበሃል ኣብ ጥቕሚ እዛ ዓለም እዚኣ ዘይኰነስ ብኣምላኽ ዝተፈቐርካ ኣብ ምዃንን፣ ከም ኣምላኽ ኣብ ምፍቃርን እዩ ዚምርኰስ " በሉ ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር
14 October 2024, 15:17