ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ እምነት፣ ኵሉ ነገር ኣብዚ ኸም ዜብቅዕ ካብ ምሕሳብ ሓራ ተውጽኣና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህተ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዝህበና ከምኡውን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ጽኑዕ እምነት ብምሓዝ "ኵሉ ነገር ኣብዚ ኸም ዘብቅዕ ካብ ምሕሳብ ሓራ ተውጽኣና" እክብሉ ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ሰሙን እዚውን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካየድዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህተ ክርስቶስ ነቲ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታቶም ብምቕጻል "እምነት ነቲ ኣብ ምድሪ መስፍናዊ ገዛኢ ዀይኑ ዚገዝእ ዘሎ መከራን ምጕዳል ፍትሕን ድሕነትን ከም ዘይብሉ ብምእማን ኵሉ ነገር ኣብዚ ኸም ዜብቅዕ ካብ ምሕሳብ ሓራ ትገብረና" ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ተገሊጹ እንረኽቦ ሓቅታት ድሕሪ ምስትንታን ኣብ ቤተክርስቲያን ዘለዎ ሕላወን ብዛዕባ ህይወት ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ምስትንታን ተሰጋጊሮም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተምህሮኦም መንፈስ ቅዱስ "ኣባና ይነብር" ከምኡውን "ኣብ ውሽጥና ኢዪ ዝነብር" ቢሎም ብምጕላሕ "መንፈስ ቅዱስ ምሳና እዩ ዘሎ፣ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትና ውን ይዓዪ ኣሎ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ ግደን፣ ኣብ መንጎ ምእመናን ክርስቲያን ዕርቅን ርክባትን ንምድንፋዕ ዘለዎ ሓይሊ ከመይ ከም ዝመስል ኣስተምሂሮም።

ኣብ ውሽጢ ህይወት ቅድስቲ ስላሴ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣቦን ወልድን “ዕሩይ በመለኮቱ” ከም ዝዀነ ከምኡውን ከም "ወሃቢ ህይወት" መጠን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ክርስቶስ ግደ ኸም ዚህልወናን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሞትን ከም እንዕወትን ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናንን መንፈስውያን በጻሕትን ኣዘኻኸርዎም።

በዚ ሓሳባት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መንፈስ ቅዱስ ብሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ኢዮም ዘጕልሑ። "መንፈስ ቅዱስ ጐይታ እዩ፣ ከምኡ ውን ኣምላኽ እዩ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ

ንምእመናን ዘጸናንዕ ዜና

"እብዚ ዅሉ፣ ንዓና ዚኸውንን ዓብዪን ዜጸናንዕን ዜና ኣበይ ኣሎ?" ክብሉ ውን ሓተቱ።

ነዚ እክምልሱ ድማ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተዋህበና ህይወት ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ በሉ።

ብእምነት ነዚ ኣብ ህይወትናን ዓለምን ዘሎ ጸበባ ስዒቡ ዝመጽእ ተወሳኺ ነገራት ከም ዘሎ ብምፍላጥ ናይ ኣእምሮ ሰላም ክንረክብ ከም እንኽእል ውን ሓሳባት ኣቕረቡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ካልእ ካብቲ ሓዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት ነዚ የረጋግጸልና ብምባል- "እቲ ንኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ መንፈስ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፣ እቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፣ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ  ህያው ክገብሮ እዩ። " (ሮሜ 8፡ 11)

እምነት ተስፋን ሰላምን ትህበና

እምነት ነቲ ዅሉ ነገር ኣብዚ ኸም ዜብቅዕ ዜጨንቐና ውጥረት ከተህድኦ ኸም እትኽእል ውን ሓሳብት ኣካፈሉ ።

እዚ ድማ በቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ቃላት  "ካልእ ካብቲ ሓዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት ነዚ የረጋግጸልና ብምባል- "እቲ ንኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ መንፈስ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፣ እቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፣ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ  ህያው ክገብሮ እዩ። " (ሮሜ 8 11) ኣረጋጊጹልና ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እተሳተፉ ምእመናን "ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ናይ ገዛእ ርእሶም ጕድለት መሰሎም ዝሰኣኑ ሰባት" ከምኡውን ትርጕም ህይወት ክረኽቡ ዘይክእሉ ሰባት እምነት ከማዕብሉ ብምምሕጻን ኣብ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

"ነቲ ብሞቱ ነዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ውህበት እዚ ዝረኸበልና ካብ ምምስጋኑ ክንዝግዕ የብልናን" ውን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
16 October 2024, 12:53