ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ምስጢረ መሮን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ጥቅምቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ኣማእኪሎም ዘበግስዎ ኣስተምህሮ ብምቕጻል፥ መንእሰያት ኣብ ምስጢረ ሜሮን ዝህልዎም ምስ መንፈስ ቅዱስ ናይ ምርኻብ ዘደንቕ ተመክሮ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ናብ ዓመተ ኢዮቤል ኣብ እንሰጋገረሉ እዋን ኣብ ኩሉ እንገብሮ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ከነዕውት ብመንፈስ ቅዱስ ንተሓደስን ኣብኡ ድማ ንጽናዕ ብዝብል ናይ መተባብዒ ቃል ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣበጊሶም፥ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝገልጽ ተኸታታሊ ዘበገስዎ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ መሰረት፥ ኣብ ምስጢረ ሜሮም ኣብ እንቕበሎ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣተኲይሮም፥ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኪኖ ጥምቀት ብማይ፡ "ንመንፈስ ቅዱስ ብግልጽን ብተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ መንገዲ ንምትሕልላፍ ዕላማ ዘለዎ ካልእ ስርዓት፡ ማለት ሓዋርያት ኣብ በዓል ጴንጠቆስጠ ዝተቐበልዎ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ዝመሳሰል ኣንብሮተ ኢድ ምህላዉ . . . ነስተውዕል።

ናይ መንፈስ ቅዱስ ብዙሕ ውህበት

ቀጺሎም ናይ ኢጣልያ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ኣብቲ ዝኽተሎ መጽሓፍ ትምህርተ ክርስቶስን ንዓበይቲ ብዛዕባ ቅዱሳት ምስጢራት "ኣዝዩ ቀሊልን ንጹርን ብዝኾነ መንገዲ" ከም ዝዛረብ ዘኪሮም፡ “ምስጢረ ሜሮን ንዅሎም ምእመናን ከምቲ ጴንጠቆስጠ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኖ እዩ። . . . ብጥምቀት ምስ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ንዝፍጠር ምውህሃድን ንትንቢታዊን ንጉሳውን ክህነታውን ተልእኾ ምውፋይን የሐይል።"

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ምስጢረ እዚ ብብዝሒ ውህበት መንፈስ ከም ዘመሓላልፍ ኣስሚሮም፥

"ስለዚ ጥምቀት ምስጢረ ልደት ካብ ኮነ ሜሮም ምስጢረ ዕብየት እዩ . . . በዚ ምኽንያት እዚ ባዕሉ፡ ምስጢረ ምስክርነት'ውን እዩ፡ እዚ ምስ ብስለት ህላወ ክርስትና ብቐረባ ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ"

እንክብሉ ኣጽኒዖም፥

ቅዱሳት ምስጢራት ዘይምንኣስ

"ብተግባር"፡ ናብ "ናይ መወዳእታ ስርዓታት"፡ ማለት "ምስጢረ 'ምብጋስ' ካብ ቤተ ክርስቲያን እዩ ስለዚ ነዚ ምስጢር እዚ ኣይነጉድሎ እንክብሉ ኣጠንቂቖም . . .  ምኽንያቱ "ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝህልወና ንጡፍ ሱታፌ ህይወት" ዘበገስ ስለ ዝኾነ እንክብሉ ኣብሪሆም፥ "ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዘይከኣል ክመስል ዝኽእል ምዕራፍ'ዩ" እንክብሉ ድማ ኣነጺሮም፡ "እዚ ማለት ግን ንምስዓቡ ከነቋርጾ ኣለና ማለት ኣይኮነን . . . ንሱ ንኹሎም ንምስጢረ ሜሮን ንዝዳለዉ ቆልዑ ይኹኑ ዓበይቲ ከምኡ ከምዘይከውን ኣሚኖም፣ እንተኾነ ግን ብዘየገድስ እንተ ወሓደ ንገሊኦም ኣብቲ ህያው ማሕበረሰብ ዘነቓቕሕዎም ሰባት ኣድላዪ ኢዩ።" ነዚ ዕላማ እዚ፡ ምስ ክርስቶስ ብሕታዊ ርክብ ዝገበሩ፡ ከምኡ’ውን ሓቀይና ተመክሮ መንፈስ ዝረኸቡ ዓለማውያን ምእመናን፡ ኣብ ምድላው ምስጢር፡ ዘቕርብዎ ሓጎስ ምቕባል ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥

ናይ ክርስቶስ ሓቀይና መሰኻኽር

ነዚ ምስጢረ እዚ ምስ እንቕበል ኣብ ዓለም ከም ሓቀይናታት መሰኻኽር ክርስቶስ ኮይንና እምነት ከነስፍሕን ክንከላኸልን ዝደፍኣና ዘይሃስስ ማሕተም መንፈስ ቅዱስ ከም እንቕበል ዘዘኻኸሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብተወሳኺ ምስጢረ ሜሮም ነቲ ኣብ ጥምቀት ኣብ ልዕሌና ዝፈስስና ሕይወት መንፈስ ቅዱስ ከም ዝውስኽን ከም ዘዕምቖን ንዓና ብፍላይ ድማ ነቶም ምስጢር ዝተቐበሉ መንእሰያት ኣብ ሕይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ብንጥፈት ክንዋፈር ከም ዘተባብዓና ከም ዘዘኻከሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሸቶ ዓመት ኢዮቤል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ጳውሎስ ንወደ መዝሙሩ ጢሞቴዎስ "ብኣንብሮተ ኢድ ዝተቐበሎ ህያብ እግዚኣብሄር ዳግማይ ከቃጽሎ" ከም ዝተማሕጸነን ነዚ ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ ግሲ "ነቲ ሓው ብምብድባድ ሃልሃልታኡ ዳግማይ ንምውላዕ ዝሕብር ምስሊ" ዝውክል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምዝዛሞም፥ እዚ "ንዓመተ ኢዮቤል ጽቡቕ ሸቶ እዩ: ሓሙኽሽቲ ዝኾነ ልምድን ምፍንጫልን ምእላይ: ከምቶም ኣብ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ዝቖሙ ናይ ሓዊ ሽግ ተሰከምቲ ሃልሃልታ መንፈስ ቅዱስ ምዃን የድሊ እንክብሉ ከም ዝመዓዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 October 2024, 17:22