ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ንኪዳንኩምን ንደቅኹምን ምእንቲ ኼዕቍቡ ንመንፈስ ቅዱስ ዓድሙ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ቀዳማይ ቦታ ምሃብ ንኪዳናዊ ፍቕሪ ሓዳርን ውሉድን ከዕቍብ ክሕብሕብን ከም ዝኽእል ብምግላጽ ኣብ ኣብ ምስጥረ ተኽሊን ኪዳናዊ ሕይወትን ኣተኵሮም ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ ንምስታፍ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናንን መፈሳውያን በጻሕትን ነዚ ከምዚ ኽብሉ ኣዘኻከርዎም፦

"ኪዳናዊ ሕይወት ሓገዝን ደገፍን ናይቲ ውህበት ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ የድልዮ እዩ፣ እዚ ውህበት እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ዝርከበሉ ቦታ ገዛእ  ርእስኻ ናይ ምውፋይ ተኽእሎ ዳግም እዩ ዝውለድ"።

ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታቶም ብቕጻል ኣብ ኪዳነ ሕይወት ሓዳር ዘተኰረ ኣስተምህሮ ለጊሶም።

መንፈስ ቅዱስን ስድራ ቤትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣስተምህሮኦም ብፍሉይ ብዛዕባ እቲ መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ስድራቤት ዝብሎ ነገራት ከስተንትኑ ከም ዝደልዪ ብምግላጽ ኢዮም ዝጀመርዎ ።

"መንፈስ ቅዱስ ምስ ሓዳር እንታይ ርክብ ኣለዎ? ብዙሕ ነገራት ኣለዎ፣ ምናልባት እውን ኣድላዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበረ ኸኣ ሎሚ ከነስተንትኖ እየ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ክርስትያናዊ ኪዳን እቲ ንሰብኣይን ሰበይትን ገዛእ ርእሶም ነኸወፍዩ ዘክእሎም ምጢር ኢዩ። ከምዚ ብምባል ድማ ኣዘኻኸሩ - "ኣምላኽ ንሰብ እንክፈጥሮ ብመልክዓኡ ምስ ፈጠሮ ... ተባዕታይን ኣንስቱን ገይሩ ፈጠሮም።'"

ስለዚ እቶም ሰብ ሓዳር ነቲ ሓድነት ፍቕሪ ማለት ናይ ቅድስቲ ስላሴ እቲ ናይ መጀመርታን መባእታዊን ምርዳእ ከም ዝህልዎም ከም ዝገብር ኣዘኻኸሩ ።

ሓድነት ዘለዎ ግንባር ምምስራት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ምርዕዋት ሰብ ኪዳን "ነቲ ናይ መጀመርታ ኣካላዊ ብዝሓውነት ማለት 'ንሕና' ዝብሉ ክኾኑ ኣለዎም" ብምባል ኣጕልሑ።

“ኣብ ቅድሚ ነንሕድሕዶም ‘ኣነ’ ኸምኡውን ‘ንስኻ/ኺ’ ብምባል ክቆሙ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝተረፈ ዓለምን እንተላይ ኣብ ቅድሚ እቶም ውሉዶም ግን ‘ንሕና’ ብምባል ደው ኪብሉ ኣለዎም።

"ከምቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንጐይታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከሎ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኸብዎ ንወዳ 'ኣነን ኣቦኻን' ኽትብሎ እንከላን እቲ ኣቦ ድማ 'ኣነን ኣዴኻን’ ክብል ክንስምኦ እንከሎና ሓደ ምዃኖም' ክትሰምዕ እንከሎኻ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዕብ ኣቢሎም ውሉዳት ኣብ መንጎ ወለዶም እዚ ሓድነት እዚ ምስ ዝጐድሎም ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሳቐዩ ከምኡውን ወለዶም ክፈላለዩ ኸለዉ ደቆም ክሳዕ ክንደይ ከም ዝትንከፉ ዘለዎም ጓሂ ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከምዚ በሉ "ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድነት እንተ ወሓደ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ቀሊል ዕማም ኢዩ ክብል ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን"። ይኹን እምበር ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ቅዱስነትም "ፈጣሪ ዝፈጠሮ እቲ ሓቂ እዚ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ባህሪኦም እዩ ዝርከብ" በሉ።

ድልዱል መሰረት የድሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ካብ ኣብ ከውሒ ኣብ ሑጻ ምህናጽ ዝቐለለን ዝቐልጠፈን ክመስል ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ሃቡሉ፣ እንተዀነ ግን "ኣብ ሑጻ እተሃንጸ ሓዳር ዘምጽኦ ሳዕቤን" እንክገልጹ "እቲ ዘሕዝን ኵሉ ሰብ ክርእዮ ዝኽእል ኢዩ፣ ብቐንዱ ኸኣ እቶም ዝጉድኡ ውሉድ ኢዮም" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ ዘለዎም ትዕዝብቲ ኣካፈሉ።

"እዚ 'መንፈሳዊ' ምድላው እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ንኽልተ መጻምድቲ ቅድሚ ኪዳኖም ኣብ ዝገብርዎ ምስንዳው ዝወሃቦም ሕጋውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስነ-ምግባራውን ምስንዳዋት ዝያዳ ዓሚቝ መጽናዕቲ እንተ ዝግበረሉ ጽቡቕ ምዀነ ነይሩ" በሉ።

ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ "ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ኢድኩም ኣይተእትዉ ጣልቃ ውን ኣይትእተዉ" ዝብል ናይ ኢጣልያ ምስላ ብምዝካር ኣስዕብ ኣቢሎም "ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ማለት ኣብ መንጎ መጻምድቲ ክኣቱ ዘለዎ 'ኢድ' ግን ኣሎ፣ ማለት 'ኢድ ኣምላኽ' እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
23 October 2024, 16:19