ፍራንቸስኮ፡ ክርስትያናዊ ሓድነት ጉዕዞ ሲኖዶሳውነትን ምስክርነትን እዩ።

መራሕቲ ክርስትያን ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 11 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ሃገር ቫቲካን ኣብ ኣደባባይ ቀዳሞት ሰማእት ሮማ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣሽሓት ምእመናን ዘሳተፈ ንዝኽሪ ምጅማር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ሓድሽ ኤቁመናዊ ጉዕዞ ንምብጋስን ኣብ ዝተኻየደ ኤቁመናዊ መደብ ጸሎት ስብከት ከም ዝለግሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ 62 ዓመት ዕለት ዕለት 11 ጥቅምቲ ብወግዒ ምጅማር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንምዝካርን ዝተካየደ ኤቁመናዊ መደብ ጸሎት፡ ሲኖዶስ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንገዲ ምሉእ ሓድነት ክትስጉም ዘለዋ ንጡፍ ድሌት መግለጽን ምስክርነት ዘረጋግጽ ሓድሽ ኵላዊ ዘመን እንክብሉ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ካርዲናል ማርዮ ግረች ነቲ መንፍሳዊ ህሞት ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሓድነትን ሰማእትነትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ንዝኽሪ መበል 62 ዓመት ምኽፋት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ሓድሽ ኤቁመናዊ ጉዕዞ ንምብጋስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት ዋዜማ “ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎ” ኣብ ዝብል ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 17, 22 ዝተወስዳ ቃላት ኢየሱስ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ሓድነትን ሰማዕትነትን ከም ዘስተንተኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ቃላት እዚ ብፍላይ ነቶም ንኽርስቶስ ዝምስክሩ እግዚኣብሔር ክብሪ ዘምጽኣሎም ሰማእታት ዝምልከት ኮይኑ፥ ኣብቲ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጴጥሮስ ሰማእትነት ዝተቐበለሉ ቢሉ ኣብ ዝሕብሮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጥቓ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ቀዳሞት ሰማእታት ሮማ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ መደብ ጸሎት ብዙሓት ካብ ጽሑፋትን ጸሎትን ካብ ገለ ቀንዲ ሰነዳትን ትምህርትን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተወስዱ ሓሳባት መሰረት ገይሮም ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደም ሰማዕታት እያ ተሓኒጻ” እዚ ድማ፥

“ደም ቀዳሞት ሰማእታት ምስክር ናይቲ ነባሪ ጻውዒት ሓድነት ኣብ መንጎ ክርስትያን እዩ።”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሕብረት ክርስቲያን

ቅዱስ ኣቦና “ክርስትያን ንክርስቶስ ብዝቐረቡ መጠን ንሓድሕዶም ይቀራረቡ” ዝብል ኣብ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘሎ ሃምነናዊ ድንጋጌ “ሕብረት ክርስቲያን” ዘንበሮ ትምህርቲ ጠቒሶም፥ እዚ ዓሚቝ ምትእስሳር እዚ፡ ብጸሎት ቅዱሳንን ሰማእታትን ዝቕጽልን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵላዊ ጕዕዞኣ ዘሰንያ ምዃኑ ገሊጾም። ነቶም ኣብቲ ጸሎት ዋዜና ንዝሓበሩ ሕውነታዊ ልኡኻትን መራሕቲ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናትን ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፥ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 13 ኣብ መኽፈቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን "ጸሎት ክርስቶስ ኣብታ ናይ መወዳእታ ድራር፡ ኽውን እትኾነሉ መዓልቲ ወጋሕታ ምእንቲ ኽትመጽ ክዓዩን ምእንቲ እዚ እውን ስቓይ ክቕበሉን" ብዘቕረብዎ ለበዋ ኣብጊሶም፥ ክርስትያናዊ ሓድነትን ሲኖዳውነትን ብዕምቆት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ሲኖዳውነት ኣብ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝጽበዮ መንገዲ ምዃኑ ገሊጾም፡ ናይ ሲኖዳውነት ኵላዊ ሸነኽ ኣገባብ ኣስሚሮም፥ ኩሎም ክርስትያን ክጓዓዙሉ ዘለዎም መንገዲ ምዃኑ ብምግላጽ፡

“ጉዕዞ ሲኖዳውነት ኤቁመናዊ ድማ ክኸውን ኣለዎ!

እዚ ጉዕዞ እዚ ሓድሽ ነገር ምፍጣር ዘይኮነስ ነቲ ድሮ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተዋህበና ውህበት ሓድነት ምቕባል እዩ እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ሓድነት ጸጋ እዩ” ብምባል ሲኖዶስ መስርሕ ርኽበት እዚ ጸጋ እዚ ምዃኑን “ውጽኢት ሲኖዶስ እንታይ ከም ዝኸውን ኣቐዲምና ኣይንፈልጥን ኢና” ክብሉ ኣብሪሆም፡ ልክዕ ከምቲ እቲ ዝተጸዋዕናሉ ሓድነት ከመይ ከም ዝፍጸም ክንግምቶ ዘይንኽእል ምሉእ ብምሉእ ዝግለጽ እዩ፥

“ውጽኢት ሲኖዶስ እንታይ ከም ዝኸውን ኣቐዲምና ኣይንፈልጥን ኢና”

ናብ ስኒት እምበር ናብ ሓደነት ዘይግበር ጉዕዞ

ር.ሊ.ጳ. ካብ መስርሕ ሲኖዶስ ዝተማህርዎ ትምህርቲ ብምስትንታን ክርስትያናዊ ሓድነት ሓደነት ዘይኮነስ ስኒት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

“ሓድነት ኣብ መንጎ ብዙሕነት መንፈስዊ ህያባት ስኒት እዩ፥” ብመንፈስ ቅዱስ ንረብሓ ኩሎም ክርስቲያን ህያው ዝኾነ። እዚ ስኒት እዚ፡ ካብ ጻዕሪ ደቂ ሰባት ዘይኮነስ ካብቲ ቅዱስ ባስልዮስ “ስኒት ባዕሉ” እንክብሉ ካብ ዝገለጾ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝመጽእ ኣረጋጊጾም። ክርስትያናት ብፍቕርን ኣገልግሎትን ንቕድሚት ክስጉሙ ብምምሕጻን፡ ጸገማት ነቲ ናብ ሓድነት ዝወስድ ጉዕዞ ደው ከምዘይብሎ ብምትእምማን፡ “ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ብዙሕነት ብስኒት ናብ ሓድነት ኣብ ዝስሕበና መንፈስ ቅዱስ ንወከል” እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ሓድነት ምእንቲ ተልእኾ

ኣቓልቦኦም ናብ ክርስትያናዊ ምስክርነት ገይሮም፡ ክርስትያናዊ ሓድነት ንተልእኾ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፥ ወንጌል ዮሃንስ ጠቒሶም፥ “ኩሎም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ . . . ዓለም ምእንቲ ክትኣምን” (ዮሃ 17፡21) ቢሎም፡ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ምፍልላይ “ንዓለም የሕርቓን ይጎድእን ዕንቅፋት እውን እዩ ዝብል እምነት ኣቦታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣጉሊሖም፡ እዚ ምግምማዕ እዚ ወንጌል ምስፋሕ ንዝብል ቤተ ክርስቲያን ዝተቐበለቶ ተልእኾ እውን ዝጎድእ እዩ፡

ነቲ ብናይ ቀዳሞት ሰማእታት ሮማን እቶም ሎሚ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ንእምነቶም ብሓባር ህይወቶም ዘውፍዩ ናይ ዝተፈላለየ ባህሊ ዘለዎም ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ኣብነት “ኤቁመናዊ ደም” እንክብሉ ገሊጾም፥ ሓድነት ካብ መስቀል ክርስቶስ ከም ዝውለድ ብምዝኽኻር፡

“ምስክር ሰማእታት ካብ ዝኾነ ቃል ንላዕሊ ብሓይሊ ይዛረብ።”

ምፍልላይ ንምብዳህ ዝቐረበ ጻውዒት።

ምስ በሉ ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም፥ እዚ ሕጂ ዘሎ ሲኖዶስ ንክርስትያናት ነቲ ንተራ ምስክርነት ዚዓግት ዘሎ ምግምማዕ ንምስናፍ ኣጋጣሚ ከም ዝኸፍት ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥

"ዓለም ሓባራዊ ምስክርነት የድልያ ኢዩ፥ ስለዚ ድማ ከም ልኡካነ ወንጌልን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስን መጠን ነቲ ሓባራዊ ተልእኾና እሙናት ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና” ምስ በሉ፥ ኣብነት ናይቲ ኣብ ቅድሚ ምስሊ ቅዱስ መስቀል ክርስቶስ ተልእኾኡ ዝተቐበለ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲሲ ብምስትንታን መስቀል ክርስቶስ ንክርስትያናት ናብቲ ኣብ መንጎኦምን ምስ ኵሉ ፍጥረታትን ዝገብርዎ መዓልታዊ ጕዕዞ ክመርሖም ጸልዮም፡

ካብ መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስያስ፥

 "ኣምላኽ ኵሉ ምልኣት ኣብኡ ኺሐድር ብኣኡ ኸኣ ንዅሉ ምስኡ ዓረቖ" (ቈሎ. 1 19-20)።

ዝብል ቃል ጠቒሶም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 October 2024, 17:23