2024.10.10 Membri dell'Associazione Sciistica dell'Austria, in occasione dei Mondiali di Sci 2025 2024.10.10 Membri dell'Associazione Sciistica dell'Austria, in occasione dei Mondiali di Sci 2025  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ነቶም ናይ ኦስትርያ ስፖርተይናታ ስኪ ተቐቢሎም ቃለ ማዕዳን ኣመሓላለፉሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ተወከልቲ ማሕበር ስኪ ኦስትርያ ኣብ እተራኸቡሉ ኣጋጣሚ፣ነቲ ቐንዲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ስፖርት ዝያዳ ኣብ ማሕበረሰብ ንምህናጽ ኣበርክቶ ኸም ዝገብር ጌሮም ክጥቀሙሉ ኣዘኻኸርዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 26 ጥቅምቲ ኣብ ሶልደን ኦስትርያ ናይ ኣልፕስ ናይ ስኪ ስፖርተይናት ኩባንያ ዓለም 2024-2025 ኣብ ዝኽፈተሉ ዝለኦ ነቶም 103 ኣባላት ማሕበር ስኪ ኦስትርያ (ኦስተርራይቺሽ ስኪቨርባንድ - ኦኤስቪ) ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎም ኣዘራረብዎም ።

እዚ ማሕበር እዚ ብ1905 እተመስረተ ዀይኑ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኢንዝብሩክ እዩ ዚርከብ ።

ስፖርት ሕውነት ንምድንፋዕ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ኣዳራሽ እተረኽቡ ተወከልቲ እቲ ማሕበር ሰላምታ ኣብ ዘቕረቡሉ፣ ነቲ ማሕበር ከም ጽንዓት ቅንዕና ዕርክነት ሓድነት ዝኣመሰለ ካብ ስፖርት ዝወረስዎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ወትሩ ከማዕብሉ ኣተባብዕዎም።

በዚ ኸምዚ ኸኣ "ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ዜደንቕ ተፈጥሮ ንፈጣሪ መዝሙር ውዳሰ ኽትዝምሩ ኣበርክቶ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም" ክብሉ ተላበውዎም።

11 October 2024, 16:48