ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሊቃውንቲ ስነ መለኮት፡ ብእምነትን ዘተን ንቕድሚት ሰጒሙ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ሲቺሊያ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም 'ቅዱስ. ዮሓንስ ወንጌላዊ'፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ነቶም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ብእምነትን ዘተን ርህራሀን ነቲ "ንናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ንምብራህ" ዝገብርዎ ጻዕሪ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ካብ መስቀልን ኣብ ቅድሚ ካልኦት ተንበርኪኹን፡ ንኹሉ ሰብ ናብ ርህራሄ ንኽቐርብ ዝሕግዝ ትሑትን ልዙብን ሱር በተኻዊን ቃላት ዝጥቀም፡ ከምኡ'ውን ናብ ሕቑፎ መለኮታዊ ምስጢር ክንቀርብ ዝምህሩና ቃላት ዝጥቀም ቲዮሎጊያ ኣስፍሑ፥” ነዚ መተባብዒ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ሲቺሊያ ማእከል ከተማ ፓሌሮም ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም 'ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ’ ዕለት 16 ጥቅምቲ ሓድሽ ናይ ትምህርቲ ዘመን መኽፈቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ መልእኽቶም ብዛዕባ ብዙሕነትን ጽባቐን ብድሆታትን ደሴት ኢጣልያ ኣስተንቲኖም፡ እዞም ባእታታት እዚኦም ንጻዕሮም ከሐይሉ ከም ዝኽእሉ እውን ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘተን ጽግውናን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም፥ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 21 ሕዳር 1982 ዓ.ም. ኣብ ቤሊቸን ፓለርሞን ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ናብቲ ጳጳሳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ምብጻሕ ካይዶም ከም ዝነበሩ ብምዝካር፥ "ሓያል ቤተ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታ ሒዙ ዝተወልደ እቲ ናይ ቲዮሎጊያ ተቝዋምኩም፥ ነቲ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝውንኖ ናይ እምነት ትርጉምን፡ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ቲዮሎጊያ ዘስዕቦ ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ ቀንዲ ተዋሳኢ ክኸውን ብታሪኽ ይጽዋዕ” ቢሎም፥ እቲ ተቕዋም ምስ ምብራቕን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታት እስላምን ኣይሁድን ዝግበር ዘተ ኽቕጽልን ከምኡውን እቲ 'ማሬ ኖስትሩም’ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ማእከላይ ባሕሪ" መብዛሕትኡ ብዘጋጥም ሞት ናብ ናይ ጭካኔ ስፍራ ዝተቐየረ” ዓቢይ ግምት ብምሃብ ሰብኣዊ ክብሪ ዝጣበቕ ክኸውን፥ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ካብቲ ህቡብ ሃይማኖታዊ ባህሉን ስነ - ጽሑፍን ማሕበራውን ብርታዐ ብምርካብ "ንናይ ህዝቢ ባህላዊ ክብሪ ንምድሓን" ዝዓዪ ክኸውን ድማ  ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰማእትነት

ካብዚ ሓሊፉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ "ኣውያት" ግዳያት ማፍያ - ናይ ገበን ጉጅለታት እቲ ከባቢ ካብ ናይ ገበን ጉጅለታት ናጻ ክኸውን ዝናፍቑ ክስማዕን ደጊሞም ጻውዒት ብምቕራብ፡ ብፍሉይ መንገዲ ድማ ነቶም ብዘይ ፍርሒ ነቲ መዓት፡ ህይወትካ ኣሕሊፍካ ክሳብ ምሃብ ዝተቓለሱ ዝቃለሱን ንዘለዉ ንኢዶም፥

"እዛ መሬት ዓበይቲ መሰኻኽርን ሰማእታትን ትፈልጥ እያ"

ምስ በሉ ብኣጽንዖት እዚ ድማ ከይርሳዕ ሓደራ ቢሎም፥ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ቲዮሎግያዊ ዘተ ምውፋር "ኣዋጅ ወንጌላዊ ፍትሒ ንምድንፋዕ ብዝግበር ተወፋይነት ከም ዝሓልፍን ምዝካር፡ ወንጌል ሕይወት ክኸውን ዝግበር ጻዕሪ ዘይምዕሩይነት ምብዳህን ንጹሃት ግዳያት ምክልኻልን ከም ዝሓትት ኣስሚሮም፡ በዚ ድማ ወትሩ ብርሃን ክፍኣት ብኹሉ መልክዑ ክግለል ይኽእል እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቲዮሎጊያ መለኮታዊ ምስጢር ንምቕራብ

በዚ መንፈስ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "መብጽዓን ተወፋይነትን ዘለዎ . . . ኣብ ታሪኽ ዝጥሕል፣ ኣብኡ ድማ ንፍቕሪ ክርስቶስ ዘብርህ" ቲዮሎጊያ ከምዘድልየና ኣስተብሂሎም፡ ንዅሎም ነቶም ናይቲ ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ቲዮሎጊያ ኣባላት ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ ክጽልዩሎም ሓቲቶም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየተ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

17 October 2024, 15:56