ር. ሊ. ጳ. ፦ ብእምነትን ብተስፋን ናብ ኢየሱስ ተመለሱ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ እቲ ናይ ክርስቶስ ምሕረትን ፍቕሪን ንህይወትና ክልውጥን መምርሒ ክኾነንና ከሓጕሰናን ከም እትኽእል ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን

እምነትን ኣብ ጐይታ ምውካልን ንዅላትና ኼድሕነና ይኽእል እዩ ።...

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ  ኣብቲ ብዕለት 27 ጥቅምቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካየድዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣብ ናይ እለቱ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ተመስሪቶም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዕዉር ባርቲማዮስ ከም ዘሕወዮ ዚገልጽ ካብ ወንጌል ማርቆስ እተወስደ ክፍሊ ገሊጾም ።

ጐይታናን መድሓኖናን ኢየሱስ ክርቶስ ኣውያቱ ሰሚዑ ረኣዮ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣሕወዮ፣ ከመይሲ እቲ ሰብኣይ ንጐይታ ናባኡ ንምቕራብ ክገድፎ ዘለዎ ዓባይ እምነቱን ፍቓደይናነቱን ክንዲ ዝተገንዘበ ኢዩ ዝንበረ ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ንሰለስተ መዳያት እቲ ዘጋጠመ ነገር ማለት ብዛዕባ ኣውያት እምነትን ጕዕዞን ከስተንትኑ ዓደምዎም ።

ምጭዳር ምእዋይ

ቀዳማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብኽያት ባርቲማኦስ ሓገዝ ንምርካብ ዚግበር ልመና ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዚገልጽ መረጋገጺ ምዃኑ ኣተኲሮም ተዛረቡ።

ከምቲ እቲ ዕዉር ዝበሎ "ኣነ እየ ኣብዚ ኣሎኹ ጠምተኒ። ክርኢ ኣይከኣልኩን፣ ኢየሱስ ትርእየኒ ዶ ኣሎኻ?” በለ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኢየሱስ ብርግጽ ከም 'ዝረአዮ' ኣመልከቱ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ነቲ ዝልምን ዝነበረ ሰብኣአይ 'ርእይዎ' ጥራይ ዘይኰነስ 'ብኣእዛን ስጋኡን ብልቡን ውን ሰሚዕዎ' ኢዩ” በሉ።

እምነት ንኸተድሕነና ዘለዋ ሓይሊ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኢየሱስ ንባርጢማኦስ "ኪድ እምነትካ ኣሕውያትካ ኢያ" ዝበሎ ብምዝካር ናብቲ ኻልኣይ ነጥቢ ማለት ናብ እምነት ኣተኰሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ክርስቶስ ብርሃን ኣዒንቱ እዩ!" ድሕሪ ቢሎም "ባርጢማኦስ ስለ ዚኣመነ እዩ ክርኢ ዝኸኣለ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም "ንለማኒ ኸመይ ቢለ እየ ዝርእዮ ? ዕሽሽ እብሎ ድየ ? ከም ኢየሱስ ድየ ዝርእዮ?" ክብሉ ውን ሓተቱ።

መምርሒ ይህበና

ኣብ መወዳእታ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ ሳልሳይ ክፋል ምልስ ብምባል ባርጢማኦስ ሓንሳእ ምስ ሓወየ "ንኢየሱስ ኣብ መገዲ ሰዓቦ" ክብሉ ገለጹ።

ቅዱስ ኣቦ ኣስዒቦም "ነፍሲ ወከፍና ግና ባርቲማኦስ ኢና፣ ብውሽጥና ዕዉራት ኢና፣ ሓንሳእ ናብኡ ምስ ቐረብና ግና ንኢየሱስ ክንስዕቦ ኢና" በሉ።

ልዕሊ ዅሉ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ናብ ድኻ ቐሪብኩም ከም ቀረባኦም ምዃንኩም ክስምኦም ክትገብሩ ከለኹም ብኣካልነት ናይቲ እቲ ድኻ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ዚቐርበኩም ኢየሱስ እዩ ።... እቲ ኻብ ልግሲ ዚበዝሐ ዚቕበል እቲ ዚህብ እዩ፣ ከመይሲ ኣዒንቲ ጐይታ ይርእያኦ እየን።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም "ወጋሕታ ድሕነትና ... ንጕዕዞና ብብርሃን ክርስቶስ ሓልውዮ" ክብሉ ብምጽላይ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

28 October 2024, 16:51