ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ህጻናት ዝዓበየ በረኸት ኣምላኽ እዮም!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 6 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳያን ነጋዲ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣሞርኪዞም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ክርስትያን መጻምድቲ ኣብ ፍቕርን ሓዳርን ነቲ ጽቡቕ ህያብ ሕይወት ኣብ ምቕባል ክጸንዑ የተባብዑ፣ እዚ ድማ ጠለባት ዝሓትት ምዃኑ እንተኣመነሉ ዋጋ ዘለዎ እዩ” እንክብሉ ብኣጽንዖት የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ንመጻምድቲ፡ ንህያብ ህይወት፡ ንውሉድ፡ እቶም ዝጸበቑ ፍረ ፍቕሪ፡ ዝዓበየ በረኸት ካብ ኣምላኽ፡ ንነፍሲ ​​ወከፍ ዝኾኑ ቤትን ንኹሉ ሕብረተሰብን፡ ምንጪ ሓጎስን ተስፋን ክፉታት ምዃን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይንርስዕ” ቅዱስነቶ ነዚ መዘኻኸሪ እዚ ዘቕረብዎ ሰንበት ዕለት 6 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክኸውን እንከሎ፥ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ብመሰረት ናይ ዕለቱ ምንባብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ.10, 2 – 16፥ ብዛዕባ ፍቕሪ ሓዳር ብምስትንታን፥

ኣብ ግዜ ኢየሱስ ተመሊስና

ኣብ ናይ ሎሚ ንባብ ወንጌል፡ ገለ ፈሪሳውያን ንጐይታ "ብዛዕባ ሓደ ኣካታዒ ጉዳይ" ማለት ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ምፍታሑ ዘበራበሮ ሕቶ፥ እንታይ መልሲ ክህበሉ ይሓትዎ፥ ንኢየሱስ ናብ ነገር ከእትውዎ ክትንኵስዎ ሓሲቦም። ነዚ ንኽገብሩ "ግን ኣይፈቕደሎምን" ኣብቲ ናቶም መጻወድያ ኣይኣተወን። የግዳስ ጐይታ ነቲ ዕድል ተጠቒሙ ኣቓልቦኦም ናብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዘተ፡ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መደብ ኣምላኽ ዘሎ ዋጋ ፍቕሪ ከስተውዕሉ ይገብር።

ኣብ ዘመነ ኢየሱስ፡ ኩነታት ኣብ ሓዳር ዝነበረት ሰበይቲ ምስ ናይቲ ሰብኣይ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዝደኸመ ከም ዝነበረ ኣዘካኺሮም፡ "ሰብኣይ ንሰበይቱ ክሰጓ፡ ዋላ ብቐሊል ምኽንያት ክፈትሓ ይኽእል ነይሩ፡ እዚ ድማ ብኣተረጓጉማ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሕጊ ዝምኽንየ እዩ ዝነበረ።" በዚ ምኽንያት እዚ ጐይታ ነቶም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ምሳኡ ዝዛረቡ ንዝነበሩ ናብ ጠለባት ፍቕሪ ይመልሶም።"

ኢየሱስ፡ ሰበይትን ሰብኣይን ብኽብሪ ማዕረ ብብዙሕነት ድማ ተመላላእቲ ኮይኖም፡ ንሓድሕዶም "ሓጋዚ ናይቲ ካልእን ብጻይን” ክኾኑ ከም ዘኽእሎም ብፈጣሪ ከም ዝተፈቐዱ የዘኻኽሮም።

ፍቕሪ ጠለብ ዘለዎ ኮይኑ ግን ዋጋ ኣለዎ

እዚ ንኽኸውን ድማ፡ እቲ ሓድሕዳዊ ውህበቶኦም ምሉእ፡ መሳጢ፡ ብዘይ "ፍርቂ መለክዒ"፡ "መጀመርታ ሓድሽ ህይወት ክኸውን (ማር 10፡7፡ ዘፍ 2፡24)፡ ዝተመደበ ከም ዝኾነ ኣድላይነቱ የጉልሕ።" "ክሳብ ዝስምዓኒ" ዘይኮነስ ንዘልኣለም ክጸንሕ፡ ንሓድሕድካ ተቀባቢልካ ከም "ሓደ ስጋ" ተጠርኒፍካ ምንባር (ማር 10፡8፤ ዘፍ 2፡24)።

እዚ ድማ፡ ዋላ ኣብ ጸገማት፡ ምክብባር፡ ቅንዕና፡ ገርሀይናን ምዃን፡ ከምኡ'ውን "ንምንጽጻር፡ ሓደ ሓደ ግዜ'ውን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ንምዝታይ ክፉት ምዃን፡ ግን ከኣ ኩሉ ግዜ ይቕረ ንምባልን ​​ንዕረቕን ድሉው ምዃን" ዝሓትት ምዃኑ ኣጽኒዖም፥ እቲ ካልእ ድማ፥

ኩሉ ግዜ ቅድሚ ምድቃስካ ሰላም ግበር

ከምቲ ዝሓለፈ ንሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ዝኾነ እዋን ክበኣሱ ወይ ዘይምርድዳእ ኣብ ዝህልዎም እዋን ሰላም ከይገበሩ እታ መዓልቲ ፈጺማ ከይትሓልፎም ደጋጊመ ሓደራ ዝበልክዎ፥

ከምኡ ውን ከምቲ ኣብ ኣሜሪካ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ቀዳመይቲ ሰንበት ወርሒ ጥቅምቲ ከም ሰንበት ሕይወት ብኣኽብሮት ከም እተብዕሎ ዘኪሮም፥ ንህጻናት ከም "ዝዓበየ በረኸት" ኣምላኽ ከም ዝኾኑ ንኸነስተውዕሎ ይግባእ፥ "ንመጻምድቲ፡ ንህያብ ሕይወት፡ ንውሉዳት ክፉት ምዃን ኣገዳሲ እዩ" እንክብሉ፥ "ዝጸበቐ ፍረ ፍቕሪ" "ዝዓበየ በረኸት ካብ ኣምላኽ" ከምኡ'ውን "ምንጪ ሓጎስ" እንክብሉ ገሊጾም ከምኡ'ውን ንነፍሲ​​ወከፍ ገዛን ንኹሉ ሕብረተሰብን ተስፋ ምግባር ማለት እዩ" ቢሎም፥ ኣብዚ መዳይ እዚ ክርስትያን መጻምድቲ ንውላድ ክፉታት ክኾኑ ኣተሓሳሲቡ። ፍቕሪ ጠለብ ከም ዝሓትት ፍሉጥ እኳ እንተኾነ፡ ጽብቕ ምዃኑ፡ "ኣብኡ ክንሳተፍ ብዝፈቐድናሉ መጠን ድማ፡ "ሓቀይ ሓጎስ ኣብኡ ንረክብ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክትሓስቡሉ ዘለኩም ሕቶታት

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡን ኩሎም ምእመናንን ገለ ሕቶታት ንነብሶም፥ "ፍቕርና ከመይ ኣሎ? እሙን ድዩ? ለጋስ ድዩ? ስድራና ከመይ ኣለዉ: ንህይወት፡ ንህያብ ቆልዑ ክፉታት ድዮም?" ዝብሉ ሕቶታት ከቕርቡን ዓዲሞም፥

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንክርስትያን መጻምድቲ ክትሕግዝ ብዘቕረብዎ ጸሎት ዝለገስዎ ኣስትንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዝዛሞም

"ምስቶም ኣብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘፖምፐይ ዝተኣከቡ ምእመናን መንፍሳዊ ሕብረትና ነረጋግጽ ቢሎም፥ "ጸሎት ስእለታት ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም” ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 October 2024, 17:08