ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዋዜማ ምጅማር ሲኖዶስ፡ “ከም ለመንቲ ምሕረት ኣምላኽ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላትን ተሳተፍትን ሲኖዶስ ዘሳተፈ ዕለት 1 ጥቅምቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኣብ ዝሰርዕዎ ስነ ስርዓት ንስሓን ዕርቅን፥ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ብሓጢኣትና ንሓፍር ካብ ንእግዚኣብሔርን ንዝጎድእናዮምን ይቕረታ ይሓትቱ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሰረዕዎ ሊጡርጊያ ንስሓን ዕርቅን ብግህሰት፣ ውግእን ስእነት ግብረ ሰናይን ዝቖሰሉ ሰባት ዝህብዎ ምስክርነት ኣስሚሮም ካብ እግዚኣብሔርን ካብቶም ብሓጢኣትና ዝተጎድኡን ይቕረታ ከም ዝሓተቱን እቲ ናይ ንስሓን ዕርቅን ሊጡርጊያ ዋዜማ ብመሰረት እቲ ዕለት 2 ጥቅምቲ ዝጅመር ካልኣይ ኣኼባ መበል ዓሰርተው ሽዱሽተ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንኽልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ሱባኤ ተጋባእያን ሲኖዶስ መዛዘም ወግዓዊ መኽፈቲ ሲኖዶስን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኑዛዜ ሓጢኣት

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ሸውዓተ ካርዲናላት፡ ሓጢኣት ኣንጻር ሰላም፡ ኣንጻር ከባቢ፡ ኣንጻር ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ድኻታት ብዝፈጸምዎ ሓጢኣት፡ ሓጢኣት ዓመጽን ንኻልኦት ጠመቓዊ ትምህርቲ ከም “እምኒ ምጽዓንን” ከምኡውን ሓጢኣት ኣንጻር ሲኖዳውነትን “ብስም ኩሎም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ” ሕፍረት ይስምዓና ምሕረትን ይቕረታን ዝዝሓተቱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ነቲ ብገለ ካርዲናላት ዝተነበ ብዛዕባ ግህሰት ዝምልከት ዝገለጽዎ ሓጢኣት ከቕርቦ ሓሲበ ነይረ፣ ምኽንያቱ ንቐንዲ ሓጢኣትና ብድብድቡ ዘይኮነ ብግልጽን በቲ ስሙን ምጽዋዕ ኣድላዪ ስለዝኾነ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ኣስተንትኖ ቤተ ክርስቲያን “ብመሰረታ እምነትን ብስራትን ኩሉ ግዜ ዝምድናዊት ምዃና ኣስሚሮም – ንዝሓመሙ ዝምድናታት ብምፍዋስ ጥራይ ኢና ድማ ሲኖዶዊት ቤተ ክርስቲያን ንኸውን።”

“ጌጋታትና ኣሚንና ነቲ ብሓጢኣትና ዝፈጠርናዮ ቁስሊ ኣፍልጦ ብምሃብ ንምፍዋሱ እንተዘይተዓጢቕና ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ተልእኾ እሙናት ክንከውን ንኽእል?” ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ምሳሌ ፈሪሳውን መጸብሓውን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኢየሱስ ብዛዕባ እቲ ትዕቢተይና ፈሪሳውን ተነሳሒ መጸብሓውን ዝሃቦ ምሳሌ ዘዘንተው ንባብ ወንጌል ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክንደይ ግዜ ከምኣቶም ከም ዝተዋሳእና ነስተንት እሞ ናብ እምነት ድማ ንመለስ እንክብሉ ዓዲሞም፥ ክንደይ ግዜ ኢና፡"ብቓላትና ብፍርድታትና ብመዓርጋትና ከምኡውን ንሕና ጥራይ ብቑዓት ቢልና ብምእማን ንዅሉ ቦታታት ባዕልና ተቘጻጺርናዮ ዲና?" እንክብሉ ሓቲቶም። ኣብ ክንድኡስ - "ሎሚ ኵላትና ልክዕ ከምቶም ምስሉያትን ፈሪሳውያን መጸብሕን ምዃንና ተኣሚንና ብሓጢትና ሓፊርናን የዕንትና ኣትሒትናን ልክዕ ከምኡ ነቲ ብትዕቢትን ግብዝናን ትምክሕትን እተዋሕጠ ቦታ ሓራ ብምግባር ናብ እምነት ንመለስ፥ . . .

እምነት ምምላስ

ናይ ዕርቅን ንስሓን ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት፥ “ብጌጋናን ሓጢኣትናን ዝተበታተነ እምነት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ንምምላስ ዝሕግዝ ዕድል እዩ፤ ነቲ ብምፍሳስ ደም ዘየቋርጽ ቍስሊ ንምፍዋስ እንጅምረሉ ዓቢ ዕድል እዩ . . . ሰብኣውነት ሓጢኣትና" ስለ ዝኸበደና እዚ ጾር እዚ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዚግበር ጕዕዞ መንግስቲ ኣምላኽ ከነደንጉዮ ኣይንደልን ኢና" . . .  ነቶም መንእሰያት ወለዶታት እሙናት መሰኻኽር እንተ ዘይኴንና ይቕረታ ንሕተቶም” እንክብሉ ድማ ዓዲሞም፥

ይቕሬታ ምድላይ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም “ስለ ዅሉ ሓጢኣትና ይቕረታ ንልምነካ ኦ ጎይታ፡ ነቲ ብጥልመትና ዘበላሸናዮ ወጅህኻ ክንመልሶ ሓግዘና። ካብቶም ብሓጢኣትና ዝቘሰሉ ይቕረ ክብሉና ንልምኖን ንሓፍሮምን ኢና። . . . ንኣምላኽ ከኣ "ናይ ሓቂ ለውጢ ንምምእራር ልባዊ ምንስሓ ኺህበና ንለምን” እንክብሉ ብዘቕረብዎ ጸሎት ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዛዚሞም፥

ምልክት ሰላምን ሰላምታ ምልውዋጥን ኣብ ወንጌል

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ናይ ሰላም ምልክት ክለዋወጡ ዓዲሞም። ባዕሎም ነቲ ናይ ሰላም ምልክት ነቶም ኣቐዲሞም ኣብቲ ስነ ስርዓት ምስክርነቶም ዝሃቡ፡ ከምኡ’ውን ንሓደ መንእሰይን ሓንቲ መንእሰይን ንሓደ ተማሃራይ ዘርኣ ክህነትን ንሓንቲ ድንግልን ሰላም ከም ዝበሉን ነቶም ንመንሰያት ዝወከሉ ድማ "ዝሓሸ ተልእኾ ንርትዓዊ ኣተሓሳስባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ እሙታት" ኪኾኑ ተስፋ ብምግባር ንዓታቶምን ንመዛኑኦምን ንዝመጽእ ወለዶ ቃለ ወንጌል ከበስሩ ሓላፍነት ብምሃብ ቅዳሕ ወንጌል ከም ዝለገሱሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 October 2024, 16:32