ር..ሊ.ጳ.፡ ዓቃቤ ቅድስቲ መሬት፥ ‘ኣብ መንጎ ግጭት ናይ ሰላምን ዘተን ተልእኾ’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓለዋ - ጐይታ ኣብ ልዕሊ ፍጥረቱ ንሰብ ዝህቦ ቀዳማይ ዕማም እዩ። ኣብታ ሃገር ኢየሱስ ዝኾነት ቅድስቲ መሬት ንዘመናት ዝጸንሐ ሓላፍነት ዓቃቤ ቅድስቲ መሬት ኣሎ፣ እዚ ሓላፍነት እዚ ንገዛእ ርእሱ ተራ ሓላፍነት ኣይኮነን፡ ንህይወት ኢየሱስ ዝድህስሱ ብዙሓት መቕደሳት ምምራሕን ኣብ ዓመት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ነጋድያን ዝቕበል እውን ምዃኑ የዘካኽሩ።
ኣብ ሸሞንተ ዝተፈላለያ ሃገራት (እስራኤል፡ ፍልስጤም፡ ዮርዳኖስ፡ ሶርያ፡ ሊባኖስ፡ ምስሪ፡ ቆጵሮስን ሮድስን) ናይ ዝርከቡ ብዙሓት ኣሃው ስራሕ ዘወሃህዱ፡ እዞም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ኣሃው፡ ነቲ ናይ ምእላይነትን ዓቃቤነት ገላጺ ባህሪ፡ ማለት ኣህጉራዊ ባህርያቱ ይድግፉ። ክቡርን ሰናይን ተልእኾ እዩ፣ ንኣድማሳውነት ቤተ ክርስቲያን ዝውክል ደቀቕቲ - ቆዝሞስ እዩ፣ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ልምድታትን ንምስምማዕ ግን ቀጻሊ ጻዕሪ ይሓትት።
እዚ ኣህጉራዊነት እዚ፡ ከም ውጽኢት ርኡይ ስደታዊ ምንቅስቓሳት፡ ምዕራባውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝኾና ከም ቤተ - ፈተነ ኮይኑ ከገልግል ይኽእል። ብተወሳኺ ኣብ መቕደሳት ዝግበር ንጡፍ ውፉይ ኣገልግሎትን ኣኽብሮትን ጥራይ ዘይኮነስ ውዕዉዕ ጓሳዊ ንጥፈታት እውን ዘጠቓልል እዩ። ንኣብነት እተን ኣርባዕተ ዝዓበያ ሰበኻታት ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ማለት ናዝሬት፡ ቤተልሄም፡ ያፋን ኢየሩሳሌምን ብኣሃው ኣባላት ሓላዊ ቅድስቲ መሬት እየን ዝመሓደራ። ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ሃይማኖታትን ናይ ሰላምን ዘተን ባህሊ ንምዕባይ ወሳኒ ዝኾና 16 ኣብያተ ትምህርቲ የመሓድር።
ኣብ ቅድስቲ መሬት ካብ ስነ - መለኮታዊ ክትዓት ሰጊሩ ናብ መዓልታዊ ህይወት ብዙሓት ምእመናን ዝኣትው ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ዝግበር ዘተ፡ ፍሉይ ግሉጽነትን ኣጋይሽ ምቕባልን ተሃዋስነትን ይሓትት። እቲ ዝተሓላለኸ ምሕደራ ምስ ስዊዘርላንዳዊት ሰዓት ዝመሳሰል ህልዊ ዅኔታ፡ ንዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ስርዓታዊ ህላወ ንኽህልወን ኣገዳሲ ድማ እዩ። ኮይኑ ግና ልዕሊ ዝኾነ ነገር እቲ ንዝሓለፉ 76 ዓመታት ንቅድስቲ ምድሪ ዘሳቐያ ዘሕዝን ግጭት ጐሊሑ ይርአ።
ብሓጺሩ ዓቢ ስራሕን ከቢድ ህላወ ቅድስቲ መሬት ዝብል ሓላፍነትን ኣብ መንኵብ ፍራንቸስካውያን ኣሃው እዩ ዘሎ። ከምቲ ኣብ መጀመርታ እዛ መጽሓፍ ዝተገልጸ ኣባ ፍራንቸስኮ ፓተን ብሃንደበትን ብዘይተጸበይዎን መንገዲ ነዚ ሓላፍነት እዚ ክስከሙ ዝተዋህቦም ምዃኑ ይጠቕሱ፡ ብኣድማዒ መንገዲ ድማ የመሓድሩ ከም ዘለዉ ቅዱስነቶም ይገልጹ። በዚ ድማ ከነመስግኖም ጥራይ እዩ ዝከኣለና፡ ምኽንያቱ ከምቲ ዝብልዎ ኢየሩሳሌም ናይ ማንም ኣይኮነትን፡ ንኹሉ ሰብ እያ።
ኣባ ፓቶን ነዞም በዳሂ ዕማማት ብፍሉይ ቅዲ ዘመላኸትዎ ትኩራት ኣንበብቲ ኣብዛ መጽሓፍ ከድንቕዎ ድማ ይኽእሉ። ብትዕግስትን ብትሕትናን ናይ ምስማዕ ክእለትን፡ ግን ከኣ ኣብቲ መዓታዊ ፍጻመታት እታ ሃገር ኣብ ዝጠልበሉ እዋን ብወሳንነትን ጽንዓትን እውን።
ሓላፍነትን ተልእኾ ኣባ ፓተን ምስ ግዜ ዝዝከሩ ፍሉያትን ዘስካሕክሑን ፍጻመታት ዝሓዘ እዩ። እቲ ከቢድ ዓመታት ናይቲ ለበዳ፡ ድሕሪኡ ድማ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ፡ ካብቶም ብዙሓት፡ “እቲ ዝነውሐን ዝኸበደን” ኢሉ ብትኽክል ዝገለጽዎ ዘስካሕክሕ ኲናት ቅድስቲ መሬትን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝረኣሉ ዘሎ እዋን።
ኣብዚ መዓታዊ ኩነታት ኣባ ፍራንቸስኮ ንመስርሕ ናይታ ብሓላፍነት ዝተዋሃበቶም ጃልባ ኣብ ምምራሕ ርጉእ ክኸውንን ምስቶም በዚ መዓት ዝተሃስዩ ህዝብታት ብሓባር ደው ንምባል ዝገብርዎ ጻዕሪ ከዕብዩን ክኢሎም እዮም። ኣብዘን ኣዋርሕ ኣብ ቓዛ ዝተኻየደ ኣረሜናዊ ኲናት ምስ ምኽትሎም ኣባ ኢብራሂም ፋልጣስ ዝተፈጸመ ኣዝዩ ጽቡቕ ተበግሶ ብንጹር እዝክር፡ ንሱ ድማ 150 ዝቖሰሉን ዝሓመሙን ህጻናት ናብ ኢጣልያ መጺኦም ሕክምና ክገብር ዘበርከትዎ ጻዕሪ።
እዛ መጽሓፍ እዚኣ - ከጉልሓ ከለኹ ደስ ይብለኒ - ካብ ምትሕብባር ክልተ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣካላት ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ብኣህጉራውነቶም ኣቢሎም ንኣድማሳውነት ቤተ ክርስቲያን ብኣድማዒ መንገዲ ዝገልጹ፡ ሓላዊ ቅድቲ መንበርን ሎሰርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣን፡ ንኣባ ፓተን ብዝያዳ ንምልላይ ክትሕግዝ እያ።
ቅዲ ዕዮታቶም ካብታ ናይ መጀመርታ ርክብና ይዝከረኒ፣ ብዋዛ “ናይ ስድራ ስምኩም ምስ ኣንበብኩ ያንኪ ኣሃው መሲሉኒ ነይሩ . . . ኣብ ክንድኡ፣ ካብ ትሪቨነቶ ኢኹም ከም ዝመጹ ፈለጥኩ!” ነዚ ካብ ትሬንቲኖ ዝመጸ ያንኪ ሓው፡ ኣብ ፍራንቸስካውያን ልሙድ ዝኾነ ትምኒተይ፡ ንዕኡን ብፍላይ ድማ ንቅድስቲ ምድርን ንኹሎም ዝሕልውዋን፡ “እግዚኣብሄር ሰላም ይሃበሎም” ዝብል እዩ፡ ብምባል ዝደረስዎ መቕድም ይዛዝሙ።