ር. ሊ. ጳ. ንG7 ብዛዕባ ተሳትፎ ስንክላን፦ እተፈላለና እኳ እንተ ዀንና ኵልና ሓደ ኢና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዕለት 17 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተኻየደ ናይቶም ካብተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ 7 ዋዕላ ብዛዕባ ተሳትፎ ኣካለ ስንክልናን ንምኒስትራት ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ዝያዳ ፍትሓዊት ዓለም ንምህናጽ ዝገበርዎ ቘራጽነት ዘለዎም ዓሚቝ ምስጋና ገለጹሎም።
እቶም ተሳተፍቲ እዚ ዋዕላ ደድሕሪ እቲ ኣብ ማእከላይ ኡምብርያ ኢጣልያ ንሰለስተ መዓልቲ ዝወሰደ መደባቶም ትማሊ ረቡዕ ዕለት 17 ጥቅምቲ ቻርተር ሶልፋግናኖ ዝተሰምየ ውዕላቶም ብምፍራም ተዛዘመ። እዚ ሰነድ እዚ ኣካለ ስንኩላን ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ህይወት ምሉእ ተሳትፎ ምእንቲ ኺገብሩ ሸሞንተ ቀዳምነታት ዚወሃቦም ጉዳያት ብምግላጽ ኣብ ተሳትፎኦም ጽኑዕ ቈራጽነት ከም ዘለዎም ዝገልጽ ኢዩ ዝነበረ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ምስቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ሰብኣዊ ኽብሪ ዘለዋ ኣተሓሳስባ ኣጸቢቑ ዝሰማማዕ ጥራይ ዘይኰነስ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ከም ክፍሊ ናይ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ ስድራቤት ገይሩ ብምቕባል ክብሪ ወድሰብ ኣብ ግምት ዘእቱ ሕብረተሰብ ንምቕራጽ እውን ወሳኒ ሰነድ ኢዩ።
ኣስዒቦም ድማ ቅዱስ ኣቦና "ሓደ ግዜ ብዛዕባ ኣካለ ስንኩላን ክዛረብ እንከለኹ ሓደ ሰብ 'ኵላትና ገለ ስንክልና ኣሎና እሞ ተጠንቀቑ' በለኒ። ሓቂ እዩ ኩልና ስንኩላን!" በሉ።
ዓለምለኻዊ ቐዳምነት ዚወሃቦ ጉዳይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘቕረብዎ ቃለ ማዕዳን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተኣከቡ ማዕረ ዝኾነ ክብረቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣፍልጦ ክወሃቦ ከም ዘለዎ ብምዝኽኻር ተሳትፎ ስንኩላን ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ተማሕጸንዎም።
ውልቀ-ሰባት ተውህቦኦም ምእንቲ ኼማዕብሉን ደረጃ ህይወቶም ብዘየገድስ ሓባራዊ ጥቕሚ ምእንቲ ኺረኽቡን ኵሉ ኣካላውን ማሕበራውን ባህላውን ሃይማኖታውን ዕንቅፋታት ከም ዝውገድ ብምግባር "ንዅሉ ዝሓቍፍ ዓለም ምፍጣር መዋቕራትና ምትዕርራይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣተሓሳስባና ውም ምቕያር ዝሓትት እዩ" በሉ።
ምእንቲ ፍትሒ
ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንስንኩላን ኣገልግሎትን መሳለጥያታትን ምሃብ ማሕበራዊ ደገፍ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ፍትሒ ጕዳይ ምዃኑ ኣጕልሑ ። ኵለን ሃገራት ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘደንፍዕ ንዅሉ ዝሓቍፍ ማሕበረሰብ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ከም ዘለወን ውን ኣመልከቱ። ክቡር ስራሕ ናይ ምርካብን ኣብ ባህላውን ስፖርታውን ውድድራት ናይ ምክፋልን ኣጋጣሚታት ምሃብ ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላጽ ካብዚ ኩነት እዚ ንሓደ ሰብ ምንጻል "ከቢድ ዓይነት ኣድልዎ" ከም ምዃኑ ድማ ኣጠንቀቑ።
ተክኖሎጂ ኸም መሳርሒ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተክኖሎጂ ንዅሉ ሰብ ዝግብኦ ከም ምዃኑ ውን ብምጕላሕ ተክኖሎጂ ነዚ ኣብ ምድንፋዕ ዘለዎ ግደ ገለጹ። ይኹን እምበር ተክኖሎጂ ንዘይማዕርነት ኣብ ክንዲ ዘማዕብል ድልድል ኣብ ምህናጽ ብጥበብ ክትጥቀመሉ ከም ዘለዎም ኣጠንቀቑ። "ቴክኖሎጂ ናብ ሓባራዊ ጥቕሚ ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ፣ ኣብ ናይ ምርኻብን ሓድነትን ባህሊ ድማ ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ" በሉ።
እዋናት ቕልውላው
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ምዝዛም ቃለ ምዕዳኖም ብዛዕባ እቲ ንመሳኪን እንተላይ ንኣካለ ስንኩላን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝትንክፍ ህጹጽ ሰብኣዊ ቅልውላው መብርሂ ኣቕረቡ ። ኣብ ግዜ ግጭት ወይ ባህርያዊ ዕንወት ዋላ ሓደ ሰብ ምእንቲ ኸይተርፍ ንኣካለ ስንኩላን ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ሰፊሕ ናይ ምክልኻል ከምኡውን ህጹጽ ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ኣድላይነት ከም ዘሎ ኣጕልሑ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ መንፈሳውነት ቅዱስ ፍንራንቸስኮስ በዓል ኣሲዚ ብምስትንታን ነቶም ተሳተፍቲ ኣባላት ጉጅለ 7 ተስፋን ቈራጽነትን ሒዞም ዕዮኦም ክቕጽሉ ኣተባብዕዎም። "ብሕብረት ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ተፈላጥነት ዝረኽበሉን ዝኸብረሉን ዓለም ክንሃንጽ ንኽእል ኢና" ክብሉ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።