ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ፍልስጥኤም ኢሰብኣዊ መጥቃዕቲ ይወርዳ ኣሎ' ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ፍልስጥኤም ኢሰብኣዊ መጥቃዕቲ ይወርዳ ኣሎ'  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ፍልስጥኤም ኢሰብኣዊ መጥቃዕቲ ይወርዳ ኣሎ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዩክሬን ዝሞቱ ዘለዉ ዝገልጽ ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቕርብ ሓበሬታ “ዘስካሕክሕ” ምዃኑን ፍልስጤም “ኢሰብኣዊ መጥቃዕቲ” ይወርዳ ከምዘሎ ብምጥቃስ ኣብ ዓለም ሰላም ክህሉ ዝገብርዎ ጻውዒት ደጊሞም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ጥቅምቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ደጊሞም ኣብ ዓለም ሰላም ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ኣብ ዩክሬን ዝሞቱ ዘለዉ ዝገልጽ ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቐረበ ሓበሬታ “ዘስካሕክሕ” እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዋል ስትሪት ጆርናል ኣተሰምየ ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ዝሕተም ዕለታዊ ጋዜጣ፡ ከም ዝገለጾ በቲ ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓደ ሚልዮን ሰባት - ዩክሬናውያንን ሩስያውያንን - ከምዝበጽሐ ክሕብር እንከሎ ሰበስልጣን ዩክሬን ኣብ ወርሒ ሰነ ጥራይ ልዕሊ 12 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ይሕብሩ።

ዓመጽ ዘጋጥሞም ኣህዛብ ኣይትረስዑ

ፍራንቸስኮ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት “ኲናት ካብ መጀመርታ ስዕረት እዩ” ከምኡ’ውን “ንማንም ዘየናሕስይ እዩ” እንክብሉ ደጊሞም ብምርግጋጽ፥

"ምእንቲ ሰላም ናብ እግዚኣብሄር ንጸሊ፡ ንኹላትና ድማ ሰላም ይሃበና" ቢሎም፥ "ንሚያንማር ድማ ኣይንረስዕ፤ ነታ ብኢሰብኣዊ መጥቃዕቲ ትሳቐ ዘላ ፍልስጤም ኣይንረስዕ፤ ንእስራኤል ኣይንረስዕ፡ ንኹሎም ኣብ ውግእ ዘለዉ ኣህዛብ ኣይንረስዕ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግዝያዊ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤትን ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ 2 ጥቅምቲ ናብ ጋዛ ዝኣተወ መግቢ ከምዘየለ ጸብጻብ ከም ዝሃበን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ኣብ ምፍራይ ኣጽዋር ዝወጽእ ዘሎ ሰፊሕ ቍጠባዊ ወጻኢታት “ሎሚ ሓደ ከብቲ ብሉጽ መኽሰብ ዘዘምጽእ ምዃኑ ይንገር” ብምባል ሃዘን ገሊጾም፥ “ከፍርሓና ዝግብኦ ጸብጻብ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዓለማዊ ንግዲ ኣጽዋር ኣብ 2021 ዓ.ም. ብቑሩብ ትሕቲ 100 ቢልዮን ኤውሮ ከምዝነበረ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኽበ መረዳእታ ከም ዘፍለጠ የመልክት።

23 October 2024, 15:28