ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መሬት ንዝርከቡ ሰማእታት መጓሰ፥ ‘ቀረባኹም እየ’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ብተላባዒ ጽልኢ ዝተፈንጀረ ዓመጽ ሓደ ዓመት ኣብ ዘቑጽረሉ ዘሎ እዋን ( . . . ) ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ካቶሊካውያን ቅድስቲ መሬት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ካብታ እዚያ እተሕዝን መዓልቲ ኣትሒዙ “ሕጂ እውን ደምን ንብዓትን ይፈስስ ኣሎ” ቢሎም ዝስምዖን ጓሂ ገሊጾም፥ “ማሕበረሰብ ዓለምን እተን ኣዝየን ሓያላት ሃገራትን ነቲ ኣጽዋር ስቕ ኣቢለን ነቲ ዘጋጠመ መዓት ኲናት መወዳእታ ክገብረሉ ዘይምኽኣሉ ዘሕፍር እዩ” እንክብሉ ነቒፎም፡ ነቲ ማሕበረሰብ ካቶሊክን ህዝቢ እቲ ከባብን “ብዛዕባኹም እሓስብ ስሌኹም እጽልይ” እንክብሉ የረጋግጹ።
“ቁጥዐ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ፣ ምስኡ ድማ ሕነ ናይ ምፍዳይ ድሌት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ፣ ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ኣድላዪን ዝያዳ ዝድለን “ዘተን ሰላምን” ዝግደሱ ሰባት ውሑዳት እዮም ዝመስሉ፡ ቢሎም፥ "ኲናት ስዕረት'ዩ . . . ኣጽዋር ንመጻኢ የጥፍኦ እምበር ኣይሃንጾን'፡ ዓመጽ ሰላም ፈጺሙ ኣየምጽእን እዩ። ታሪኽ ነዚ ዘረጋግጽ'ኳ እንተኾነ፡ ናይ ዓመታት ግጭት ዝመሃረና ኣይመስልን" እንክብሉ ደጊሙሙ ይገልጹ።
መከላኸሊ ዘይብሉ ብእግዚኣብሔር ዝፍቶ መጓሰ
ነቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝቕመጥ “ንእሽቶን መከላኸሊ ዘይብሉን መጓሰ” ኣብ መሬቶም ክጸንሑ ዝደለዩ፡ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዝተሓላለኸ ነገራት ኩሉ ክጽልዩን ክፋቐሩን ስለ ዝደለዩ፡ “ብኣምላኽ ዝፍቶ ዘርኢ” እንክብሉ ይገልጽዎም።
በቲ ከቢብዎም ዘሎ ጸልማት ክወሓጡ ከይፈቐዱ፡ ፍረ ከፍርዩን ህይወት ዝህቡሉ መንገዲ ክረኽቡ ኣተባቢዕዕም፥ “ኣብ ቅዱሳት ሃገራትኩም ተተኺልኩም፡ ቡቕሊ ተስፋ ኩኑ፡ ምኽንያቱ ብርሃን እምነት ኣብ መንጎ ቃላት ጽልኢ ንፍቕሪ ክትምስክሩ፡ ኣብ ማእከል እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተጻብኦ ክትራኸቡ፡ ኣብ ማእከል እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጽልኢ ናብ ሓድነት ይመርሓኩም . . . ከምኡ’ውን “ብልቢ ኣቦ” ነቶም “ሎሚ ናይ ሓቂ ሰማዕትነት ዘጋጥሞም ዘሎ ደቁ” ነዛ መልእኽቲ እዚኣ እሰደልኩም ብምባል፡ “ኣብ ሞንጎ ክረምቲ ኲናት ዘርኢ ሰላም ክትዘርኡ”፡ “ናይቲ ሓያል ዘይጎነጻዊ ሰላም መሰኻኽር” ክኾኑ ይሓትቱ።
መዓልቲ ጸሎትን ጾምን
ቅዱስነቶም ሎሚ ሰባት ሰላም ከመይ ጌሮም ከም ዝረኽቡ ከም ዘይፈልጡ ሓቢሮም፥ “ከም ክርስትያናት መጠን፡ ካብ ኣምላኽ ሰላም ኣብ ምልማን ፈጺምና ክንደክም የብልናን . . . ስለዚ እየ ድማ፡ ኣብዛ ዕለት እዚኣ፡ ኩሉ ሰብ ምእንቲ ሰላም ጾምን ጸሎትን ክግበር ዝተማሕጸንኩ፡ ታሪኽ ዝቕይር፡ ነቲ ሓደ ሓቀይና ጸላኢና ዝስዕር ማለት መንፈስ ክፍኣት ንውግእ ዘበግስ ዝስዕር ኣጽዋር ፍቕሪ እዩ።”
"ቀረባኹም እየ፡ ምሳኻ እየ"
ምሉእ ካልኣይ ክፋል ናይታ ደብዳበ “ኣነ ምሳኹም ኣለኹ፣ ቀረባኹም እየ” ዝብል ኮይኑ፥ ቅዱስነቶም ነዚ ቃላት እዚ ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ከምኡ እውን ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዕብዳን ውግእ፡ ዝሳቐዩ ንዘለዉ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኑዛዜን ሃይማኖታትን እውን “ምሳኹም እየ ቀረባኹም እየ’ ይብሉ።
ነቶም መዓልታዊ ኣብ ሓሳቦምን ጸሎቶምንን ንዝርከቡ ህዝቢ ቓዛ
ንዝሞቱ ወይ ንዝቖሰሉ ደቀን እናጠመታ ዝነብዓ ኣዴታት፡ "ከም ማርያም ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ" . . . ነቶም “ካብ ሰማያት ሓዊ ከይዘንብ ርዒድኩም ንላዕሊ ክትጥምቱ እትፈርሑ . . . ንዓኻትኩም “ድምጺ ዘይብልኩም፡ ዋላ’ኳ ኩሉ ናይ ውጥንን መላዊ ዘረባታት እንተሃለወ፡ ነቶም ስኽፍ ዘይብሎም ሓያላት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብዝጽዕንዎ ዕንወት ኲናት ንዝሳቐዩ ሰባት . . . ንዓኹም ሰላምን ፍትሕን ዝጸመኣኩም፡ “ንስነ - መጐት ክፍኣት እምቢ ይግዛእን ኣናበልኩም፡ ብስም ኢየሱስ ድማ “ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ስለቶም ዘሳድዱኹም ድማ ጸልዩ።”
ምስጋና ነቶም ኣብ ውግእ ንዝሳቐዩ ዝሕግዙ
ኣብ መወዳእታ “ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮም ውሉደ ሰላምን ነቶም ዝሳቐዩ ዝሕግዙ፣ ከምኡ’ውን ንጳጳሳትን ካህናትን “ነቶም በይኖምን ዝተሓረጉን ሸለል ዝተባህሉ ኮይኑ ንዝስምዖም ምጽንናዕ ኣምላኽ ዘምጽኡ” ቃል ምስጋና ኣቕሪቦም፥
“ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብክርስቶስ ኢየሱስ እባርኸኩምን ብልባዊ ፍቕሪ እሓቑፈኩምን። እኖና ንግስቲ ሰላምን ሓላዊ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍን ይሓልዉኹም” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።