ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓለዋ ጸጥታ፥ 'ከም መላእኽቲ ትሕልዉና' ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓለዋ ጸጥታ፥ 'ከም መላእኽቲ ትሕልዉና'  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓለዋ ጸጥታ፥ 'ከም መላእኽቲ ትሕልዉና'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ቫቲካን ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዘርላድ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ዕለት 5 ጥቅምቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታን ስዊዘርላንድን ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓለዋ ጸጥታ ኢጣሊያን ዋላ ግቡኦም ኣብ ዝፍጽሙሉ እዋን ወትሩ ለውሃት እግዚኣብሔር ከርእዩ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ "ከም መላእኽቲ ዝሕልዉን ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉን" ኣሰር ቅዱስ ሚካኤል ዝኽተሉ” እንክብሉ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝገለጽዎምን፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ሓይሊ ጸጥታ ቫቲካን ዕለት 29 መስከረም ሓላዊኦም ቅዱስኦም ሚካኤል ሊቀ መላእክት ዝኽብረሉ ዓመታዊ ጽምብል ንኢዶም።

ሕማቕ ኩነታት ኣየር ነቲ ቅዳሴ ካብቲ በቢ ዓመቱ ዝበዓለሉ ቦታ ማለት ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዝርከብ በዓቲ ቅድስተ ማርያም ዘሉርድ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክግዕዝ ከም ዘገደደን ዜና ቫቲካን  ይሕብር።

'ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ክፍኣት በይንና ኣይኮናን'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስብከቶም ዝጀመሩ፡ ከም ክርስትያን መጠን "ኣብ ልብና፡ ኣብ ህይወትና፡ ኣብ ስድራና፡ ኣብ ህዝብና። ኣብ ቤተ ክርስቲያንና" ዝጻወቶ ክውንነት ቃልሲ መቓን ብምግባር ኮይኑ፥ ብዘይ እቲ ቃልሲ "ክንሳዓር ኢና" ብምባል፡ ዕማም ሓይሊ ጸጥታ ቫቲካን "ንመላእኽቲ" ከም ዝተዋህበ ተልእኾ ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፥

“ዲያብሎስ ኩሉ ግዜ ንሰብ ከጥፍእ ይደሊ፣ ንነገራት ከም ጽቡቕ ገይሩ የቕርቦ፣ ሓሳቡ ግና ጥፍኣት እዩ። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብዚ ውግእ በይንና ከምዘይኮንና ርግጸይናታት ኢና ምኽንያቱ ጎይታ ንሊቀ መላእክት ክከላኸሉልና ዕማም ሂቡዎም እዩ”

ንለውሃት ኣምላኽ ዘንጸባርቕ

ቅዱስነቶም ንናይ ሃገረ ቫቲካን ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ስለ እቲ ዝፍጽምዎ ዕማም ኣመስጊኖም፣ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጎንና ኮይኑ ከመይ ጌሩ "ንበይንና ዘይገድፈናን መንገድና ከይነጥፍእ ዝሕግዘናን" መልኣኽ ከምዘለና የዘኻኽሩ፡

እዞም ሓለውቲ መላእኽቲ፡ ነቲ "ክቡር ዕማሞም" "ልዕሊ ኩሉ ንቤተክርስትያን ብዋጋ ዘይሽነን ኣገልግሎት" ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዝውክል በይኖም ፈጺሞም ኣይገድፍዎምን እዮም ቢሎም፥

ናይ ሃገር ቫቲካን ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ንነጋድያን ናብ ቫቲካንን ኣብ ግዝኣታዊ ዞባታታን ናይ ምቕባል ዕማም ዝሽከም ምዃኑ ይገልጹ።

ትዕግስቲ ስድራቤታት

ር.ሊ.ጳ. ንኣባይቲ ስድራ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ብዘይ "ትዕግስትን ምርዳእን" ዝፈትውዎም ሰባት ስርሖምም ዝከኣል ኣይምኾነን ነይሩ፥ ብተወሳኺ "ኣብ ስራሕ ስለኹም" ከም በዓል ቤትን፡ ኣቦታትን፡ ከም መንእሰይ ወይ ኣሕዋት ኣብ ቤትኩም ከተሕፍልዎ ስለ ዘይከኣልኩም ሰዓታት ይቕረታ እሓትት ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ "ቀሊል ከምዘይኮነ እፈልጦ እየ፡ በዚ ምኽንያት ድማ እቲ እግዚኣብሔር ሓደ ዝገበሮ ከይፍታሕ፡ ንቤተሰብኩምን ንኹሎም እትፈትውዎም ሰባትን ንሓለዋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንግስቲ ስድራ ቤትን ንቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን አወክፈኩም" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥

ሓድነት ልዕሊ ግርጭት እዩን

ንኹሎም ድማ "ኩሉ ግዜ" ሓድነት ክደልዩ ተማሕጺኖም።

“ሓድነት ልዕሊ ግርጭት ምዃኑ ኣይትረስዑ፣ ኩሉ ግዜ። ሓድነት ልዕሊ ግርጭት እዩ”

ምስ በሉ ቀጺሎም ንሓለዋ ጸጥታ ቫቲካን ጎይታ "ጥበብን ትዕግስትን" ክህቦም ብምጽላይ ምስጋናኦም ከም ዘሐድሱ ኣፍሊጡ።

07 October 2024, 17:01