2024.10.11 ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ዩክሬን ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ 2024.10.11 ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ዩክሬን ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ዩክሬን ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሳልሳይ ግዜ ዕለት 11 ጥቅምቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ርእሰ ብሔር ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ኣብ ዘጥፍኣሉ ዘሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ምስ ዘካየዱ ናይ ዩክሬን ርእሰ ብሔር ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ተራኺቦም ብዛዕባ ስቓይ ህጻናት ዩክሬን ከም እተዘራረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ድሕሪ እቲ 35 ደቓይቕ ዝወሰደ ርክብ ዘለንስኪ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ርቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊ ከም እተራኸቡ ኣፍሊጡ።

ንሰላምን ስቓይ ከብቅዕ ጻውዒት

ኣብቲ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካሪዲናል ፓሮሊ ዝተኻየደ ዝርርብ "ንኹነታት ኲናትን ሰብኣዊ ኩነታት ዩክሬንን" ከምኡ'ውን "ነቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ መወዳእታ ክገብሩሉን ኣብታ ሃገር ፍትሓውን ርጉእን ሰላም ከምጽእ ዘኽእሉ መገድታት ዘማእከለ ምይይጥ ምክያዱን፡ "ኣብታ ሃገር ንሃይማኖታዊ ህይወት ኣብ ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት'ውን ዘተ ምክያዱን ኣብ መወዳእታ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ገጸ ብረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከም እተፈጸመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

ርክብ ርክብ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ርእሰ ብሔር ዩክረይን ዘለንስኪ
ርክብ ርክብ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ርእሰ ብሔር ዩክረይን ዘለንስኪ

ቀጻሊ ቅርበት ምስ ዩክሬን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ መከራን ኣብ ህይወትን ንብረትን ጥፍኣት ዘስዕብ ዘሎ ኩናት ካብ ዝተባርዓሉ እዋን ኣትሒዞም ከብቅዕ ማእለያ ዘይብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ቅድስቲ መንበር ንሰላም ኣብ ዝገበር ጻዕሪ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ክትሕግዝ ድልውቲ ምዃና እውን ከም ዘረጋገጹን ቅዱስነቶም ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ሓገዝ ዝውዕል መጓዓዝያ ህሙማንን ናውቲ ሕክምናን ከም ዝለኣኹን ሰላም ኣብ ምድላይ ንዝግበር ጻዕሪ እውን ፍሉይ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብታ ሃገር ከም ዝለኣኹን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

12 October 2024, 17:12