2024.10.16 Udienza Generale 2024.10.16 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ሰላም ንምርካብ ንጸሊ ምእንቲ ሰላም ውን ንቓለስ

ኣብ መወዳእታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈጻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነተን ብውግእ ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ማለት ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ምያንማር ብምዝኽኻር ከምኡውን "ውግእ ስዕረት እዩ" እንክብሉ ምሕጽንታ ኣቕረቡ። ኣስዒቦም ድማ እቲ ብፁዕ ፖፒዩኡስኮ ዝሃቦ ምስክርነት "ብመንፈስ ሓቅን ሰብኣዊ ኽብርን መንፈስ ሓድነት ኣብ ምህናጽ ይድግፈኩም" ብምባል ውን ኣዘኻከሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ቃል ምሕጽንታ ምእመናን ነታ ብዓመጻን ውግእን እትዓኑ ዘላ ዓለም ንኽሓስብዋን ምእንቲ ሰላም ክጽልዩን ክተቓለሱን ተላበውዎም። ሎሚ ረቡዕ ዕለት 16 ጥቅምቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እተኻየደ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ መደምደምታ ኣስተምህሮም ካብቲ ብጽሑፍ ዘሰናደውዎ መልእኽትታቶም ውጽእ ብምባል ሰላምታ ድሕቲ ምቕራብ ነቶም ብውግእን ዓመጻን እተተንከፉ ኸባቢታት ክንዝክሮም ተማሕጸኑ ።

"ነተን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት ኣይንረስዓየን። ነተን በጃ ዝኾና ዘለዋ ሃገራት ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ምያንማር ኣይንረስዓያን" ክብሉ ኣባታዊ ለበዋኦም ኣመሓላለፉ።

ውግእ ስዕረት እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ቃል ምሕጽንታ "ኵሉ ሳዕ ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ" እንክብሉ ነቲ ወትሩ ዝደጋግምዎ ቃላቶም ዘከርዎ። ወሲኾም ድማ "ነዚ ኣይንረስዓዮ ሰላም ክሰፍን ውን ንጸሊ" በሉ። "ምእንቲ ንሰላም ውን ንቃለስ!"

ዝኽሪ ብፁዕ ፖፒዩኡስኮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንተዛረብቲ ቋንቋ ፖላድ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1984 ኣብ ፖላንድ ዴሳዊ ሥርዓት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሰማእት ዝኾነ ካህን ብፁዕ የርዚ ፓፒዩኡስኮ፣ ንዝኽሪ መበል 40 ዓመት ሰማዕትነቱ ኣብ ሮማ እተገብረ ዋዕላ ምኽንያት ብምግባር ዝሃቦ ምስክርነት ውን ዘከሩ።

እዚ ንእከይ ብሰናይ ክንሰግሮ ዝመሃረና ብፁእ ብመንፈስ ሓቂ ሓድነት ከም ዚህልወናን ንሰብኣዊ ክብሪ ኣኽብሮት ከም ንኽእልወናን ኣብነት ይኾነና።

ብፁዕ የርዚ ፓፒዩኡስኮ
ብፁዕ የርዚ ፓፒዩኡስኮ

ሰላምታ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ተሳተፍቲ ዓለም ለኻኢ ዋዕላ ረድዮ ማሪያ ሰላምታ ኣቕረቡሎም "ንህይወት ቤተ-ክርስትያን ዘቃልሕ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ሕውነትን ሓድነትን ከቃልሑ" ድማ ተማሕጸንዎም። ኣስዒቦም ድማ ጽባሕ ዕለት 17 ጥቅምቲ ክብረ በዓል ናይቲ ኣብ ኣንጾክያ ዝዝከር ቅዱስ ኣግናጢዮስ "ንክርስቶስ ኣጸቢቑ ዘፍቅር ካህንን ጓሳ ነፍሳትን" ክብሉ ኣዘኻኸሩ።

ኣብነቱ ንኹልና ክርስቲያን ብምዃን ዚርከብ ሓጐስ እንደገና ንኸነስተውዕሎ ይሕግዘና እንክብሉ ቃል ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

16 October 2024, 12:58