ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምድብዳብ ሊባኖስ፡ ኩሉ ዘይተመጣጠነ ምክልኻል ስነ-ምግባራዊ ኣይኮነን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 29 መስከረም ኣብ ሉሰምበርግን በልጂየምን ዘካየድው መበል 46 ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወክፍ ሓዋርያዊ ዑደት ዝገብርዎ ኣብ ምምላሶን ነቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ዘሰንይዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእከናት ሓበሬታ ነቲ ልሙድ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም፥
ማተዮ ብሩኒ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ነቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሰናይ ምሸት ንኹሉኹም። የቐንየልና ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሓጺር ግን ከኣ ኣዝዩ ጽዑቕ ጉዕዞ ንዝውፍየልና ግዜ። ምናልባት ቅድሚ ብሕቶ ጋዜጠይናታት ምጅማርና ትብልዎ እንተለኩም . . .
ፍራንቸስኮ፡ ሰናይ ንግሆ . . . ንሕቶታትኩም ድማ ድሉው እየ።
ማይክል መርተን (ሉክሰምበርገር ወርት)
ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ መበል 46 ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ወጻኢ ሉሰምበርግ ቀዳመይቲ ሃገር እያ . . . ብዛዕባ ሉሰምበርግ ዘለኩም ጦብላሕታን ዝገረመኩም ነገር እንተሃልዩን ክሓተኩም እፈቱ።
. . . ሉክሰምበርግ ከም ሰናይ ሚዛናዊ ሕብረተሰብ፡ ጽቡቕ ተገይሩ ዝተሓሰበ ሕግታት፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለየ ባህሊ ዘለዎ ሕብረተሰብ እትሓቝፍ እያ፡ እዚ ብሓቂ መሲጡኒ እዩ። ምኽንያቱ ይፈልጦ ኣይነበርኩን . . .
ብኣንጻሩ ቤልጅየም፡ ዝያዳ እየ ዝፈልጣ ነይረ፡ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖ ቅድሚ ምሕራየይ ብዙሕ ግዜ ስለ ዝኸድኩ። ሉሰምበርግ ግን ብሰንኪ ሚዛናዊ ኩነታታን እንግዶታን ብሓቂ እየ ተመሲጠ፡ ምናልባት ሉሰምበርግ ንኤውሮጳ ከተቕርቦ እትኽእል መልእኽቲ እዚ ክኸውን ይኽል ዝብል እምነት ኣሎኒ . . .
ቫለሪ ዱፖንት (ቤልጅየማዊት ተጠቃሚት ቋንቋ ፈረንሳ መንግስታዊት ቲቪ)
ቅዱስ ኣቦና ስለ ምህላውኩም የቐንየልና። . . . ኣብ መቓብር ንጉስ ባልድዊን ምብጻሕ ኣካይድኩም ኣብኡ ዝበልክምዎ ኣብ ቤልጅየም ገለ ምግራም ፈጢሩ ኣሎ . . .
ምግራም ናይ መጀመርታ ፍልስፍና ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ፡ ጸገም የብሉን ምስ በሉ እታ ጋዜጠይና ኣስዒባ
ምናልባት። እቲ ዝበልክምዎ ገሊኦም ኣብ ዲሞክራስያዊ ህይወት ቤልጅየም ከም ፖለቲካዊ እደ እታውነት ገይሮም ዝረኣይዎ ኣለዉ። መስርሕ ብጽዕና ንጉስ ምስ መርገጺታቱ ዝተኣሳሰር እዩ። ከምኡ’ውን መሰል ህይወትን ምክልኻል ህይወትን ምስቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ስቓይ ኪነብራ ዘለወን መሰል ከመይ ገርና ከነተዓርቖ ንኽእል”
ብዛዕባ ሕይወት ኵሉ ኢና ንዛረብ ዘሎና . . . እቲ ንጉስ ናይ ሞት ሕጊ ምስ ኣጋጠሞ ነቲ ሕጊ ስለ ዘይፈረሞ ተባዕ እዩ ነይሩ። . . . ነዚ ንምግባር ሓደ "ናይ ሓቂ" ፖለቲከይና ምዃን ይሓትት። ትብዓት ይሓትት። ብዛዕባ እዚ እውን መልእኽቲ ሂቡ እዩ፡ ቅዱስ ስለ ዝነበረ ኸኣ እዩ ኸምኡ ዝገበረ። ንሱ ቕዱስ እዩ ከምዚ ምዃኑ እውን እዚ ኹሉ መርትዖ ስለ ዝሃበኒ መስርሕ ብጽዕናኡ ክጅመር ዝሓተትኩ።
ደቅኣንስትዮ ኣብ ህይወተንን ኣብ ህይወት ደቀን መሰል ኣለወን። ምንጻል ጥንሲ ግን ቕትለት ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ስነ ፍልጠት ከም ዚሕብሮ ዝተጠንሰ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ኵሉ ኽፍሊ ኣካላት ድሮ ኣሎ። ስለዚ ምንጻል ጥንሲ ሰብ ምቕታል እዩ። እቶም ኣብዚ ዚሳተፉ ሓኻይም ከኣ ቀተልቲ እዮም። ቀተልቲ እዮም። እዚ ዘከራኽር ኣይኰነን። . . . ደቂ ኣስንትዮ ድማ ንህይወት ናይ ምዕቋብ መሰል ኣለወን ።
ካልእ ጕዳይ ከኣ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ እዩ፣ እዚ ኻልእ ጕዳይ እዩ። ከነደናግሮ የብልናን። ሕጂ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። እዚ ኸኣ ዘከራኽር ኣይኰነን። . . .
ኣንድርያ ቭሪደ
ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ናብ በልጅዩም ዝገበርክምዎ ምብጻሕ ምስቶም ግዳያት ጾታዊ ማህሰይቲ ዝዀኑ ጕጅለ ንነዊሕ እዋን ተራኺብኩም ኢኹም። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጸብጻባት ኣሰራርሓታት ግልጽነት ድማ ብዘይምህላዉ መዓጹ ስለ ዝዕጸዎም ሰማዒ ስለ ዝሰኣኑን ስነ - ስርዓት ዝመልኦ ስጕምትታት ብምድንጓዩ ብዛዕባ እቲ ሎሚ እተዛረብክምዎ ገበናት ምኽዋል ዝብል ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዝወረደ መጉዳእቲ ካሕሳ ብዘይ ምርካቦም ናይ ተስፋ ምቝራጽ ንብዓቶም ይርአ። ኣብ መወዳእታ እዚ ኵነታት ዚቕየር ብኣካል ኬዘራርቡኹም ምስ ዚኽእሉ ጥራይ እዩ። ኣብ ብራስልስ እውን እቶም ግዳያት ተኸታታሊ ሕቶታት ኣቕሪቦም እዮም። ነዚ ሕቶታት እዚ ብኸመይ ክትፍጽምዎ ትሓስቡ? ምናልባት እውን ከምቲ ገሊኦም ኣቡናት ዝሓተትዎ ኣብ ቫቲካን ብርእሱ ዚመሓደር ክፍሊ ምቛም ነዚ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝወረደ መዓት ብዝሓሸ መገዲ ንምፍታሕን እቶም ምእመናን ዝነበሮም ምትእምማን ንምምላስንዶ ኣይምሓሸን?
የቕንየለይ። ኣብታ ናይ መወዳእታ ነጥቢ . . . ኣብ ቫቲካን ነዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ክፍሊ ኣሎ እወ። መሓውር ኣሎ፤ ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ (ጸሓፊ) ንጉዳያት ግህሰት ዝምልከት ኮሎምብያዊ ጳጳስ እዩ። ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ኣሎ፡ ብካርዲናል ኦ’ማሊ ዝምራሕ። ይሰርሕ እዩ! ኩሉ ጉዳያት ኣብ ቫቲካን ተቐቢሉ ይዝተየሉ። ኣብ ቫቲካን እውን እንተኾነ ዝተበደሉ ሰባት ተቐቢለ እየ፣ ንቕድሚት ክስጉም ድማ ሓይሊ እህብ። እዚ ቀዳማይ ነጥቢ እዩ።
ካልኣይ ግፍዒ ዝበጽሖም ሰባት ሰሚዐዮም እየ። ክስምዑ ግቡእ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ገሊኦም ከምዚ ይብሉ: እቲ ኣሃዛዊ ጭብጥታት ከምዘመልክቶ 40 – 42 - 46% ካብቶም በደላት ኣብ ስድራቤትን ኣብ ከባቢኦምን እዩ ዝፍጸም፤ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ድማ 3% ዝሽፍን እዩ። ብዛዕባ’ዚ ቁጽሪ ኣይግድሰንን’ዩ፤ እነ እቲ ዘተኩረሉ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን እዩ . . . ከቢድ ጉዳይ ድማ እዩ!
ንዝተበደሉ ሰባት ናይ ምሕጋዝን ምእላይን ሓላፍነት ይስከም። ገሊኦም ስነ - ኣእምሮኣዊ ሕክምና የድልዮም፤ በዚ ክንሕግዞም ኣሎና። ኣብ በርገሳዊ ሕጊ እውን ብዛዕባ ካሕሳ ይዝረብ እዩ። ኣብ በርገሳዊ ሕጊ ኣብ ቤልጅየም 50 ሽሕ ዩሮ ዝብል ይመስለኒ፤ እዚ ኣዝዩ ትሑት እዩ። ሓጋዚ ኣይኮነን። እቲ መጠን ገንዘብ ከምኡ እዩ ዝመስለኒ ግን ርግጸይና ኣይኮንኩን።
ንዝተበደሉ ሰባት ክንከናኸኖምን ነቶም ዝበደሉ ሰባት ግቡእ ፍርዶም ክረኽቡ ይግባእ፣ ምኽንያቱ ግህሰት ምናልባት ጽባሕ ዘይህሉ ናይ ሎሚ ሓጢኣት ኣይኮነን። . . . ናይ ስነ - ኣእምሮ ሕማም እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሕክምና ክንህቦምን ክንከታተሎምን ኣሎና።
ንሓደ በዳሊ ንቡር ህይወት ክነብር ነጻ ክትገድፎ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ኣብ ሰበኻታትን ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ዘለዎም ሓላፍነት ክሕደጉ ግቡእ ኣይኮነን። ገለ ጳጳሳት ንገለ ግህሰት ዝፍጸሙ ካህናት እቲ ገበኖምን ተሓታትነቶም ከም ዘሎ ኮይኑ ስራሕ ሂቦም፣ ድሕሪ ዝተቐበልዎ ናይ መቕጻዕቲ ፍርዲ ድማ ንኣብነት ምስ ሕጻናት ርክብ ክህልዎም ኣብ ዘየኽእል ከም ኣብ ቤተ መዝገብ ዝኣመሰሉ ቦታታት ናይ ስራሕ ዕድል ሂቦም እዮም፡ በዚ ግን ንቕድሚት ክንስጉም ኣሎና። ንጳጳሳት ቤልጅየም ከይፈርሑን ንቕድሚት ክትጽዕሩን ንቕድሚት ንኺድ ኢለዮም እየ። እቲ ነውሪ ነቲ ገበንን ገበነይናን ምሽፋን እዩ፤ እዚ ብሓቂ ነውርን ጽዩፍን እዩ።
ኮርትኒ ዋልሽ (ቲቪ ኣሜሪካ)
ስለቲ ግዜኹም ብጣዕሚ ነመስግን። ሎሚ ንግሆ ናስራላሕ ንምቕታል 900 ኪሎ ዝምዘን ቦምባታት ከምዝዘነበ ኣንቢብና ኣለና። ልዕሊ ሽሕ ኣመዛቢሉን ብዙሓት እውን ተቐቲሎም። እስራኤል ምናልባት ምስ ሊባኖስን ቓዛን ኣዚያ ናብ ከቢድ ኩነታት ዝኣተወት ዶ ይመስለኩም? እዚኸ ብኸመይ ክፍታሕ ይኽእል፧ ነዞም ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ዘለኩም መልእኽቲ?
መዓልታዊ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ቓዛ እድውል እየ። ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ-ክርስትያንን ቤት ትምህርትን ልዕሊ 600 ሰባት ኣለዉ ብዛዕባ እቲ ዚፍጸም ዘሎ ነገራት እንኮላይ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዚፍጸም ዘሎ ጭካነ ይነግሩኒ እዮም። እቲ እትነግሩኒ ዘለኹም ነገራት ብኸመይ ከም ዝመጸ ኣይርድኣንን እዩ (ኤድ)፣ እቲ መከላኸሊ ግና ወትሩ ምስቲ መጥቃዕቲ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ።
መጠኑ ዝሓለፈ ነገር ምስ ዝህሉ ካብ ስነ - ምግባር ንላዕሊ ዝዀነ ውልቀ - ምልካዊ ዝንባለ ብንጹር ይርአ ይኸውን። ሓንቲ ብናይ ገዛእ ርእሳ ብርታዐ ነዚ ነገራት እዚ እትገብር ሃገር ብዛዕባ ዝዀነት ትኹን ሃገር እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡ ነዚ ነገራት እዚ ብኸምዚ ዝኣመሰለ "ብዝለዓለ" መገዲ እትገብሮ እዚ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት እዩ።
ኣብ ውግእ እውን ከይተረፈ ክንሕልዎ ዝግብኣና ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት ኣሎ ። ውግእ ዘይስነ-ምግባራዊ እኳ እንተ ዀነ ሕግታት ውግእ ግን እተወሰነ ስነ-ምግባር ዝምልከት እዩ። እዚ ኣኽብሮት ምስ ዘይግበረሉ ግን ከምቲ ኣብ ኣርጀንቲና እንብሎ "ሕማቕ ደም" ናይዚ ነገራት እዚ ኢዩ ዝርአ።
ቅዱስ ኣቦና የቐንየልና። ትማሊ ድሕሪ እቲ ኣብ መንበረ ጥበብ ካቶሊክ ለቨን እተገብረ ኣኼባ "እቲ መንበረ ጥበብ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለወን ግደ ዝገለጽዎ ዓቃባውያን ኣቕዋም የጕህዮ እዩ" ዚብል መግለጺ ወጺኡ ኣሎ። ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ኣደ ምፍራይ ከምኡውን ክንክን ጥራይ ምዝራብ ቀያዲ ኸም ዝዀነ አረ ናይ ደቂ ተባዕትዮ እውን ግደ ስለ ዝዀነ እዚ ኣድልዎ ዝመልኦ ኢዩ ይብሉ። ምስዚ ብእተተሓሓዘ ኸኣ ክልቲኡ መንበረ ጥበብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ማዕርገ ክህነት ዝምልከት እውን ሕቶ ኣበገሲ ኣሎ!
ቀዳማይ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብቲ ዝዛረበሉ ዝነበርኩ እዋን እዩ ወጺኡ ። ኣቐዲሙ ዝተጻሕፈ እዩ፡ እዚ ኸኣ ስነ-ምግባራዊ ኣይኰነን።
ብዛዕባ ደቂኣንስትዮ ብዝምልከት ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ ኽብረት ደቂ ኣንስትዮ እየ ዝዛረብ፡ . . . ቤተ ክርስትያን እንስት እያ፣ መርዓት ኢየሱስ እያ። ንቤተ - ክርስትያን ከም ተባዕትዮ ምግባር ንደቂ ኣንስትዮ ተባዕትዮ ምግባር ሰብኣውን ክርስትናውን ኣይኰኑን። ጓል ኣንስተይቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ብርታዐ ኣለዋ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ቤተ ክርስትያን እንስት ስለ ዝዀነት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ኣገዳስነት ከም ዘለወን እየ ዝዛረብ፡ ቤተ-ክርስትያን መርዓት ኢየሱስ እያ። . . .
እታ ሰበይቲ ምስቲ ሰብኣይ ማዕረ እያ። ንኣገልግሎት ብዚምልከት ምስጢር ሰበይቲ ኻብ ኣገልግሎት ዚዓቢ እዩ ። ሓደ ብዛዕባ እዚ መጽናዕቲ ዝገበረ ዓብዪ ናይ ሃይማኖት ምሁር ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ኣገልግሎት ጴጥሮስ ወይ ማርያማዊ ኣገልግሎትን ቢሉ ዝገልጽ። ማርያማዊ ኣገልግሎት ንኻልኦት ዚትንክፍ ኣገልግሎት ሓድነት ስለ ዝዀነ ዝዓበየ እዩ፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ናይ ጉስነት ኣገልግሎት ኢዩ ።
ናይ ቤተ - ክርስትያን ኣደኣዊ ባህርይ ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ኢዩ ። ኣገልግሎት ነቶም እሙናት ወትሩ ምስ ኣዴና ንምስምማዕ ተባሂሉ ዚግበር ኣዝዩ ንእሽቶ ኣገልግሎት እዩ። እተፈላለዩ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ነዚ ኣጽኒዖምዎ ኢዮም እዚ ኸኣ ናይ ሓቂ ነገር ኢዩ ይብሉ፣ ናይ ሓቂ ደኣ እምበር ዘመናዊ ኣይኰንኩን ዝብል ዘለኹ፣ ግዜኡ ዝሓለፎ ኣይኰነን።
እተጋነነ እንስትነት ኣይዓዪን እዩ ምኽንያቱ ብድዓ ስለ ዝኸውን።. . . እታ ጓል ኣንስተይቲ ቤተ-ክርስትያን ካብ ኣገልግሎት ካህናት እትዓቢ እያ። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን።
ስለቲ ሕቶኻ ግን አመስግነካ ። ስለቲ ጕዕዞኹምን ስለቲ ዝገበርኩምዎ ዕዮን ድማ ነመስግነኩም። . . . አመስግነኩም። ምእንታኹም እጽሊ፡ . . . ምእንታይ ጸልዩ!
(ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ደሴታት ካናሪ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ሓምሳ ሰባት ዘጋጠሞም ዘሕዝን ፍጻመ ከምዝዘከሩን) . . . ብዛዕባ እቶም ኣብ ደሴታት ካናሪ ዝጠፍኡ ሰባት ክሰምዕ ከለኹ ብዙሕ እዩ ጐዲኡኒ ። ሎሚ ብዙሓት ስደተይናታት ናጽነት ደልዮም ኣብ ባሕሪ ወይ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ፋሕ ይብሉ ኣለዉ፡ . . . እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።