ፍራንቸስኮ ኣብ ቫቲካን ንልኡኽ ኣብርሃማዊ ስድራ ቤት ተቐቢሎም ፍራንቸስኮ ኣብ ቫቲካን ንልኡኽ ኣብርሃማዊ ስድራ ቤት ተቐቢሎም  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ፍራንቸስኮ ኣብ ቫቲካን ንልኡኽ ኣብርሃማዊ ስድራ ቤት ተቐቢሎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ጥቅምቲ ናይ ኣብርሃማዊ ስድራ ቤት ጉጅለ ልኡካን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኣብ ጐደና ሰብኣዊ ሕውነት ብሓባር ክጓዓዙ ኣተባቢዖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ንጉጅለ ስድራ ቤተ ኣብርሃማዊ  ኣባላት ተቐቢሎም፥ እቲ ባይቶ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢማራት ዓረብ ኣቡዳቢ፡ ምኩራብ፡ ቤተክርስትያንን መስጊድን ዘጠቓለለ ናይ ሰለስቲኤን ኣብርሃማውያን ስድራ ቤት - ዝውክል ኮይኑ፥ እዚ ኣብ መጀመርታ 2023 ዓ.ም. ብወግዒ ተመሪቑ ዝተበገሰ ፍሉይ መሓውር፡ ኣብቲ ኣብ ታሪኻዊ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ንዓለም ሰላምን ሓባራዊ ሕይወትን ዝብል ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝተኸተመ ሰነድ ካብ ሃይማኖታዊ ሓባራዊ ህይወት ዝነቕል ስኒት ዝዓሰሎ መጻኢ ንምንባር ባይታ ንምፍጣር ዝዓዪ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ስድራ ቤተ ኣብርሃም ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ብመሓመድ ከሊፋ ኣል ሙባረክ ኣቦ መንበርነት ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ተቐቢሎም ኣብቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ልኡካን ወኪሎም ዝተረኽቡ ኣካላት ኣብ ዘረኽብሉ ርክብ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን “ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት” ቅዱስነቶምን ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ዶክተር ኣልጣይብ ብሓባር ዝኸተምዎ ሰነድ ኣብ ምግሃድ ንዝገበርዎ ጻዕሪ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብርሃማዊ ስድራ ቤት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ዝበጽሑ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብርሃማዊ ስድራ ቤት ኣብ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ዝተዘርዘሩ መትከላት ፍርያም ኣብ ምግባር ዝዓዪ ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፥ እቲ ኣብርሃማዊ ቤት ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ባህላዊ ዞባ ሳዓድያት ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዘተን እምነትን ከም ዝኾነን፡ ሰለስተ ናይ ኣምልኾ ኣባይቲ፥ መስጊድ ኣሕመድ ኣልጠይብ፣ ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝተወፈየት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቅዱስ ፍራንቸስኮን ምኩራብ ሙሴ ቤን ማይሞንን ዝሓዘ ከም ዝኾነን ዘዘካኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እታ ቤተ - ክርስትያን ኣብ 2023 ዓ.ም. ካብ እትምረቕ ኣትሒዛ 130,000 መደባት ስርዓተ ኣምልኾን ጸሎትን ከም ዘአንገደትን ልዕሊ 100 ዚኸውን ፍጻመታት እውን ከም ዘዳለወትን፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ስነ - ስርዓት ቅዳሴን ምስጢረ ተክሊልን ጥምቀት ዝኣመሰሉ ሊጡርጊያዊ ፍጻሜታት እውን ዘአንገደት ምዃና ገሊጹ፥ ካብዚ ሓሊፉ እቲ ልኡኽ ኣብ ውሽጢ ቤት ኣብርሃማዊ ስድራ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ከም ኣብነት ብምጥቓስ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወትን ንምስጓም ዘለዎም ተወፋይነት ኣድናቖቶም ከም ዝገለጹ የመላኽት።

ሰብኣዊ ሕውነት

እቲ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ዓል ኣዝሃር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕመድ ኣል - ጣይብን ኣብ ኣቡዳቢ ብሓባር ዝኸተምዎ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ማእከል ገይሩ ዝቖመ ሽማግለ ኣብርሃማዊ ስድራ ቤት ልኡካን ዕለት 20 ጥቅምቲ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን እታ ቅዱስነቶም ብሓባር ምስ ዓቢይ መምህር መንበረ ጥበብ ኣል ኣዝሓር ዝኸተውሞ ሰነድ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ስዒቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Fratelli tutti – ኣሃው ኩልነ ብዝብል ኣርእስቲ ብዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣቢሎም ኣብ መንጎ ኩሉ ህዝቢ ሰላምን ምክብባርን ክህሉ ጻውዒት ብምቕራብ ኩለን እምነታት ዘተን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕብባርን ክኽተላ ድማ ከም ዘተባብዑ የመላኽት።

30 October 2024, 17:16