ር.ሊ.ጳ. ማእከልን ወሰናስንን ብዝበለጸ ንምውህሃድ ንሃገረ ስብከት ሮማ ዳግማይ ይውድቡ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 1 ጥቅምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ስብከት ሮማ ዝርከቡ ዶባት ሰበኻታት ዳግማይ ንምውዳብ ብዝለዎም ፍሉይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን ሓድሽ ውሳኔ ከም ዝኸተሙን እዚ ድማ ሰበኻታት ምስ ከባቢአይ ብዝበለጸ ክሰማምዓ ዝድርኽ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
እተን ዘለዋ ሓሙሽተ ማእከላይ ሰበኻታት ምስቶም ካልኦት ጽላታት ብምውህሃድ፡ ንሃገረ ስብከት ብኣርባዕተ ቀንዲ ኣንፈታት ዳግማይ ክውደባ ምዃነን የመላኽት።
ዝዓበየ ዓቕለሲያዊ ሕብረት ንምዕባይ
ቅዱስነቶም ኣብቲ ሰነድ፡ ናይ 2025 ዓ.ም. እቲ ተስፋ ብዝብል መርሕ ቃል ዝጽምበል ዓመት ኢዮቤል እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ኣዋን፡ ናይ ጉስነት ተራ ሃገረ ስብከት ሮማ ዳግማይ ምግምጋም "ኣድላዪን ህጹጽን" ኮይኑ ከምዘሎ ኣረዲኦም። እዚ ዳግመ - ገምጋም እዚ፡ በቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ባህላዊ ለውጥን ኣብ መንጎ ማእከል ከተማን ወሰናስን ዝያዳ ንጡፍ ዝምድና ምፍጣርን ዝድረኽ ምዃኑ ኣመልኪቶም፥ እዚ ንምትግባሩ ሓያሎ ኣዋርሕ ዝወስድ ለውጢ "ዝዓበየ መንፈስ ዓቅለሲያዊ ሕብረት" ንምድንፋዕ ዝዓለመ ምዃኑ የብርሁ።
ማእከልን ወሰንን
እቲ ሰነድ ዕብየት ዝርጋሔ ከተማታት ሮማ በብቑሩብ ኣብ መንጎ ማእከል ከተማን ወሰናስን ከተማኣን ከመይ ዝፍጠር ዘሎ ምፍልላይን ኩለ መደያዊ ምርሕሓቕን ጠቒሶም፥ እቲ ታሪኻዊ ማእከል፡ "ካብ ህያው መግለጺ ኩሉ ቅድስና ሮማ ንላዕሊ፡ መዳረጊ በጻሕቲ ክኸውን ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ እናተነጸለ ከም ዝመጸ ትዕዝብቶም ኣስፊሮም፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቶም ወሰናስን መብዛሕትኡ ግዜ ብሰበ ስልጣን ከባቢ ሸለል ተባሂሎም ስለዝጸንሑ፡ ትሑት ኣገልግሎት ከም ዝረኽቡ ይረኣዩ።
ብሓደ ወገን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ እቲ ማእከል ብቐንዱ ብተጓዓዝቲ፣ በጻሕትን ነጋዶን ዝነብሩሉ መንበሪ ዝኾነ ስደት የጋጥሞ ከምዘሎ፣ ዋላ እኳ ሕጂ’ውን ገለ እወታዊ መዳያት እንተዓቀበ ናይ ጉስነታዊ ንጥፈታቱ እናነከየ ከምዝመጸ ድማ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ብኻልእ ወገን ድማ እቶም ወሰናስን ኣብተን ከም ኣገደስቲ ማሕበረሰባዊ ማእከላት ዘገልግላ ሰበኻታተን ጽኑዕን ኣገዳስን መሰረት ከም ዝረኸባ ር.ሊ.ጳ. ወሲኾም ይገልጹ።
"እዚ ዓቕሚ እዚ ንነዊሕ እዋን ዝተታኸሰ ኮይኑ፡ ሕጂ ድማ ዳግማይ ክሕሰብን ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ኣምላኽ ክቐርብን ኣለዎ" እንክብሉ የተሓሳስቡ።
መሰናኽላት ምውጋድ፦ ኣብ ክንዲ መንደቕ ድልድል ምህናጽ
እቲ ሰነድ ቀጺሉ "ኣብዚ ራእይ እዚ፡ ድሕሪ ደጊም ዝተነጸለ ማእከልን ዝተበታተነ ወሰንን ዘይኮነስ፡ መንደቕ ዘይኮነስ ድልድል ናይ ዝጠልብ ምንቅስቓስ ኣረኣእያ እዩ ዘሎ" . . . ሃገረ ስብከት ሮማ ብኣርባዕተ ቀንዲ ኣንፈታት ኣቢሉ ንደገ ዝስፍሕ ሓደ ማእከላይ ኣካል ኮይኑ ክረአ እዩ።" ምእላይ ዶባት ማእከላይ ጽላት "ምዕጻው ማለት ዘይኮነስ ምኽፋት ማለት እዩ" እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. የነጽሩ።
እቲ ዕላማ "ኣብ ውሽጢ ቤት ምኽሪ መንበረ ጵጵስና ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝበለ መፍትሓዊ ከባቢ እታ ከተማ ዝያዳ ናይ ምትሕብባርን ሓድነት ዕላማን" ንምትብባዕ እዩ፡ እቲ ተስፋ ወሲኹ፡ ነቲ ምስ ግዜ ኣብ መንጎ ማሕበራውን ቤተ ክርስቲያናውን ኣረኣእያታት ናይቲ ታሪኻዊ ማእከልን ወሰንን ዝማዕበለ "ክሌአ - ውልትውናዊ ወጥሪ" ንምብዳህ እዩ።
ህርመት ጉስነት ምስ ድሌት ምእመናን ምትዕርራይ
እቲ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን ኣቢሎም ዝደንገዎ ውሳኔ ኣብ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ተዘርዚሩ ብዘሎ ኣርባዕተ መትከላት ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተደገፈ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት ደጊሞም ዝገለጽዎ እውን ኮይኑ፡ ንኣብነት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሓዊሱ።
"ጓሶት ኣብ ዘመንና ዝመጽእ ዘሎ ለውጢ ኣብ ምስጢራውን ጓሳውን ህርመት’ውን ምትዕርራይ ከምዘድልዮ እንተዘይተገንዚቦም፡ ንጽግያት ሓደጋ እዩ ዝኸውን ማለት ምኽነት እዩ ዘስዕብ" እንክብሉ ቅዱሰንቶም የጠንቅቑ።
ኣብ ውሽጢ ፍሉያት ሰበኻታት ህርመት ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ህይወት ስድራቤታት ብዝበለጸ ዝሰማማዕ መደባት ምትዕርራይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፥ ማእከላይ ጽላት ምስቶም ካልኦት ምውህሃድ ማለት እውን እዞም ከባቢታት ኣብቲ ሃብታም ክርስትያናዊ ውርሻ ሮማ ከምዝሳተፉ ምርግጋጽ ማለት እዩ። ብተግባር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኣብ ታሪኻዊ ቦታታት ኣኼባታትን ጽምብላትን ጽላታት ምትእኽኻባትን ክካየድ ዘኽእል ኮይኑ፡ ዓሚቝ ሱር መንነት ሮማ ካቶሊካውነት ናብ ቅድሚት ከምጽእ እዩ።
ኪኖ ቁጽሪ፡ ዕምቆት መንፈሳዊ ተመክሮ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ዘስመሩሉ "ግዜ ካብ ቦታ ይዓቢ" ማለት ምድላው ኢዮቤል ኣብ ብዝሒ ነጋድያን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝዓሞቐ ስምዒት ታሪኽን ጽባቐን ሓድነትን ኣብ ምሕብሓብ ክኸውን ይግባእ።
"በሪ ኢዮቤል፡ ቅድሚ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ነጋዶት ንምቕባል ዕድል ምዃኑ ሮማውያን ባዕሎም ዝገብርዎ ንግደት ክኸውን ኣለዎ" ክብሉ ይምሕጸኑ።
ኣብነታት ናይ ከተማ ንግደት ኣቕሪቦም ድማ፣ ከም "ዘውዲ ማርያም" ወይ "ናብ ሸውዓተ ቤተ ክርስቲያን ሮማ ዝግበር ጉዕዞ" መንገዲ ቅዱስ ፊሊጶስ ነሪ ዝኽተል፣ ምብጻሕ ናብ ካታኮምበ - ትሕቲ መሬት ሮማ ዝርከብ ናይ ክርስቲያን ካብ ስደት መሕብእን መቓብርን ቤተ ጸሎትን፣ ናብ መካነ መቓብር ቬራኖ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝግበር ንግደት፣ ቅርዓት ዘስፓይና ንጽምብል. . . ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ዝግበር ንግደት፡ ኣብ ግዜ ልደት ኣብ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዝቐውም ናይ ልደት ዘእግዚኣነ መግለጺ ምስሊ - ኣብ መብዕሊ ማል ዝግበር፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ምዕራፋት ዓቢይ ጾም፡ ኣብ ግዜ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ቅዱስ መስቀል ዘኢየሩሳሌም ቤተ ክስቲያን ዝርከብ ናብ ቅድስ መደያይቦን ቅዱስ መስቀል ዘእግዚኣነ ዝግበር ንግደት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ወርሒ ግንቦትን ጥቅምትን ክርከቡ ዘለዎም ብዙሓት ቅዱሳት ማርያማዊ ስእልታት . . . ይዝርዝሩ።
"ንተቓላዕቲ ብዝሓለና መጠን ዝያዳ ጽቡቓት ንኸውን"
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ኣምር ጽባቐ እንከስተንትኑ ድማ "ጽባቐ ንዓለም ዘድሕን ቤተክርስትያን ጽባቐ ከተድሕን ምስ እትኽእል ጥራይ እያ" ብምባል ገሊጾም፥፡ ንጽባቐ ብስም ናይ ሓሶት ምዕባለ ወይ ናብ ሃለኽቲ ንብረት ብምውራድ ስነ - ሓሳባዊ ምትላል ከይግበር ኣጠንቂቖም . . . ናብ ኣደኣዊ ምሳሌ ምልስ ቢሎም፡ ታሪኻዊ ማእከላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሉእ ከተማ ሮማ፡ መግለጺ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓልዮት ኣደ ምዃኑ ገሊጾም።
"ተቓላዕነት ካልእ ኣቓልቦና ዝሓትት መግለጺ ጽባቐ እዩ" ቢሎም፥ "ንተቓላዕቲ ብዝሓለና መጠን፡ ዝያዳ ጽቡቓት ንኸውን።"
ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ነቶም ብሓቀይና ወንጌላዊ መንፈስ ተደሪኾም ንሮማ ብፍላይ ኣብታ ታሪኻዊ ማእከል ንዝርከቡ ጽጉማት ኣቃልቦ ገባሪት ከተማ ንዝገብሩ ብዙሓት ወለንተይናታትን ሰራሕተኛታትን ኣመስጊኖም።
ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ንምግልጋል ዝተወፈያ ዝተፈላለያ ትካላትን ሕውነትን ብምንኣድ፡ ሃገረ ስብከት ንጻዕርታቶም "ኣለልዩ ከስፍሕን ክድግፍን" የተባብዑ።
ኣብ ቤተ ክርስቲያን "እንዳነት" ኣንጻር ሕብረት ዝፍጸም ሓጢኣት እዩ
ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ንዝፍጠር ምፍልላይ ዝምልከት ጉዳይ ኣልዒሎም "ሎሚ ኣብ ክንዲ ሓድነት ሃገረ ስብከት ዘሐይል መብዛሕትኡ ግዜ ግጭት ዘዕብዩ ንኡሳን ባህልታት ምትእስሳር እንዳነት ምብዛሕ ትርጉም የብሉን" . . . ንሱ ድማ "ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ምምቕቓል ግዝኣታት ኣንዳነት ክህሉ ኣይክእልን" እንክብሉ ብኣጽነዕት ኣተሓሳሲቦም፥ ሰበኻታት ናብ ዝተነጸሉ ደቓቕቲ ቆዝሞሳት ምውራድ ወይ ማሕበረሰባት ከም ዝተፈላለዩ ንኡሳን ባህልታት ኮይኖም ክሰርሑ ምፍቃድ ኣንጻር ዓቕለሲያዊ ሓድነት ዝፍጸም ሓጢኣት እዩ። እዚ ነቶም ሓድነት ሃገረ ስብከት ካብ ምዕባይ ንላዕሊ ንፍልልያት ኣብ ምጉላሕ ዘለዎም ጸዓት ዘባኽኑ ዓቕለሲያውያን ምንቅስቓሳት እውን ይምልከት።
ሮማ "ኩሎም - ሮማውያንን ዘይሮማውያንን - ከም ነጋዲያን ተቐባል ዝግበረሎም 'ኣብ ቤቶም' ኮይኖም ክስምዖም እትገብር ሓንቲ ዓባይ ቤት እያ" እንክብሉ ኣስሚሮም፥ ጳጳስ ሮማ "ሲኖዳዊ ምንቅስቓስ" ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ሃገረ ስብከት ክሕቆፍን ክዓብን ብምምሕጻን ናይ ሓድነት መንፈስ ብምስፋሕን ነቲ "ናይ ምፍልላይን ግጭትን መናድቕ ንምህናጽ" ዝብል በሃራውነትን ርእሰ - ፍትወትን ድሌት ብምንጻግን፥ ቢሎም፥ ኣብ ክንድኡስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵሎም ብደረጃ ውልቀ - ሰብ ኰነ ብሓባር ናይ ክርስቶስን ቤተ-ክርስትያኑን ምእንቲ ክዀኑ "ሰበኻታትና ድልድላት ብምቛም ዓቕለሲያዊ ሕብረት ከሐይላ ኣለወን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።