ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላም ምእንቲ ነታ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘላ ዓለም ጸሎተ መቑጽሪያ መሪሖም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ልቢ እቶም ጽልእ ዘጎሃህር ይለወጥ ንሞት ዘመንጩ ድምጺ ኣጽዋር ይታዓበስ፡ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ዝድጎን ጽልን ዓመጽን ይጥፋእ፡ ኣብ ተግባር እቶም ኣህዛብ ዘመሓድሩ ድማ ንሰላም ዝኸውን ውጥናት ክህሉ”
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 6 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ምእንቲ ሰላም ብሓባር ምስቶም ኣብ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣሳቲፉ ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎት መቑጸርያ በማላድነት ቅድቲ ማርያም ምእንቲ ሰላም ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
‘ንብዓት ናይቶም ዝሓዝኑ ደተሓበስ’
ቅዱስነቶም ኣብ ፊት ጥንታዊ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ምንቲ ሰላም ኣብ ዘዕረገዎ ጸሎት፥ ኣብ ውግእ ናይ ዝነበሩ ህዝብታት ሓዘንን ተስፋን ኣብ ፊት እኖና ቅድስተ ማርያም ከም ዘቕረቡን፥ ማርያም ኣብ ምድራዊ ሕይወታ ናብቶም ዝሳቐዩ ዝነበሩ ሰባት ቀረባ ከም ዝነበረት ሎሚ እውን ከምኡ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ “የዕንትና ናባኺ ነልዕል፡ ገዛእ ርእስና ድማ ኣብ የዕንትኺ ነጥሕል ልባትና ድማ ንልብኺ ሓደራ ንህብ” እንክብሉ ጸልዮም፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ሰብኣውነት ኣብ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንውከል ዝጽውዓና ፍቕራዊ ኣጠማምታኣ ኣዝዩ ከምዘድልዮ የዘኻኽሩ።
“ኣብዚ ብበደል ዝተጸቕጠ ብውግኣት ዝዓነወ እዋን ንረድኤትና ቀረባ ኩኒ . . . ንብዓት ካብ ውጅሂ ናይቶም ዝፈትውዎም ሰባት ብምስኣኖም ዝሓዝኑ ሰባት ድረዚ፡ ካብቲ ንመንገድና ዘጸልመተ ምድንጋር ኣበራብርና፡ ልብና ድማ ካብ ኣጽዋር ዓመጽ ኣርሕቕዮ” እንክብሉ ጸልዮም . . . ናይ ሰላም ሓጐስን ናይ ሕውነት ስምዒትን” ስለ ዘጥፋእና ዓለምና ኣብ ሓደጋ ምህላዋ ስክፍታኦም ከም ዝገለጹን፥ ወዲ ሰብ “ንህይወት ብምኽባር ንውግእ ምንጻግ፡ ነቶም ዝሳቐዩን ንድኻታትን ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎምን ንሕሙማትን ንዝሳቐዩን ምሕላይን ናይ ሓባር ቤትና ምሕላውን” ክመሃር በማላድነት ማርያም ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መደምደምታ ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ሰላም ዘቕረብዎ ጸሎት
ኦ ማርያም ኣዴና ኣብ ቅድሜኺ ደጊምና ንመጽእ። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ልብና ዝኸበደ ሓዘንን ቃልስን ትፈልጥዮ ኢኺ። ንሕና ድማ ናባኺ የዕንትና ኣልዒልና ኣብ ኣዒንትኺ ነጥሕል፡ ልብና ንልብኺ ኣሕሊፍና ንህብ።
ንስኺ እውን ኣዴና! ከቢድ ፈተናን ሰብኣዊ ፍርሕን ኣጋጢሙኪ ተባዕ ድማ ነርኪ፡ ኩሉ ንእግዚኣብሔር ኣሕሊፍኪ ብምሃብ ብፍቕሪ መልሲ ሃብክሉ፡ ብዘይ ዕቃበ ገዛእ ርእስኺ ኣቕሪብኪ። ከም እታ ተባዕ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሓልዮት፡ ንኤልሳቤጥ ክትበጽሕያ ተሃዊክኪ ዝኸድኪ፡ ኣብ እዋን መርዓ ኣብ ቃና ዘገሊላ ንጠለባት እቶም መጻምድቲ ብቕልጡፍ ዝተመልከትኪ፤ ብጽንዓት ልቢ፡ ኣብ ቀራንዮ ንለይቲ ሓዘን ብተስፋ ፋሲካ ዘብራህኪ። ኣብ መወዳእታ ብኣደኣዊ ለውሃት ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ክፍሊ ፈሪሖም ተዓጽዮም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ትብዓት ሂብክዮም፡ ምስኦም ድማ ንህያብ መንፈስ ተቐቢልኪ።
ሕጂ ድማ ንልምነኪ ኣሎና: ኣውያትና ኣስተውዕሊ! ኣብ ወድኺ ኢየሱስ ክንውከል ዝዕድመና ፍቕራዊ ኣጠማምታኺ የድልየና እዩ። ንስኺ ንሓዘንና ክትሓቑፊ ድሉውቲ ዝኾኪ፡ ኣብዚ ብበደል ዝተጨፍለቐን ብውግእ ዝዓነወን እዋን ንረድኤትና ንዒ፡ ካብ ገጽ ናይቶም ብሞት ዝፈትውዎም ሰባት ዝሓዝኑ ንብዓት ደረዚ፡ ካብቲ ዝጸልመተ ምድንጋር ኣበራብርና። ምእንቲ “ኣስያፎም ናብ ማሕረሻ፣ ኲናቶም ድማ ናብ መንጠልጠሊ ምግራዝ ይወቕዑ። ሓደ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኪለብስን፡ ከም ብሓድሽውን ንውግእ ኣይኪለማመድን እዩ” (ኢሳ 2፡4)። ዝብል ቃል ትንቢት ኢሳይያስ ቀልጢፉ ክፍጸም፣ ንልብና ድማ ካብ ኣጽዋር ዓመጽ ናጻ ክንገብሮ፣
ኣደኣዊ ኣጠማምታኺ ናብታ ሓጎስ ሰላምን ስምዒት ሕውነትን ዝሰኣነ ሰብኣዊ ስድራቤት ኣቕንዒ። ንህይወት ኣኽቢሩ ንውግእ ክነጽግ፡ ነቶም ዝሳቐዩ፡ ንድኻታት፡ ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም፡ ንሕሙማትን ንዝሳቐዩን ክሓልይ፡ ናይ ሓባር ቤትና ምእንቲ ክሕሉን፡ ምእንቲ እታ ኣብ ሓደጋ ዘላ ዓለምና ኣማልዲ!
ንምሕረት እግዚኣብሔር ንጽውዕ ኣለና! ኦ ንግስቲ ሰላም! ልቢ እቶም ጽልኢ ዘጎሃህር ክልወጥ፡ ንሞት ዘመንጩ ድምጺ ኣጽዋር ክዕበስ፡ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ዝብልዕላዕ ዓመጽ ክጠፍ፡ ኣብ ተግባራት እቶም ኣህዛብ ዘመሓድሩ ውጥናት ሰላም ክህሉ ኣተባብዒ!
ኦ ንግስቲ ቅዱስ ሮዛሪየም ዕንክሊል ርእሰ ፍትወት ተፈቲሑ ጸሊም ደበና ክፍኣት ክእለ። ብለውሃትኪ ምልእና፣ ብሓላዪቲ ኣእዳውኪ ኣልዕለና፣ ኣደኣዊ ሕቚፎኺ ድማ ሃብና፣ እዚ ድማ ኣብ ምምጻእ ሓድሽ ሰብኣውነት ተስፋ ይህበና . . . “ምድሪ በዳ ኸም ፈራዪ ሽዕበት ኪኸውን፡ እቲ ፈራዪ ሽዕበት ድማ ከም ዱር ኺሰፍር፡ ፍትሒ ኣብ ፈራዪ ሽዕበት ኪነብር እዩ። ሽዑ ኣብ ምድሪ በዳ ቅንዕና ኺሰፍር፡ ፍትሒ እውን ኣብ ፈራዪ ሽዕበት ኪነብር እዩ። ግብሪ ፍትሒ ሰላም፡ ፍረ ፍትሒ ህድኣትን ደሓንን ንዘለኣለም ኪኸውን።
(ኢሳ 32፡ 15-17)።
ኦ ኣደ ድሕነት ሮማውያን ጸልዩልና!
እንክብሉ ምእንቲ ሰላም ዝመርሕዎ ጸሎት መቝጸርያ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።