2024.10.26 Sinodo dei Vescovi - XVII Congregazione Generale 2024.10.26 Sinodo dei Vescovi - XVII Congregazione Generale  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፦ ሰነድ ሲኖዶስ ናብ ሕዝቢ ኣምላኽ ዝቐርብ ህያብ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መዛመሚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መወዳእታ መደረ፣ ነቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ መፈጸምታ ሰነድ ከም "ሰለስተ ድርብ ህያብ" ገይሮም ኣቕረብዎ።

ኣባ ተወልደ መብርህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ኣብ እተገብረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ እቲ ድሕሪ ምስማዕን ምዝታይን ብዕለት 2 ጥቅምቲ ዝጀመረ ኣብ ካልኣይ ክፍል ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ንዝቐረበ ናይ መወዳእታ ሰነድ ንህዝቢ ኣምላኽ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ጽን ብምባል እተረኽፈ ፍረ ምዃኑ ኣጕልሑ። ናብ ሓንቲ ንወንጌል ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ ብዅሉ ተግባራትን ርክባትን እተመልክት "ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን" ዝመርሕ ሓባራዊ መገዲ ከም ዝገልጽ ድማ ኣመልከቱ።

እዚ ኣብ ሲኖዶስ እዚ እተገብረ መበል 16 ስሩዕ ጉባኤ ትማሊ ሰንበት ዕልት 27 ጥቅምቲ ብወግዒ ተዛዚሙ፣ ኣብቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ ዝምራሕ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ውን ተፈጺሙ ኣሎ ።

ሰለስተ ዕጽፊ ውህበት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ሰነድ እዚ ንቤተ-ክርስትያን መምርሒ ኸምኡ ውን ምልክት ሓድነትን ሓባራዊ ተልእኾን ኰይኑ ዘገልግል እተፈላለየ ስፍሓት ዘለዎ ህያብ ከም ዘለዎ ገይሮም ኢዮም ዝገለጽዎ።

ቀዳማይ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ነቲ ናይ ሲኖዶስ ጕዕዞ ኣብ ምቕራጽ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምጕላሕ ኣብ ጳጳሳት ከም ዝውከል ኣጕልሑ።

"ንዓይ ከም ጳጳስ ናይ ሰበኻ ሮማ መጠን ንቤተ-ክርስትያን ኣምላኽ ኣብ ሲኖዶስ ክእክባ ኸለኹ፣ ኵክኻትኩም ንስኹም ጳጳሳትን መሰኻኽርን ናይዚ ሲኖዶስ ኣብ ዝገብሮ ጕዕዞ ከም እተድልዩኒ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። አመስግነኩም ከአ!" በለኒ።

ቅዱስነቶም ንባዕሎም ከም ሰማዒ መጠን ዘለዎም ግደ ስለ እተገንዘቡ፣ ንገዛእ ርእሶምን ንነፍሲ ወከፍ ጳጳሳን "ኣቡን ሮማ..." ብምባል ኣዘኻኸርዎም፣ ነቲ ነፍሲ ነንመዓልቱ 'ንኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣጸናንዕ።' ንኣባጊዐይ መግብ።'" ንዝብል ቃል ንምፍጻም ጽን ምባል ክለማመድ ከም ዝለዎ ውን መዓዱ።

እዚ ናይ ምስማዕ ተግባር እዚ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ-ክርስትያን ስኒት ንምምዕባል ኣድላዪ ምዃኑ ገለጸ እዚ ኸኣ ቅዱስ ባሲልን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ዝሓለንዎ ሓድነት ኢዩ ዝነበረ ኢዩ።

ኣባላት ሲኖዶስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ኣባላት ሲኖዶስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ስኒት ምሕላው፣ ድርቅና ምውጋድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ቤተ ክርስትያን ነቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተገሊጹ ዘሎ ንቤተ ክርስትያን ከም ቅድስቲ ምስጢር ገይሩ ንዝገለጾ  ከተንጸባርቕ ከም ዘለዋ ኣጕልሑ። ኣስዒቦም ድማ "ንሳ ምልክት ናይቲ እቲ ድሮ ኣምላኽ ዘዳልዎ መኣዲን ሕጂ ዚጽበየና ዘሎን ኣምላኽና ምልክትን መሳርሒትን እያ" በሉ።

ጸጋ ኣምላኽ "ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቃላት ፍቕሪ ሕሹዅሹዅ ይብል" ውን በሉ። ንድምጺ እዚ ሕሹኽታ እዚ ኸይዕገት ኸተጕልሕ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እዩ ዝምርኰስ፣ መናድቕ ኣብ ክንዲ ምሕናጽ ማዕጾ ብምኽፋት እዩ ዘድሊ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንክፉትነን ትሕትናን ብምጽዋዕ "ኣእዳው እቲ መሓሪ ኣምላኽና ብምእሳር ነቲ መዝገብ ብምውናን ባዕልና 'ወሃብቲ ጸጋ' ኽንከውን የብልናን" ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብታ ንኣንበብታ "ነቓጻት" ከይኰኑ እተተባብዕ ማድሊን ደልብረል እትበሃል በዓልቲ መንፈሳዊ ራኢ ዝኾነት ንዝጸሓፈቶ ግጥሚ ብምጥቃስ ንገለ ኻብቲ ሓሳባታ ብዛዕባ "ጸሎት" ዝጸሕፈቶ ብምንባብ፣ ቤተ-ክርስትያን ንተልእኾኣ ብግህዶን ብሓጐስን ብምሕረት ኣምላኽን ክትፍጽም ዓደምዋ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ጉባኤ ሲኖዶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ጉባኤ ሲኖዶስ

ኣብዛ ዝዓነወት ዓለም ናይ ሰላም መሰኻኽር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብዛ ዝዓነወት ዓለም ከም ገባር ሰላም መጠን ዘለዋ ግደ ብምጕላሕ ከምዚ በሉ - "ኣብዚ ውግእ ዝመልኦ ግዜና ንፍልልያትና ብኸመይ ከም እንሰምዖ ብምምሃር እውን ከይተረፈ ናይ ሰላም መሰኻኽር ክንከውን ኣሎና” በሉ።

ነቶም ካብ ዞባት ዓመጻን ድኽነትን መከራን ዝመጹ ጳጳሳት ዘሕለፍዎ ዝለዉ እተፈላለየ ተመክሮታት ስለ እተገንዘቡ ንዅሎም ብምስማዕን ብምትዕራቕን ሰላም ክሃንጹ ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምቕጻል ነቲ ድሕሪ ሲኖዶስ ዝጽሕፍዎ ዝነበሩ ሓዋርያዊ ምዕዳን ክጽሕፉ ከም ዘይመረጸ ውን ኣመልከቱ፣ እንተዀነ ግን እዚ ሰነድ ሲኖዶስ ብኡንብኡ ናብ ኵሎም ሕዝቢ ኣምላኽ ክበጽሕ ምዃኑ ውን ገለጹ።

"እዚ ሰነድ ንተልእኾ ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ እተወሰነ ኣህጉራተንን ከባቢአንን መምርሒ ክኸውን ዝኽእል ኣዝዩ፣ ጭቡጥ ምልክታት ድሮ ኮይኑ ኣሎ" ብምባል እዚ ሓባራዊ ተመክሮ እዚ "ንህዝቢ ኣምላኽ ዘገልግል ቅኑዕ ስጕምቲ" ከም ዘነቓቕሕ ብተኣማንነት ገለጹ።

መንፈስ ዜስተንፍሰላ ቤተ-ክርስትያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ጉባኤ ኸም ዘዘኻኸርዎ እቲ መንፈስ ኣብ ኵሉ ባህልታትን ብድሆታትን ተስፋታትን እታ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ከም ዚህልዋ ዚገብር ሓይሊ እዩ፣ ነቲ ጉባኤ ድማ ስለቲ ዝገበርዎ ተሳትፎ ኣመስጊንዎም፣ ንዅሎም ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ከም ሓንቲ እትሰምዕን እትጽልን ብትሕትና እትዓዪን ቤተ-ክርስትያን መጠን ውህበት መንፈስ ናብ ዓለም ከብጽሑ ድማ ኣተባብዕዎም።

"መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ከም ናይ ምሕዳስ መስርሕ ጌርና ኽንርድኦ ዘድልየና ትምህርቲ ይጽውዓናን ይድግፈናን ኢዩ" በሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ እቲ ሲኖዳዊ ጕዕዞ "መወዳእታ ነጥቢ ዘይኰነስ ቀጻሊ መስርሕ ንምቕያር ኢዩ" በሉ።

ኣብ መደምደምታ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ደልብረል ዝበሎ ቃላት ብምጥቃስ "መንፈስ ዜስተንፍሰሉ ቦታታት ኣሎ እቲ ኣብ ኵሉ ቦታ ዜስተንፍ ግና ሓደ በይኑ ንሱ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ ዘሎ" ብምባል መደረኦም ዛዘሙ።

ኣብላት ሲኖስ ጳጳሳት አብ ጉባኤ
ኣብላት ሲኖስ ጳጳሳት አብ ጉባኤ
28 October 2024, 16:42