ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ህጻናትን ኣባይቲ ስድራን ናይ ኲናት ቀዳሞት ግዳያት እዮም” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ህጻናትን ኣባይቲ ስድራን ናይ ኲናት ቀዳሞት ግዳያት እዮም”  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ህጻናትን ኣባይቲ ስድራን ናይ ኲናት ቀዳሞት ግዳያት እዮም”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ጥቅምቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቓዛን ሊባኖስን ብእስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘኪሮም፥ “ኣብ ውግእ ዝዕወት የለን፤ ኩሉ ይኸስር - ቢሎም - ብፍላይ ኣብ ቓዛ ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዝሞቱ 150 ሰባት ይዝክሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኲናት ኩሉ ግዜ፡ ኩሉ ግዜ፡ ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ” ብዛብላ ቃላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መላእ ዓለም ኩናት ከብቅዕ ዳግማይ ጸሎት ኣቕሪቦም፡ ኩሉ ምእንቲ ሰላም ክጽሊ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላም ህያብ እዩ

ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ነተን ብዓመጽ ዝተዓብለላ፡ “ዩክሬን፡ ፍልስጤም፡ እስራኤል፡ ሚያንማር፡ ሰሜን ኪቩን ብዙሓት ኣብ ውግእ ዝርከባ ሃገራትን” ዘኪሮም፥ ብውግእ ዝዕወት ሰብ ከምዘየለን “ሰላም ውህበት መንፈስ ቅዱስ እዩ” እንክብሉ ደጊሞም ኩሉ ምእንቲ ሰላም ክጽሊ ተላብዮም፥ ዕለት 29 ጥቅምቲ ኣብ ቓዛ 150 ንጹሃት ሰባት ከም እተቐትሉ ዘሕዝን ሓበሬታ ከም ዝበጸሖም ገሊጾም፥  ሕጻናትን ሰላማውያን ሰባትን ስድራ ቤትን ቀዳሞት ግዳያት ኵናት እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ውሽጢ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ሸውዓተ “ጃምላዊ ፍጻመታት ሓደጋ”

ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ዕለት 24ን 29ን ጥቅምቲ 7 “ጃምላዊ መጥቓዕታዊ ፍጻሜታት” ምክያዱ ክሕብር እንከሎ፡ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ማናራ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ህዝቢ ብዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ 14 ህጻናት ዝርከብዎም 33 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሽዱሽተ ካብ ሓደ ስድራቤት ዝርከዎም እውን ከም ዝኾነን ብተኸታታሊ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል፡ ኣስታት 93 ፍልስጤማውያን ኣብቲ ተመዛበልቲ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ከም ዝተቐትሉ ዜና ቫቲካን ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ካብተን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ዝርከባ ውሑዳት ኣባይቲ ሕክምና ሓንቲ ብሰራዊት እስራኤል ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ምኽንያት ልዕሊ 150 ሰባት ኣብ ውሽጢ ተዓጽዮም ከምዘለዉ በርገሳዊ ጉዳያት ምክልኻል ቓዛ ኣመላኺቱ፥ ካልእ ኣብ ሸነኽ ሰሜን ናብ ዝርከብ ሆስፒታል፡ ወተሃደራት እስራኤል መጓዓዝያ ህሙናንን ካልእ ሓገዛትን ናብቲ ከባቢ ከይኣትዋ ከም ዝዓገቱን እዚ እውን ኣብቲ ቤት ሕክምና ስእነት ዘድሊ ናውቲ ሕክምናን መግብን ከጋጥም ይገብር ምህላዉን ዕለት 29 ጥቅምቲ ሲቪላዊ ምክልኻል ፍልስጤም “ኣብ ዝሓለፈ 19 መዓልታት ጥራይ 770 ሰባት ከምዝተቐትሉ” ዘቕረቦ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

31 October 2024, 16:47