መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ መድረኽ ጉጅለ 7፥ “ምትሕግጋዝ ንምሕያል’ ዕድል ክኸውን ተማሕጺኖም መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ መድረኽ ጉጅለ 7፥ “ምትሕግጋዝ ንምሕያል’ ዕድል ክኸውን ተማሕጺኖም  (ANSA)

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ መድረኽ ጉጅለ 7፥ “ምትሕግጋዝ ንምሕያል’ ዕድል ክኸውን ተማሕጺኖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ግደ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ኣፍሪቃ ናብ ዘማእከለ ናብቲ ብG7 - ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት፥ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ተጋባእያን እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ርክብ ባህሊ ኣብ ምድንፋዕ ክጸንዑ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ,ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣልያ ግደ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ምድንፋዕ ልምዓት ኣፍሪቃ ዘተኮረ መደብ ብኢንዳስትሪ ናይ ዝማዕበላ ሸውዓተ ሃገራት ልባዊ ኣድናቖቶም ገሊጾም፥ እቲ መደብ ዕለት 22 – 24 ጥቅምቲ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፐስካራ “ትምህርቲ ንልምዓት ኣብ ኣፍሪቃ፡ ተራ ልኡካነ ወንጌል” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎን፡ ነዚ ዓውደ ጉባኤ ኢጣሊያ ብዘለዋ ናይ ጉጅለ - 7 ሃገራት ናይ ተረይና መዝነት ዝተዳልወ ኮይኑ፥ ቅዱስነቶም ናብቲ ብይብጻሕ ናብ ናይ ኢጣሊያ ምንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒዮ ታያኒ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ኣብ ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ኣኼባ “ናይቶም ኣብ ልቦም ፍልዩ ቦታ ዘለዎም ድኻታት ሰባት ናይ ምትሕግጋዝን ሰብኣዊ ተወፋይነትን ክብርታት ከሐይል” ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም፥ “ተጋባእያን ብሓቀይና መሰኻኽር ናይቲ ህያው ወንጌላዊ ግብረ ሓልዮትን ፍቕርን ኮይኖም፡ ንኣኽብሮታዊ ዘተ ክፉት ዝኾነ ናይ ርክብ ባህሊ ኣብ ምድንፋዕ ክጸንዑ” ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

ክቢ - ጠረጴዛን ምስክርነትን

መልእኽቲ ቅዱስነቶም ንተጋባእያን ዘስምዑ ዛዕባ ሃይማኖታዊ ናጽነት ጉዳያት ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ ዳቪደ ዲዮኒሲ ክኾኑ እንከለዉ፥ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ስዒቡ ናይ ኢጣሊያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ምክኽል መራሔ መንግስትን ኣንቶንዮ ታያኒን ብርክት ዝበሉ ጳጳሳት ኢጣልያን ከምኡ’ውን ኣብ ፓኪስታን ዝተወልዱ ፕሮፈሰር ሻሂድ ሞቢንን ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ንብረት ተራዳኢ ዓቃቢ ኣባ ኢብራሂም ፋልታስ መደረ ከም ዘስምዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ድሕሪ ዝተሰምዑ መደረታት ካብ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ትምህርታዊ መዳያት ዘገልግላ ትካላት ልኡካነ ወንጌል ብርክት ዝበሉ ምስክርነታት ዘቕረብሉ መደብ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ምክያዱ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.ን ብኢንዳስትሪ ኣዚየን ዝማዕበላ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት

እቲ ብኣህጽሮተ ቃል G7 ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ንሸውዓተ ካብተን ብኢንዳስትሪ ኣዚየን ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም ኣብ ሓደ ዘራኽብ ኣህጉራዊ ትካል፡ ቅዱስነቶም ኣብ ናይ 2024 ዓ.ም. ኢጣሊያ ናይቲ ጉጅለ ብዘለዋ ተረይና ናይ መርሕነት ምዝነት ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ኣብ ዘዳለወቶ ዓውደ ጉባኤ ጉጅለ ሸውዓተ መደረ ዘስምዑ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝኾኑን እዚ ናይ ዕለት 23 ጥቅምቲ መደብ ብዛዕባ ግደ ልኡካነ ወንጌል ብዝብል መርሕ ቃል ዝተኻየደ ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ዝተኻየደ መደብ ስዒቡ ዝተዳለወ ኮይኑ ነዚ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ናይ መኽፈቱ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

24 October 2024, 16:11