ር,ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣሐዲሶም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒቶም ኣሐዲሶም፥ ናብ ዝዓበየ ኲናት ከይእተው ኣጠንቂቖም፣ ኣብቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኣቦና ኣቓልቦኦም ናብቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ገይሮም፥
ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንኽፍታሕ ጻውዒት ምቕራብ
"ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ሓደ ዓመት ኣብ ጽቑጸረሉ ዘሎ ዕለት ደጊመ ነቲ ህዝቢ ቅርበተይ ኣረጋግጽ . . . ኣብ ቓና ብዙሓት ጅሆ ተታሒዞም ከምዘለዉ ኣይንረስዕ፡ ብቕልጡፍ ክፍትሑ እጽውዕ" ከም ዝበሉን፥ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ "ማእከላይ ምብራቕ ናብ ዝዓበየ መከራ ከም ዘንቆልቆለን፡ ንህዝቢ ፍልስጤም ዝጸሉ ኣዕናዊ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ከም ዘበገሰን" ዘኪሮም ነቲ ህልው ኩነታት ከም ዝነቐፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ቓዛ
ቅዱስነቶም ናብቲ ዓቢ ስቓይ ህዝቢ ቓዛን ካልኦት ግዝኣታትን ኣቕኒዖም
"እዚኦም መብዛሕቲኦም ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ድማ እያቶም፡ ኩሎም ዘድልዮም ኩሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ዘለዎም ሰባት እዮም" እሞ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይንፈጎም ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣሐዲሶም፥
ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል
ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት "ህጹጽ ተኹሲ ደው ምባል" ክግበር ጸዊዖም፣ ምእመናን ምስኦም ሓቢሮም "ንህዝቢ ሊባኖስ ብፍላይ ድማ ነቶም ካብ ዓድታቶም ክወጹ ዝግደዱ ነበርቲ ደቡባዊ ዞባ እታ ሃገር ክጽልዩ ዓዲሞም፥ ኣስዒቦም "ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ናይ ሕነ ምፍዳይ ዓንኬል መወዳእታ ክገብረሉን ከምቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ደው ክብልን ነቲ ዞባ ናብ ዝዓበየ ኲናት ከእትዎ ዝኽእል መጥቃዕቲ ደው ከብልን እጽውዕ . . . ኩሎም ኣህዛብ ብሰላምን ድሕንነትን ክነብሩ መሰል ኣለዎም። ግዝኣታቶም ድማ ዒላማ መጥቃዕቲ ክኸውን ወይ ክውረር የብሉን፡ ልኡላውነት ብጽልእን ውግእን ዘይኮነስ ብዘተን ሰላምን ክኽበርን ክረጋገጽን ኣለዎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ጸሎት መቝጸርያ ንሰላምን መዓልቲ ጸሎትን ጾምን
በዚ መንጽር እዚ ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሮማ ማርያናዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓብይ ብምኻድ ንሰላም ጸሎተ መቑጸርያ ክደግሙ ምዃኖም ብምዝኽካር፥ "ብሓይሊ ሰናይ ኣንጻር ሳጥናኤላዊ ውዲታት ውግእ ንገስጽ" ቢሎም፥ ነቲ ብብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይን ውሕጅን ዝተሃስየ ህዝቢ ቦዝንያን ሄርዘጎቪናን ድማ ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፥ "ጎይታ ነቶም ዝሞቱ ኣብ መንግስቱ ተቐቢሉ ንስድራቤቶም ድማ የጸናንዕ" . . . ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ሓደስቲ ካርዲናላት ንኽሰምዩ ዕለት 8 ታሕሳስ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝጸውዑ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።