ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ብዛዕባ ሓጐስ ወንጌል እናነገርና እትግስግስ ቤተ ክርስትያን ንኹን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ቅዳሴ ናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ፣ "ምስ ጐይታኣ ኣብ ጐደናታት ዓለም እትኸይድ ተልእኾኣዊት ቤተ-ክርስትያን" ምእንቲ ክንከውን ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ወንጌል ከም ባርጢማኦስ ክንከውንን "ንዑረትና ናብ ጐይታ ከነወፍዮ" ኣተባብዑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመዛዘሙ ናይ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ትማሊ ሰንበት ዕለት 27 ጥቅምቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። ቅዱስነቶም ንጐይታ ስለቲ ቕድሚ ሰለስተ ዓመት በቲ ኣብ ኣከባቢያውን ዞባን ኣህጉራውን ጉባኤታት ዝጀመረ ኣብ ሲኖዳውነት "ብሕብረት እተገብረ ጕዕዞ" ኣመስገንዎ፣ ኣብቲ ብ2023 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብእተኻየደ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ጉባኤታት ድማ በዚ ኣብዚ ወርሒ እዚ እተኻይደ ጉባኤ 2024 ብዕሊ ዛዘምዎ።

እቲ ናብ ናይ ቀደሙ ቦታ እተመልሰ ጥንታዊ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስን ዝተሓደሰ ተድባብ መንበረ ታቦት በርኒኒን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዕለት ዚገልጽ ቪድዮ ጐሊሑ ተራእዩ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ መንበር ንፍቕርን ሓድነትን ምሕረትን ከምኡውን ነቲ ኢየሱስ ንሓዋርያ ጴጥሮስ ዝሃቦ ትእዛዝ ንኸዘኻኽር እተገብረ ጻውዒት ብኸመይ ከም ዘመልክት ኣብ ዝዘከሩሉ ተድባብ መንበረ ታቦት ቅዱስ ጴጥሮስ ግን ክብሪ ናይቲ "ሓቀይና ማእከል ናይቲ መላእ ባዚሊካ" ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ እንደገና ንኸነናዲ ሓጊዙና ኢዩ ክብሉ ኣመልከቱ።

ናይ ገዛእ ርእስና ዑረት ምልላይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዛንታ ናይቲ ናብ ጐይታ እናእወየ ክርኢ ዝለመነ ዓይነ - ስዉር ባርጢማኦስ ውን ዘኪሮም ። ባርጢማኦስ ከም ብሓድሽ ምስ ረኣየ ተሓጐሰ ንኢየሱስ ኪስዕቦ ውን ተበገሰ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ባርጢማኦስ ነቲ ዅላትና ኻብቲ "ቀላሲ ሓይሊ ህይወት" ከምኡውን ካብ ዝዀነ ይኹን ተስፋ ክዓግተና ዝኽእል "ውሽጣዊ ዑረት" ብኸመይ ኣብነት ከም ዝኸውን ገለጹልና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ከም ዘስተምሃርዎ እዚ ኸም ቤተ ክርስትያን መጠን ኪጸልወና ይኽእል እዩ፣ ኣብኡ ኸኣ "ንህላወ ጐይታ ኽንርድኦ ዘይንኽእል ነቲ ናይ ሓቂ ብድሆታት ንምስጋር ድሉዋት ዘይኰንና ሓድሓደ ግዜ ኸኣ "ንሕቶታት ናይቶም ብዙሓት ዘእውዩ  ሰባት" ብዚግባእ ምላሽ ክንህበሉ ዘይንኽእል ክንከውን ንኽእል ኢና በሉ።

"ኣብ ቅድሚ እቲ ሎሚ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮን ሰብኡትን ዘበገስዎ ሕቶታት፣ ቅድሚ እቲ ኣብዚ ግዜና ዘጋጥመና ዘሎ ብድሆታትን፣ ህጹጽን ወንጌላውነትን ንደቅሰብ ዘሳቕዮም ዘሎ ብዙሕ በሰላን ካብ መትከሎም ክንስሕት ኣይንኽእልን ኢና።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ኣስዒቦም "ንገዛእ ርእሳ ኣብ ሕድጋት ክውንነት እተተኵር ህድእ ዝበለት ቤተ-ክርስትያን" ዓይነ-ስዉራን ኰይኖም ክቕጽሉ ከም ዝኽእሉ ከምኡውን "ነቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ብዙሕ ጸገማት ጕስነት ብህጹጽ ምላሽ ምሃብ ክሳዕ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ ኣይክትርድኦን ኢያ" ብምባል ኣጠንቀቑ።

ናብ ጐይታ ምእዋዩ

ቤተ-ክርስትያን 'ጐይታ ይሓልፍ ከም ዘሎ' ብምዝካር ከምቶም ንጐይታ ዝሰምዕዎ ክደልይዎ ዝወጹ ከምኡውን "ሓጐስ ድሕነት ዝስምዖም... ብሓይሊ ወንጌል ተበራበረ።" ንሳ እውን ብግዴኣ "ብኽያት ናይቶም ሓጐስ ወንጌል ክረኽቡ ዝደልዩ እምነት እንደገና ክረኽቡ ዝደልዩ ወይ ብመከራ ድኽነት ወይ ተነጽሎ ዝምለሱ ናይቶም ኣብ ዓለም ዝለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ኣውያት ምስ እትሰምዕ" ከምዚ ክትገብር ትኽእል ኢያ።

"ንጭድርታ ዓለም እትሰምዕን ኣእዳዋ እትዝርግሕን ቤተ-ክርስትያን ደኣ እምበር ህውከት ዘይብላን እተሳዕረትን ቤተ-ክርስትያን ኣየድልየናን ኢዩ።"

ንጐይታ ምስዓብ

ልክዕ ከምቲ ባርጥማኦስ ብእምነትን ብተስፋን ናብ ጐይታ ዝጨርሐ ንሕናውን ከምኡ ንግበር፣ ንሕናውን ነቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዝወስዶ ስጕምቲ ኣፍልጦ ሂብና ኽንስዕቦ ኸም ዘሎና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ። ብድኽመት ወይ ብጭንቀት ክንስነፍ ከለና ናብ ጐይታን ወንጌሉን ብምምላስ "ተንሲእና ኣብ መገዲ ንምቕጻል" ብርታዐን ትብዓትን ንረክብ።

"ከምቲ (ጐይታ) ዚሓልፍ ከሎ በእጋርና ረጊጽና ምእንቲ ደው ክንብል ዑረትና ምእንቲ ኼሕውየልናን ደጋጊምና ንጽውዓዮ፣ ንጸዋዕታኡ ውን ኽንሰምዖ ኣሎና፣ ከም ብሓድሽ እውን ክንስዕቦን ኣብ መገዲ ምስኡ ኽንመላለስን ንኽእል ኢና።"

ከምቲ ወንጌል ዘዘንትዎ ባርቲሜዎስ "ኣብ መገዲ ደድሕሪ (ጐይታ) ከም ዝሰዓበ" ብምዝካ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጐይታ ኽጽውዓና ኸሎ ናይ ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን ምስሊ ብኸመይ ከም ዘቕርበልና፣ ስምዒት ኣብ ዝጐድለና እዋን ብኸመይ ከም ዝሕግዘና ወይ ክንወድቕ ከሎና ብኸመይ ከም ዝሕግዘና ከምኡውን "ንጭንቀትን መከራን ዓለም ብብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኽንርድኦ" ኣዒንትና ከም ዝኸፍተልና ሓሳባት ኣቕረቡ።

"በይንና ወይ ብመሰረት ዓለማዊ መለክዒታት ከይንመላለስ፣ ኣብ ክንዳኡስ ብድሕሪኡን ምስኡን ሓቢርና ኽንጐዓዝ ከም ዘሎና ኣይንረስዕ።"

ብርሃን ወንጌል ምምጻእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "በእጋራ ደው ዝበለት ቤተ ክርስትያን " ክንከውን ከም ዘሎና ኣጕልሑ ። ድምጺ ዘይብላ ቤተ-ክርስትያን ዘይኰነትስ ንጭድርታ ደቅሰብ እትቕበልን ብናይ ክርስቶስ ብርሃን ወንጌል ናብ ካልኦት እትበጽሕን ቤተ-ክርስትያን ንኹን።

"ምስ ጐይታኣ ኣብ ጐደናታት ዓለም እትጐዓዝ ተልእኾኣዊት ቤተ-ክርስትያን ደኣ እምበር ዘይንቀሳቐስ ቤተ-ክርስትያን ኣይንኹን።"

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሲኖዶስ ዝገበሮ ጕዕዞ እንደገና ኣመስገንዎ "ሓቢርና ጕዕዞና ብምትእምማን ክንቅጽል" ድማ ጸለዩ። ልክዕ ከም ባርቲሜዎስ ንጽውዓ ጐይታ ብምስማዕን ንጐይታ ዑረትና ብምውፋይን ብምትንሳእን "ሓጐስ ወንጌል ኣብ ጐደናታት ዓለም" ብምጻርን 'ዘበራትዓና' ይኸውን።

"እዚኣ እታ ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢያ - ኣብ ውህበት መንፈስ ጸብለል ዝበለት ንዅላትና ኣብ ክርስቶስ ኣሕዋትን ኣሓትን እትገብረና ናብኡ እተቕርበናን ማሕበር ኢያ።"

28 October 2024, 16:49