ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ላቲን ሃብቲ ፍልጠትን ሓሳብን እዩ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ላቲን ሃብቲ ፍልጠትን ሓሳብን እዩ! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ላቲን ሃብቲ ፍልጠትን ሓሳብን እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ሽልማት ጳጳሳዊ ተቕዋማት 2023" ንዝተሓርዩ ንምሃብ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሊቃውንቲ ላቲን ነዚ ዓቢ ቅርሲ ኣብ ምዕቃብ ንዝገብርዎ ጻዕሪ ይንእዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ንመጽናዕትን ኒሕን ተወፋይነትን ናይቶም ሊቃውንቲ ቋንቋ ላቲን ጻዕርታቶምን ንዘለዎም ፍቕሪ ፍልጠትን ንሓደ ዘይግመት ዋጋ ዘለዎ ቋንቋውን ባህላውን ውርሻ ላቲን ንኽፍለጥ ክውፍዩ ዝመረጹ መንእሰያት ምሁራት ነኽብር" ነዚ ዝበሉ ቅዱስነቶም "ሽልማት ጳጳሳዊ ተቕዋማት 2023" ኣብ ዝተዋህበሉ ዕለት 23 ጥቅምቲ ናብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ላቲን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፥ ኣብቲ ንናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ላቲን ክልተ ነገራት ዘስተውዕል እዩ እዚ ድማ De rerum natura - ብዛዕባ ባህርይ ነገራትን ከምኡ’ውን De re publica - ዛዕባ ህዝባዊ ወይ መንግስታዊ ጉዳያት ፡ ኣብ ላቲንን ፖለቲካን ዝምልከት ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፥ እቶም ተሸለምቲ ንቋንቋ ላቲን ንዝገበርዎ ተወፋይነትን "ኣብ እዋናዊ ዓለም ቋንቋ ላቲን ዘለዎ ተዛማድነትን" ዘነጽሩ ቢሎም፡ “ነዚ ስልማት ስለ ዝበቃዕኩም እንቋዕ ሓጎሰኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንመንነትና እዩ ዝውክል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ላቲን ስንቂ ፍልጠትን ኣተሓሳስባን ኮይኑ፡ ንዓለምና ዝቐረጹ ጥንታውያን ጽሑፋት ንምርካብ መፍትሒ እዩ . . . ንሱር ምዕራባዊ ስልጣነ፡ ብብዙሕ መዳይ ድማ ንመንነትና" ከም ዝውክል ኣስተብሂሎም፥  ቋንቋ ላቲን፡ ፍልስፍና፡ ስነ ፍልጠት፡ ስነ - ጥበብን ፖለቲካን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ "በዚ ኸምዚ ድማ ከም መሳርሒ ኣስተንትኖን ዘተን ባህርያዊ ዋጋኡ ዘርኢ ኮይኑ፡ ኣብዛ ሎሚ ዘለናላ ዝተበታተነት ዓለምና ብህጹጽ ዘድሊ ነገር እዩ” ምስ በሉ፥

ላቲን ክሳብ ሕጂ ይዛረበና ኣሎ

ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ነቲ ሽልማት ዝበቕዑ፥ "እዚ ጥንታዊ ቋንቋ ሕጂ'ውን ክዛረበና ይኽእል እዩ" ዝብል እዋናውን ሓድሽን ኣረኣእያ ከም ዘቕርቡን ኣስተንትኖ ከም ዘነቓቕሑን ሓቢሮም። "መጽናዕቶም ንሓሳብ ናይቶም ዝሓለፉ ዓበይቲ ህቡባት ላቲናውያን ዝምርምር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ፍልጠቶም ምስ ዘመናዊ ኵነታት ብምውህሃድ፡ ናብ ብድሆታት ዘመንና ዘቕርብ እዩ” ቢሎም፥  ብዛዕባ ክልቲኡ መዳያት መጽናዕቲ - De rerum natura - ብዛዕባ ባህርይ ነገራትን ከምኡ’ውን De re publica - ዛዕባ ህዝባዊ ወይ መንግስቲ ጉዳያትን ዝብል ኣስተንቲኖም፡ ላቲን ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠትን ባህልን ፖለቲካን ንዝግበር ዳህሳስን ምትእኽኻብን "ልሙዕ መሬት" ከም ዝህብ ኣስሚሮም ብምግላጽ፥

መሳርሒ ስኒት

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ "ጥንቃቐን ስርዓታውን መጽናዕቲ ናይቶም ተሸለምቲ ኣብ ስነ መጽናዕቲ ጥራይ ኣበርክቶ ዘለዎ ዘይኮነስ፡ ንነፍሲ ​​ወከፍና ዝቐንዐ ሓቀይና ጻውዒት" ምዃኑ ኣጽኒዖም፥ በዚ ምኽንያት እዚ ናይ ሎሚ እተካይድዎ ርክብ "ጽምብል መጽናዕቲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኹላትና ዕድመ" ምዃኑን፡ ንባህሊ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘለና ተወፋይነት ዳግማይ ንምርግጋጽ እውን እዩ፥ ምእመናን ነዚ ሎሚ ዝኽበር ዘሎ ርክብ ብኸመይ ናብ ዕለታዊ ሕይወቶም ይትርጒምዎ ኢሎም ንነብሶም ክሓቱ ድሕሪ ምዕዳም፡ ላቲን ምስ ስነ ፍልጠታዊ ውርሻ ሰብኣውነት መጋበርያ ስኒት ህዝብታትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሰብኣዊ ክብርን ክኸውን ይኽእል እዩ . . . እቲ ሽልማት ምልክት ተስፋ ክኸውን" ከምኡ'ውን "ኒሕ ተሸለምቲ ንኻልኦት እውን ተመሳሳሊ ተወፋይነት ከነቓቕሕ እዩ" እንክብሉ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 October 2024, 16:24