FILE PHOTO: United Nations peacekeepers (UNIFIL) look at the Lebanese-Israeli border FILE PHOTO: United Nations peacekeepers (UNIFIL) look at the Lebanese-Israeli border 

ር. ሊ. ጳ. ፦ ነቶም ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ው. ሕ. ሃ. ዘለዎም ክብሪ ገለጹ

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ዝርከቡ ሓይልታት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ው. ሕ. ሃ. ደብዳብ ድሕሪ ምፍናዎም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘለዎም ኣክብሮትን ፍቕርን ገለጹሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ተኸታታሊ ፍጻመታት እንተ ወሓደ ኣርባዕተ ወተሃደራት ዓቃብ ስለአም ሰራዊት ው. ሕ. ሃ. በቲ ብሰራዊት እስራኤል እተፈጸም ደብዳባት ድሕሪ ምጉድኦም ርእሰሊቃነ ጳጳስት ኣብ ዝለገሰኦ ምሕጽንታ እዞም ወተሃደራት “ኣኽብሮ” ከም ዝግኦም ተጣበቑሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተዋጋእቲ ወገናት "ሰላም ንምምጻእ መገዲ ዲፕሎማስን ምይይጥን ኪስዕቡ" ብምምሕጻን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ህጹጽ ተኹሲ ናይ ምቍራጽ ውዕላት ንኽገብሩ ኣብ ዘቕረቡሎም ጻውዒት ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኣካፊሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዞም ኻብ ዝዀነ ይኹን መራሒ ዓለም ንላዕሊ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ውግእ ደው ንኽብል ጻውዒት ኬቕርቡ ጸኒሖም ኣለዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ውግእ ሕልሚ ኢዩ ሰላም ፈጺሙ ኣየምጽእን ኢዩ፣ ድሕንነት እውን ኣየምጽእን ኢዩ። እዚ ንዅሎም ሰባት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣንስዓርን ኢና ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ውን ስዕረት ኢዩ" በሉ።
ወሲኾም ድማ "ምእንቲ ዅሎም እቶም ግዳያት፣ ምእንቲ እቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ፣ ምእንቲ እቶም ብህጹጽ ኺፍትሑ ተስፋ ዝገብሩ ዘለዉ ጅሆ ተታሒዞም ዝለዉ ሰባን እጽሊ ኣሎኹ ፣ እዚ ብጽልእን ሕነ ምፍዳይን እተፈጥረ ዓብዪ ስቓይ ኣብ ቀረባ እዋን ኪውዳእ ድማ እጽሊ ኣሎኹ " በሉ ።

መጥቃዕቲ ቦም እራኢል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ
መጥቃዕቲ ቦም እራኢል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ

ጸሎት ምእንቲ ሰላም ዩክረይንን ሀይቲን

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ብምሕሳብ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ቘራሪ ወርሓት ከኣ "ዩክረይን ናብ ናይ ሞት በረድ ከይወርዳ" ተማሕጸኑ።

ኣብ ልዕሊ በርገሳዊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣየር ደው ንምባል ኣበርቲዖም ጻውዒት ኣቕረቡ - "ቅትለት ንጹሓት ሰባት የብቅዕ!" እውን በሉ።

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብታ ክቱር ዓመጽ ሸፋቱን ዘስካሕክሕ ድኽነትን ንብዙሓት ሰባት ዝቐትለላ ዘሎ ሀይቲ ውን ዘለዎም ሓሳብት ኣካፈሉ ። ዝሓለፈ ሰሙን ዕጡቓት ሸፋቱ ንሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ ድሕሪ ምጥቅዖም ቈልዑ ዝርከብዎም 70 ዝዀኑ ሰባት ተቐትሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ "ነቶም ኣብ ሀይቲ ዚነብሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፈጺምና ኣይንረስዓዮም" ክብሉ ተማሕጸኑ። "ኵሉ ሰብ ንዅሉ ዓይነት ዓመጻ መወዳእታ ኽገብረሉን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብታ ሃገር ሰላምን ዕርቅን ንምህናጽ ብቐጻሊ ክዓዪን ክጽሊ እላቦ ኣሎኹ በሉ።"

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ማሕበር ረድኤት ቸርች ኢን ኒድ ዝወደቦ "ሓደ ሚልዮን ቈልዑ ዘዕርግዎ ጸሎተ መቝጸርያ ንሰላም" ብዝብል ኣርእስቲ ዝካየድ መደብ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ንዩክረይን ምያንማር ሱዳን ከምኡውን ንዅሎም እቶም ብውግእን ብዅሉ ዓይነት ዓመጻን መከራን ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝብታት ኣይንረስዓዮም" ክብሉ ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

 

14 October 2024, 15:20