ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ ሕዳርን መጀመርታ ታሕሳስን ዝፍጽምዎ ስርዓተ ኣምልኾ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ ሕዳርን መጀመርታ ታሕሳስን ዝፍጽምዎ ስርዓተ ኣምልኾ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ ሕዳርን መጀመርታ ታሕሳስን ዝፍጽምዎ ስርዓተ ኣምልኾ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሕዳር ክሳብ መፋርቕ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ፍጻሜታት መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ መደብ ከም ዘለዎም ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ስርዓተ መደባት ሊጡርጊያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 14 ጥቅምቲ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2024 ዓ.ም. ንዝዓረፉ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ዕለት 4 ሕዳር ሰዓት 11 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዝኽሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ከሰርዑን ዕለት 17 ሕዳር “ጸሎት ድኻታት ናብ እግዚኣብሔር ይዓርግ” ብዝብል መርሕ ቃል ተዘኪሩ ዝውዕል ሻምናይ ዓለምለኸ መዓልቲ ድኻታት ምኽንያት ሰዓት 10 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከሰርዑ እዮም።

ዕለት 24 ሕዳር ክብረ በዓል ክርስቶስ ንጉስን ምስ እዚ በዓል እዚ ተተሓሒዙ ብደረጃ ሃገረ ስብከት ተዘኪሩ ዝውዕል “ዓለማዊ መዓልቲ መንእሰያት” ምኽንያት ንጎሆ ሰዓት 09፡30 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከሰርዑ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ቤት ጽሕፈት ጳጳሳዊ ስርዓተ መደባት ሊጡርጊያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ቀዳም ዕለት 7 ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓደስቲ ካርዲናላት ዝሰምይሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ከም ዝኾኑን ንጽባሒቱ ዕለት 8 ታሕሳስ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ንግሆ ሰዓት 09፡30 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ከምቲ ልሙድ ንኽብሪ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ምሸት ሰዓት 16፡00 ኣብቲ ቅዱስ ሓወልቲ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ኣብ ዝቖመሉ ሮማ ኣብ ዝርክበ ቅርዓት ዲ ስጳይና ክነግዱን ጸሎት ከዕርጉን መደብ ከም ዘለዎምን ዕለት 12 ታሕሳስ ብምኽንያት ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያን ዘጓዳሉፕ ሰዓት 18፡00 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከሰርዑ ከም ዝኾኑ ይሕብር።

15 October 2024, 16:08