ር.ሊ.ጳ. ነፍስሄር ካርዲናል ዶ ናሽሚንቶ ንዝፈጸምዎ ዓወታት የመስግኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ጥቅምቲ ኣብ መበል 99 ዓመት ዕድመኦም ዕለት 28 መስከረም ዝዓረፉ ኣንጎላዊ ካርዲናል ኣሌክሳንደር ዶ ናሺሚንቶ ሓዘኖም ገሊጾም፥ ነፍሰሄር ዶ ናሺመንቶ ሓደ ካብቶም ንቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ ናብ ሓድሽ ሽሕ ዓመት ከተብል ዝሓገዙ ዝጸዓሩ ካብ ዘጓነፎም ሓደጋታት ሓደ ዕለት 5 ጥቅምቲ 1982 ዓ.ም. ብዕጡቓት ጉጅለ ኣብ ዑደት ጉስነት እንከለዉ ተጨውዮም ዕለት 16 ሕዳር ድማ ናጻ ከም እተለቁን ቅድሚ ናጻ ምልቓቖም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 31 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር እውን ናጻ ክልቀቑ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ፡ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም 1984 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንናይ ኩርያ ሮማና መንፈሳዊ ሱባኤ ኣስተንትኖ ዝለገሱ፡ ኣብ 1986 ዓ.ም. ጳጳስ ሉዋንዳ ኮይኖም ከም እተመዙን ክሳብ 2001 ዓ.ም. ነታ ርእሰ ሰበኻ ከም ዝመርሑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሊቀ ጳጳሳት ሉዋንዳ ዶም ፊሎሜኖ ዶ ናሺሚንቶ ቪየራ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ ቴሌግራም ኣብቲ ናይ ኣንጎላ ውሉደ ክህነት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰባትን ኩሎም ምእመናን ናይቲ ርእሰ ሰበኻ ከምኡ’ውን ምስ ኣባላት ስድራቤት ካርዲናል ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኖም ገሊጾም፥
“ንዅሎም እቶም ኣብ ኣንጎላ ብሞት እቶም ወሩይ ጓሳ ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ፥ ቅርበቶምን ጸሎትምን ኣረጋጊጾም፡ “ፍቑር ካርዲናል ዶ ናሺመንቶ ኣብ እዋን ሽግርን ጸበባን ንመጓሰይኦም ዝነብርዎ ዝነበረ ሓልዮት ንኹሉ ሰብ መግለጺ ናይቲ ምሕረት ዝመልኦ ወጅሂ ኢየሱስ፡ ሕያዋይ ሳምራዊ ንደቂ ሰባት ብምዃን ዝነበርዎ እዩ” እንክብሉ ድማ ከም ዝዘከርዎም ዜና ቫቲካን የመላኽት።
“ኣብ ክርስቶስ ዘለዎም እምነትን ኣብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ዘለዎም ተስፋን፡ ንኣንፈት ግብረ ሰናይ ከም ዝመርሕ ምስዚ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ልዕሊ ድኻታትን ጽጉማትን ዘለዎም ቅንኣት ምትሕብባር ሓዊሱ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ስጉምቶም ከቕንዕ ዝኽኣሉ ተባዕን ነጻን ሰብ ንካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ ንኽመርሑ ኣብቂዕዎም” እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ ተለግራም ኣመላኺቶም፥ እግዚኣብሔር “ነዚ እሙን ኣገልጋሊ ብብርሃን ምሕረት ከቢቡ ናይ ምልኣት ህይወት ኣፍደገታት ክኸፍተሉ፡ ብተመሳሳሊ ግዜ ድማ ንኹሎም ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ዝሳተፉ ልባዊ በረኸት ክህቦም” ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።