2024.10.25 ር.ሊ.ጳ. ንገዳማውያን ሕማማት ኢየሱስ፥ ‘ተስፋ ፍቕሪ ኣምላኽ ናብ መከራ ዘለዋ ዓለም ኣምጽኡ' 2024.10.25 ር.ሊ.ጳ. ንገዳማውያን ሕማማት ኢየሱስ፥ ‘ተስፋ ፍቕሪ ኣምላኽ ናብ መከራ ዘለዋ ዓለም ኣምጽኡ'  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ንገዳማውያን ሕማማት ኢየሱስ፥ ‘ተስፋ ፍቕሪ ኣምላኽ ናብ መከራ ዘለዋ ዓለም ኣምጽኡ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ገዳማዊ ማሕበር ሕማማት ኢየሱስ ዕለት 25 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ብውግኣትን ድኽነትን ምፍልላይን መከራ ዝሳቐ ዘሎ ሰብኣውነት፡ ተበጃዊ ህላወ ክርስቶስ ኣብ ምእዋጅ ክቕጽሉ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ጥቅምቲ ገዳማዊ ማሕበር ሕማማት ኢየሱስ ኣብ ሮማ መበል 48 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝዛዘሙሉ እዋን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

“እንሆ ንዓይ ለኣኸኒ”

“እንሆ ንዓይ ልኣኸኒ” ብዝብል መርሕ ቃል መበል 48 ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ንዘካየደ እቲ ኣብ 1720 ዓ.ም. ብቅዱስ ጳውሎስ ዘመስቀል ዝተመስረተ ንኣባላት ገዳማዊ ማሕበር ሕማማት ኢየሱስ ፡ ነቲ ሓድሽ ብድሆታት ናይዚ ጽንኩር እዋንና ብዝግባእ ምላሽ ንምሃብ ነቲ ዝኽሪ ናይ ምንባርን ናይ ክርስቶስ ስቓይ ኣብ ዓለም ናይ ምእዋጅን ተልእኾ ክፍጽም ከም ዝኽል ኣስተንቲኖም፥ ቅዱስነቶም እነሆ ንዓይ ለኣኸኒ ዝብል ናይ ኢሳይያስ ነቢይ ቃላት ተወኪሶም፥ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ንሓድሽ መንገድታት ስብከተ ወንጌል ብምድህሳስ፡ ናይ መስራቲኦም መንፈሳዊ ህያብ ዓቂቦም ወንጌል ንምክፋል ኣብ ዘለዎም ተወፋይነት ክቕጽሉ ኣተባቢዖም፡

ኣስተንትኖ ዝመልኦ ህይወት ኣይትግደፉ

ደው ከይንብል ናብ ጎደናታት ናይ ዓለም ክንወጽእ ኣለና፣ ከም ምስክርነት ናይቲ ናይ ሓጎስ ፍረ ዘለዎን እምነትና” . . . ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ናብ ዓለም ምውጻእ ዝብል ምልኣት ፍቕሪ ኣምላኽን ሰብኣውነትን ዝምንጩ ተልእኾ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኣብ ሕውነታዊ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓድሕዳዊ ምድግጋፍ ምስ ዝነብር ጥራይ እዩ ውጽኢታዊ ዝኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኲናት ንደቂ ሰባት ብኽነት እዩ

ቅዱስ ጳውሎስ ዘመስቀል ዓሚቝ መንፈሳውነት ብፍላይ ከኣ ኣብ መስቀል ሞት ክርስቶስ ናይ መወዳእታ መርኣያ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዘስተውዓሎ ርድኢት ብምዝካር፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ብድኽነት ዝሳቐ ብኽነት ሰብኣውነት፡ ምጥፋእ ፍጥረት፡ ከምኡ’ውን ድኹማት ምንጻግ መከራ ዝመልኦ ዘመንና ናይ ክርስቶስ ተበጃዊ ህላወ ብምእዋጅ ዝተቀበልዎ ሕድሪ ክቕጽሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

“ነቲ ክቡር ቅዱስ ጳውሎስ ዘመስቀል ዝተቐብሎ ህያው መንፈሳዊ ህያብ ኣብ ምሕላው ዕማም እሙናት ኩኑ። ኣብ ጽቡቕ ውልቃዊ ምስክርነት፡ ኣብ ስብከተ ወንጌል፡ ብሕይወት ብዝቐርብ ወንጌል፡ ነቲ ኣብ ወልድ ንድሕነት ደቂ ሰባት ዝተዋህበ ፍቕሪ ኣምላኽ ምእዋጅ ኣብ ዝብል እምንቶ ኣብ ዝተሰረተ ናይቲ ማሕበር መስራቲ ኣብነት ብዕምቆት ብምስዓብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍቕሪ ተስፋ የምጽእ

እቲ ማሕበር ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምስ ሲኖዶስ ዝጋጠምን ንመኽፈቲ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ዝቐርብን ምዃኑ ብምጥቃስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እዚ ጽቡቕ ባህሪ’ዚ ኣብ ማእከል ደቂ ሰባት ከይተረፈ ትርጉም ንኽረኽቡሉ ሓይሊ ዝህቦም ሕማማት ኢየሱስ ዝብል ናይቲ ማሕበር መንፈሳዊ ህያብ እውን ማእከላይ ምዃኑ ዘዘኻኽር ከም ዝኾነ ኣስተብሂሎም፥

ኣብነት ማርያም

ንተልእኾኦም ብናይ ሓቂ ቃላትን ናይ ርህራሄ ተግባራትን ነቲ መከራ ዘጸናንዕ ስቕ ዝበለ ህላዌን ክነብሩ ኣተሓሳሲቦም፡ ንድንግል ማርያም ከም ኣብነት ርእሰ ፍትወት ዘይብሉ ኣገልግሎት ንመደብ ድሕነት እግዚኣብሔር ክጥምቱ ኣተሓሳሲቦም፥ ማሕበር ኣባላት ሕማማት ኢየሱስ መልእኽቲ ድሕነት ምስፋሕ ህጹጽ ምዃኑ ብምግንዛብ ኣብነት ማርያም ብምስዓብ ክምስክሩ” ተላብዮም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 October 2024, 08:20