ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንስካላብሪንያውያን: ምእላይ ስደተይናታትን ግዳያት ኢሰብኣዊ በደላትን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ደጊሞም ነቲ ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለምና “ብምዕጻው ዶባት ዝተጋደደ” ዕጫ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሰፊሕ “ዘይምግዳስ - ሸለልትነትን” ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ እናዐበይ ዝኸይድ ዘሎ ጽልኢ ብምንቃፍ፡ ንብድሆታት ስደት ርህሩህ ምላሽ ክወሃቦ ምሕጽንታኦም ደጊሞም ብምቅራብ፥ “ስደተይናታት ተቐባልነት ክረኽቡን፡ ክስነዩ፡ ክዓብዩን ክውሃሃዱን ከም ዘለዎም ኣይንረስዕ” እንክብሉ ነቶም ብተለምዶ ስካላብሪናውያን ብዝብል መጽውዕ ንዝፍለጡ ልኡካነ ወንጌል ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ካርሎ ቦሮሜዮ ብምኽንያት መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበሮም ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።
እቲ ማሕበር ኣብ 2024 ዓ.ም. "ነጋድያን ተስፋ" ዝብል ዝሓረዩ ናይ መበል 16 ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ መርሕ ቃል ንኢዮቤል 2025 ዓ.ም. “Spes non confundit - ተስፋ እያስተሃፍር" ዝብል ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎ መርሕ ቃል መሰረት ዝገበረ ከም ዝኾነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ስደት ክቡር ቤት ትምህርቲ እምነትን ሰብኣውነትን ክኸውን ይኽእል እዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ማሕበር ናይ ዘካይዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ መርሕ ቃል መሰረት ገይሮም፥ ምስ ሰለስተ መዳያት ኣገልግሎቶም፡ ምስ ስደተይናታት ዝተኣሳሰረ ጉስነትን ግብረ ሰናይን ብምትእስሳር፡ እዚ ድማ ሰናይ ናይ ተስፋ ባህርይ እዩ” ቢሎም፥ ብቐዳምነት ስደተይናታት ከመይ ጌሮም ጽቡቕ ባህሪ ተስፋ ከም ዝምህሩ ኣጉሊሖም፡ ስደተይናታት ዝሓሸ ህይወት ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ካብ ገዝኦም ይወጹ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ምንጻግን ዕጹው ማዕጾን የጋጥሞም፡ ግን ንተስፋ ምቑራጽ ኢዶም ዘይህቡ ምዃኖም “መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ኣብቶም ዝገደፍዎም ኣባይቲ ስድራኦም ዘለዎም ፍቕሪ ዝተደፋፍአ ቆራጽነቶም ብዙሕ ክምህረና ይኽእል እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ፥ ስለዚ፡ ናይቲ ማሕበር መስራቲ ቅዱስ ጆቫኒ ባፕቲስታ ስካላብሪኒ "ስደተይናታት ኣብ መንጎ ስደተይናታት" ክኾውን ዝደለየ ዝስዕቡ ስካላብሪኒያውያን፡ ካብቶም ዘገልግልዎም ስደተይናታት ክመሃሩ፡ ኣብ ጉዕዞኦም ክሓብሩ፡ ኣብ ምትሕግጋዝ ክዓብዩ ኣተባቢዕዎም፥ “በዚ መንገዲ እዚ፡ ብመገዲ ምትእስሳርን ዘተን፡ ከምኡ’ውን ንክርስቶስ ኣብኦም ከምዘሎ ብምቕባል፡ ኣብ ነንሕድሕድኩም ኣብ ምትሕግጋዝ ክትዓብዩ ኢኹም፡ ‘ኣብ ኣምላኽን ኣብ ኣምላኽ ጥራይን’ ትውክልትኩም ኣንቢርኩም . . .
ብሉይ ኪዳን ኣይትረስዑ: መበለት: ዘኽታምን ጓናን ኣብ ኣምላኽ ፍሉይ ሓለፋ ዘለዎም እያቶም!
ናይ ስደት ድሌት መብዛሕትኡ ግዜ ዝዓሞቐ ናፍቖት ድሕነት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ስደት ዋላ እኳ ብድሆታት እንተሃለዎ፣ “ክቡር ቤት ትምህርቲ እምነትን ሰብኣውነትን” ክኸውን ከምዝኽእል ከም ዘመላኸቱ ኣፍሊጡ።
ጓሳዊ ቅርበት ምስ ስደተይናታት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ንስደተይናታት እኹል ጉስነት ምሃብ ከምዘድሊ ኣስሚሮም፡ ምኽንያቱ “ስደት ናይ ዕብየት ህሞት ክኸውን ዝኽእል ግቡእ ደገፍ ምስ ዝወሃቦ ጥራይ እዩ . . . ስደተይናታት ኣብ ጉዕዞኦም ንኽቕጽሉ ዘድሊ ሓይልን ጽንዓትን ክዕቅቡ እንተኾይኖም - ንቑስሎም ዝከታተልን ኣብቲ ልዑል ኣካላዊ፡ መንፈሳውን ስነ-ኣእምሮኣውን ተቓላዕነቶም ዝከናኸንን ሰብ የድልዮም እዩ ኢሉ።" . . . ካብዚ ብምብጋስ ድማ “ተስፋኦም ህያው ንምግባርን ናብቲ ኣብ መንገዲ እሙን ብጻዮም ኣምላኽ ናብ ዝገብርዎ ውልቃዊ ጉዕዞ ንኽስጉሙ ንምሕጋዝን ብደረጃ ንዋታዊ፡ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ቅርበት ዘርኢ ውጽኢታዊ ጓሳዊ ምትእትታው” ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፥
ብዕድመ ዝደፍኡ ምዕቡላት ሕብረተሰባት ስደተይናታት የድልዮም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተወሳኺ ጣልያን ሓዊሱ ብዙሓት ስደተይናታት ተቐበልቲ ሃገራት መጠን ውልደት እናነከየን እናኣረገን ምንቁልቋል ብዝሒ ህዝብን የጋጥመን ስለ ዘሎ እውን ስደተይናታት ከምዘድልዮም ኣመላኺቶም፥
ንፍሉይነት ክልሸ ጽልዋታት ምንጻግ
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቶም ኣብ ትውልዲ ሃገሮም ብዝፍጸም በደላትን ኩናትን ዕድላት ብዘይምህላዉን ብዙሕ ግዜ ካብ ገዝኦም ክወጹ ዝግደዱን ዶባት ብምዕጻው ስቓዮም ብዘገድድ ተግባራት ኣብ ብሩትዕ ስቓይን ጸገምን ንዝርከቡ ስደተይናታት ግብረ ሰናይ ክግበር ጸዊዖም፡ ስደተይናታት ካብ ጥምየትን ስደትን ሃዲሞም ንኽነብሩ ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን፡ ብዛዕባ ምጥፋእ ህይወት ብዙሓትን ምዝመዛን ሰፊሕ ዘይምግዳስ ግዳይ ከም ዝኾኑ ብምዝኽኻር፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕጊ ኢዮቤል ናይ ምምላስ መሬት ብምዝካር፡ ነቲ ተግባር ፍትሒ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት “ብኽብርን መሰልን ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ብዘረጋግጽ ዕዮ ግብረ ሰናይ” ክፍጸም ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ በዚ ኸምዚ ድማ “ፍሉይነት ዝጠልብ ጽልዋታት ክልሸ ይንጸግ እሞ ካልኦት ሰባት መን ምዃኖምን ካበይ ከም ዝመጹን ብዘየገድስ ከም ውህበት ኣምላኽ፡ ፍሉይ፡ ቅዱስ፡ ዘይግሃስ፡ ንረብሓ ኩሉ ክቡር ጸጋ ምዃኖም ይረኣዩ . . . ምስ በሉ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዘሎ ስካላብሪንያዊ መንፈሳዊ ህያብ ንቑሕ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ነቲ ቅድሚ ልዕሊ ሓደ ዘመን ብቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ስካላብሪኒ ዝተዋህቦም ተልእኾ ከዕምቑ ኣተባቢዖም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።