2020.10.25 concistoro 2019 5 ottobre 2020.10.25 concistoro 2019 5 ottobre 

ር. ሊ. ጳ. ናብ ሕሩያት ካርዲናላት፦ ኣዒንትኹም ኣልዕሉ፣ ኣእዳውኩም ይሕበራ፣ ኣእጋርኩም ውን ይጽና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድሚ እቲ ናብ መዓርግ ካርዲናላት ክብ ዘብልዎም ስርዓት ነቶም ሓደስቲ እተመርጹ ካርዲናላት መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም፣ እዚ ኸኣ የዒንቶም ከልዕሉን፣ ኣእዳዎም ከሕብሩን፣ ኣእጋሮም ከጽንዑን ብምጽዋዕ ነኢት ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀል ዝግለጸሉ ሰለስተ ባህርያት ክላበስዎ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ነቶም ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ 21 ጳጳሳትን ካህናትን ሓደቲ ሕጹያት ካርዲናላት ቅድሚ እቲ ብዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ በዓለ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ዘካይድዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ናብ መዓርገ ካርዲናልነት ምድያቦም ግላዊ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም ።

ጳጳስ ናይ ሮማ ናብ ኮለጅ ካርዲናላት ምእታዎም ምስ ቤተክህነት ሰበኻ ሮማ ከም ዘተሓሕዞም ብምዝኽካር ኣባል ጉባኤ ካርዲናት ምዃን እንታይ ማለት ምኹኑ እንከመልክቱ "መግለጺ ሓድነት ቤተ-ክርስትያንን ንዅለን ኣብያተ-ክርስትያን ምስዛ ቤተ-ክርስትያን ሮማ ሓድነት ከም ዝህልዎም ዝገብር ማእሰርን" ምዃኑ ኣዘኻኸሮም።

'ኣዒንትና ነልዕል፣ ኣእዳውና ንሕብር፣ ኣእጋእና ውን ይጽንዓ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ዘመሓላለፍዋ መልእኽቲ ነቶም ሓደስቲ ሕጹያት ካርዲናላት "ነቲ ሓደ እዋን ሓደ ኣርጀንቲናዊ ገጣሚ (ፍራንሲስኮ ሉዊስ በርናርደዝ) ንቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀል ዝልለየሉ ዝነበረን ንዓና እውን ዝምልከቶ ሰለስተ ባህርያት ከንጸባርቑ" ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ቅዱስነቶም ነዚ ሰለስተ ገጸባህርያት እዚ ብምግላጽ ነቶም ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ቤተ-ክርስትያን  ሓድሽ ኣገልግሎት ዝውፈዩ ሓደስቲ ሕጹያት ካርዲናላት ኣሳጊሮም ንኽጥምቱን ኣጸቢቖም ንኽፋቐሩን ብምምዓድ "ጠመተኹም ኣንውሑ ልብኹም ውን ኣስፍሑ" እንክብሉ ቃለ ማዕዳን ኣመሓላለፉሎም።

"ንመጓሰ ክርስቶስ ምእንቲ ጽቡቕ ጌሮም ምእንቲ ክጓስዩ" ኣእዳዎም ከሕብሩን ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ጸሎት ፍቓድ ኣምላኽ ንምምማይን ንምስዓብን ዚሕግዝ "ናይ ሜመያ ኣድማስ" ምዃኑ ገለጹ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነቲ ስቓይን መከራን ዝመልኦ ጭካነ ዝመልኦ ዅሉ ኽፍልታት ዓለም ስለ ዚትንክፍዎ " ኣእጋሮም ኣጽኒዖም ኪሕዙ ኸም ዘለዎም ገለጹ፣ እዚ ድማ ካብቶም ሓደስቲ ካርዲናላት "ዓብዪ ድንጋጽን ግብሪ ምሕረትን" ዝሓትት እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም ነቶም ሓደስቲ ሕጹያት ካርዲናላት ስለቲ ዘርኣይዎ ልግሲ ኣመስገንዎም "እዚ 'ኣገልጋሊ' (ዲያኮን)ዝብል ስያሜ ነቲ ልዑልነትኩም ዝብል ዝያሜኹም 'ግርደት' ክኾኖ ኣለዎ" ኢሉ ድማ ኣባታዊ ጸሎቶም ኣረጋገጸሎም።

14 October 2024, 15:12