ሲኖዶስ ሓደስቲ ኣባላት ናይ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ ይመርጽ ሲኖዶስ ሓደስቲ ኣባላት ናይ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ ይመርጽ  (Vatican Media)

ሲኖዶስ ሓደስቲ ኣባላት ናይ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ ይመርጽ

እቲ ኣብ ሃገር ቫቲካን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ናይ ዕለት 23 ጥቅምቲ መበል 17 ውዕሎ መበል 15 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ተጋባእያን ሓደስቲ ኣባላት ናይ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ከም ዝመረጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 23 ጥቅምቲ ኣብ መበል 17 ወዕሎ ናይ መበል 15 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ልኡኻት ሓደስቲ ኣባላት ናይ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ከም ዝመረጹን፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንስራሕ ጉባኤ ዝምልከት መምርሒ ምምሕያሽ ብምግባር ጠቕላላ ቁጽሪ ኣባላት ናብ 17 ከም ዘዕበዩ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም ዝተሓርዩ ዓሰርተ ክልተ ካብቶም ኣካል ናይቲ ጉባኤ ዝኾኑ 1 ካብ ምብራቓዊ ካቶሊካዊት ኣብያተ ክርስቲያናት፣ 1 ካብ ኦቻይና፣ 2 ካብ ሰሜን ኣመሪካ፣ 2 ካብ ላቲን ኣመሪካ፣ 2 ካብ ኤውሮጳ፣ 2 ካብ ኣፍሪቃ፣ ከምኡ’ውን 2 ካብ  እስያን ከም ዝኾኑ ይሕብር።

እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ብር.ሊ.ጳ. ዝሕረዩ ከም ዝኾኑን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ ከምቲ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም Episcopalis Communio - ኤጲስ ቆጶሳዊ ሕብረት (ቁ. 24, 1-3) ተገሊጹ ዘሎ፡ ኣባላት ናይ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ናይ ምድላውን ምትግባርን ሓላፍነት ዘለዎን ር.ሊ.ጳ. ኣቦ መንበርነት ዝምራሕ ጉባኤ ኣገዳሲ ኣካል ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ሲኖዶስ ጥራሕ ዘገልግል እውን ከም ዝኾነን ብዛዕባ ሲኖዶስ ዝምልከት መስርሕ ሲኖዶስ ኣብ ምትግባርን ንዝቕጽል ሲኖዶስ ኣብ ምድላውን ቀንዲ ግደ ዘለዎ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ማሪዮ ግሬች፡ ነቶም ሓደስቲ ዝተመርጹ ኣባላት ኣብ ኣገልግሎቶም ሰናይ ኩሉ ተመንዮም ነቶም ካብ ስልጣኖም ዝወጹ ኣባላት ድማ፡ ነቲ ህሉው መስርሕ ሲኖዶስ ናብ ፍረ ንምብጻሕ ዝገበርዎ ክቡር ምትሕብባር ምኽንያት ድማ ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቶም ዝተመርጹ ኣባላት ድማ

ካብ ምብራቓዊ ካቶሊካዊት ኣብያተ ክርስቲያናት

ጻድቕነቶም ዩሱፍ ኣብሲ፡ ፓትርያርክ ናይቶም ግሪኻዊ ስርዓት ዝክተሉ መልካውያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘኣንጾኪያ ሓላፊ ሲኖዶስ ናይ ግሪኽ ዝርዓት ናይ ዝኽተሉ መልካዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ካብ ውቅያኖስ

ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ፐርዝ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞትይ ጆን ኮስተሎ፡

ካብ ሰሜን ኣሜሪካ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ብራውንስቪል ጳጳስ ዳኒኤል ኤርነስት ፍሎረስ፡

ኣብ ካናዳ ናይ ቫሊፊልድ ጳጳስ ኣላን ፋውበርት፡

ካብ ላቲን ኣሜሪካ

ኣብ ኮሎምቢያ ናይ ቦጎታ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሉዊስ ጆሴ ሩዳ ኣፓሪሲዮ

ኣብ ቨነዝወላ ናይ ማራካይቦ ሊቀ ጳጳሳት ኾሴ ሉዊስ ኣዙኣየ ኣያላ

ካብ ኤውሮጳ

ኣብ ፈረንሳ ናይ ማርሴ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ዣን ማርክ ኣቨሊን

ኣብ ሊትዋንያ ሊቀ ጳጳሳት ጊንታራስ ግሩሳስ

ካብ ኣፍሪቃ

ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሊቀ ጳጳሳት ባንጉይ ካርዲናል ዲዩዶነ ንዛፓላንጋ

ኣብ ካመሩን ናይ ባመንዳ ሊቀ ጳጳሳት ኣንድሪው ፉዋንያ ኤንኬኣ

ካብ እስያ

ኣብ ህንዲ ናይ ጎዋን ዳማኦን ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ፊሌ ኔሪ ኣንቲኒዮ ሰባስቲዮ ደ ሮሳርዮ ፈረሮ

ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ካሎካን ጳጳስ ፓብሎ ቨርጂልዮ ዳቪድ

እቶም ዝተረፉ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሕረዩ ከም ዝኾኑ ኣስማቶም ዕለት 25 ጥቅምቲ ብወግዒ ክፍለጥ እውን ምዃኑ ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም ምስ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ መዝነቶም ዘብቅዕ ኣባላት ድማ፥

ኣብ ኣንጾኪያ ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኢግናስ ዩሲፍ ሳልሳይ ዩናን፡

ኣብ ኦስትሪያ ናይ ቪየና ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ክሪስቶፍ ሾንቦርን

ኣብ ህንዲ ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስ

ኣብ ካናዳ ናይ ኪቤክ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ጀራልድ ሳይፕሪን ላክሮይስ

ኣብ ሚያንማር ናይ ያንጎን ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ቻርለስ ማውንግ

ኣብ ኡራጉዋይ ሞንተቪዲዮ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ዳኒኤል ፈርናንዶ ስቱርላ በርሆውት

ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ  ናይ ባንጉይ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ዲዩዶነ ንዛፓላንጋ

ኣብ ብራዚል ናይ ብራዚሊያ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሰርጅዮ ዳ ሮቻ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ኒውዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ጆሴፍ ዊልያም ቶቢን

ኣብ ስፓይና ናይ ባርቸሊና ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ጁዋን ጆሴ ኦሜላ ኦሜላ

ኣብ ፓኪስታን ናይ ካራቺ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ጆሴፍ ካውትስ

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ቦሎይና ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ማቴዮ ማርያ ጹፒ

ኣብ ኣንጎላ ናይ ሉባንጎ ሊቀ ጳጳሳት ገብርኤል ምብሊንጂ

ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሲድንይ ሊቀ ጳጳሳት ኣንቶኒ ኮሊን ፊሸር

ኣብ መክሲኮ ናይ ታፓቹላ ሊቀ ጳጳሳት ኻይመ ካልደሮን ካልደሮን

ኣብ ካመሩን ናይ ባመንዳ ሊቀ ጳጳሳት ኣንድሪው ፉዋንያ ንኬኣ

24 October 2024, 16:16