2022.06.18 Partecipanti al Capitolo Generale dei Missionari Comboniani

ር. ሊ. ጳ. ሓድሽ ተራዳኢ ጳጳስ ርእሰ ኤጳርቅናታት ኣዲስ ኣበባ ሰይሞም

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንክቡር ኣብ ተስፋየ ታደሰ ገብረሥላሴ ተራዳኢ ጳጳስ ርእሰ ኤጳርቅናታት ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ንክኾኑ ሰየምዎም ። እዚ ስያሜ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 6 ሕዳር ኣብ ዝወጸ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ተገሊጹ፣ ኣብቲ ዝወጸ ስያሜ ክቡር ኣባ ተስፋየ ታደሰ ስዩም ጳጳስ መበረ ችለዮፓትሪደ ከም ዝኾኑ ውን ተነጊሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ክቡር ኣባ ተስፋየ ታደሰ ብዕለት 22 መስከረም 1969 ኣብ ከተማ ሃረር ኢዮም ተወሊዶም ። ኣብ 1986 ናብ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኮምቦኒ ብምእታው ብዕለት 1 ሕዳር 1994 ድማ ዓቢይ መብጽዓ ገበሩ፣ ብዕለት 26 ነሓሰ 1995 ከኣ ኣብ ከረማ ኣዲስ ኣበባ ብኢድ ብፁዕ ካርዲናል ጳውሎስ ጻድዋ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ።

ክቡር ኣባ ተስፋየ ታደሰ ካብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዚርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግሬጎሪያና ብሥነ መለኮት ካልኣይ መዓርግ ሊቅነት ረኸቡ፣ ከምኡውን ካብቲ ኣብ ከረማ ሮማ ዚርከብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ቋንቋ ዓረብን ሥነ እስላማዊ መጽናዕትን ቀዳማይ መዓርግ ሊቅነት ተቐበሉ ። ኣስዒቦም ውን ኣብ ተቅዋም ዳር ኮምቦኒ ከተማ ካይሮ መጽናዕቲ ቋንቋ ዓረብን ሥነ እስላማዊ መጽናዕቶም ቀጸሉ፣ ብድሕርዚ ኣብ ከረማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ሳሌዝያን ኣብ ሥነ መዕበያ ሓደ ሥልጠና ተኸታተሉ ።

ክቡር ኣባ ተስፋየ ታደስ ምስ ርእስ ሊቃነ ጳጳስ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር ኮምቦኒ 2015
ክቡር ኣባ ተስፋየ ታደስ ምስ ርእስ ሊቃነ ጳጳስ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር ኮምቦኒ 2015

ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም

ክቡር ኣባ ተስፋየ ታደሰ ኣብ ዝተዋህቦም ተልእኾ እተፈላለየ ኣገዳሲ ሓዋርያዊ ኣገልግሎታት ፈጺሞም ኢዮም። ብ2001 ምክትል ቆሞስን ከምኡ ውን ኣመሓዳሪ ናይቲ ኣብ ሃሮ ዋቶ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኮምቦኒ ዀይኑ ኣገልገሉ ። ካብ 2002 ክሳዕ 2004 ናይ ኢትዮጵያ ዞባዊ ሕልቅነት ማሕበር ካህናት ኮምቦኑ ከም ኣማኻሪ ኮይኖም ውን ኣገልግሉ። ብ2005 ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ዞቦዊ ሓለቓ ማሕበር ካህናት ኮምቦኒ ከምኡ ውን ኣቦ መንበር ቤትምኽሪ ዓበይቲ ኣሕሉቕ ማሕበራት ኢትዮጵያ ኮይኖም ውን ኣገልግሉ ።

ካብ 2009 ክሳዕ 2015 ከም ሓፈሻዊ ኣማኻሪ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኮምቦኒ ዀይኖም ኣገልገሉ ፣ ብ2015 ከኣ ጠቕላሊ ሓለቃ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኮምቦኒ ዀይኖም ተመርጹ ፣ ብ2022 ውን ዳግም ነዚ ሓላፍነት እዚ ክስከሙ ተመርጹ፣ ክሳብ ሕጂ ውን ኣብዚ ከቢድ መዝነት የገልግሉ ዘለዉ ኢዮም።

ክቡር ኣባ ተስፋየ ታደሰ ገብረሥላሴ
ክቡር ኣባ ተስፋየ ታደሰ ገብረሥላሴ

እዚ ሲመት ክቡር ኣባ ተስፋየ ታደሰ ከም ተራዳዊ ጳጳስ ነቲ ኣብ ርእሰ ኤጳእቅናታት ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ሰፊሕ ኣገልግሎታት ንሃይማኖታውን ትምህርታውን ጻዕርታት ኣገዳሲ ስጕምቲ ኢዩ ። ምእመናንን ቤተክህነትን ርእሰ ኤጳርቅናታ ኣዲስ ኣበባን መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያን ኣብዚ ሓድሽ ተልእኾኦም እቲ ንዘወፍይዎ ኣገልግሎትን መሪሕነትን ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበይዎ ዘለዉ ።

07 November 2024, 11:44