ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ክቡራት ገጠምቲ ክንሓልም ሓግዙና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ክቡራት ገጠምቲ፡ ጽምዒ ትርጒ ከም ዘሎኩም እፈልጥ እየ፡ . . . ህይወት ብኸመይ ንእምነት ኣብ ሕቶ ከም ዘእትዎ ከስተንት ኣደልይ፡ "ትርጉም" ኣብ ሓደ ኣምር ክወርድ ኣይክእልን እዩ። . . . እቲ ሓቀይና ትርጉም ኣብ መዝገበ ቃላት ኣይርከብን - ትርጉም ቃላት ድማ ንኹሉ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ንምግላጽ መጋበርያ ጥራይ እዩ። ኣብ ምሉእ ህይወተይ ንብዙሓት ገጠምትን ጸሓፍትን ብፍላይ ድማ ዳንተ፡ ዶስቶየቭስኪን ካልኦትን የኽብሮምን የድንቖምን። . . . ቃላት ጸሓፍቲ ገዛእ ርእሰይን ንዓለምን ንህዝበይን ንምርዳእ ሓጊዙኒ፣ ዋላ’ውን ብዛዕባ ልቢ ወዲ ሰብን ውልቃዊ ናይ እምነት ጉዕዞይን ጉስነታዊ ተልእኾይን ዘለኒ ርድኢት ኣዕሚቑለይ እዩ። ሕጂ’ውን ኣብ ኣገልግሎተይ። በዚ ኸኣ ስነ - ጽሑፋዊ ቃላት ንልቢ ናብ ኣስተንትኖ ዝድርኽን ኣብ ጉዕዞ ዘእትውን እዩ። ግጥሚ ክፉት እዩ፤ ናብ ካልእ ዓውዲ ይድርኽ።
ብመንጽር እዚ ውልቃዊ ተመኩሮ እዚ ንሎሚ ብዛዕባ ኣገዳስነት ኣገልግሎትኩም ገለ ሓሳባት ከካፍለኩም እፈቱ።
እቲ ቀዳማይ ክገልጾ ዝደሊ ድማ፥ ንስኻትኩም እትርእዩን እትሓልሙን ኣዒንቲ ኢኹም:: ትርኢ ጥራይ ዘይኮነስ እትሓልም እውን። ናይ ሕልሚ ክእለት ዝሰኣነ ሰብ ግጥሚ ይጎድሎ፡ ብዘይ ግጥሚ ህይወት ድማ ኣይሰርሕን እዩ። ንሕና ደቂ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ብዓይንና ፈጺምና ዘይንርእያ ሓዳስ ዓለም ሃረር ንብል፡ ንብህጋ፡ ንደልያ ንሓልማን። . . .
ስነ - ጥበባውያን ብዓይኖም ዝረኣዩን ዝሓልሙን ሰባት እያቶም፤ ዝያዳ ብዕምቆት ይርድኡን ይትንበዩን ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ነገራት ናይ ምርኣይን ምርዳእን ዝተፈላለየ ኣገባባት ድማ የበስሩ። ብርግጽ ግጥሚ ብዛዕባ ክውንነት ካብ ረቒቓን መትከላት ዘይኮነስ ንክውንነት ካብ ምስማዕ እዩ ዝዛረብ: ስራሕ: ፍቕሪ: ሞት: ከምኡ እውን ንዅሉ እቲ ንህይወት ዝመልእ ንኣሽቱን ዓበይትን ነገራት። . . .
እቲ ካልኣይ ድማ፡ ገጣማይ ድምጺ ጭንቀት ደቂ ሰባት እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዚ ጭንቀት እዚ ኣብ ውሽጢ ልቢ ይቕበር። ስነ - ጥበብ ናብቲ ውቁብ ክውንነት ህይወትን ዘሕዝንን ስለ ዘቕርብ ዘጸናንዕ ጥራይ ዘይኮነስ ዝርብጽ . . . እውን እዩ፡ . . . ኩሉ ግዜ ሓያል መልእኽትን ራእይን ከመሓላልፍ ዝኽእል ፈጠራውን ተዓጻጻፍን ቋንቋ ድማ ይሓትት።
ትርኢት . . . ስነ - ጥበባውን ፖለቲካውን ሓይሊ ኣለዎ: ንናይ ትማልን ሎሚን ክውንነት: ናይ ውግኣት: ማሕበራዊ ግርጭታትን ውልቃዊ ርእሰ-ፍትወትናን ይዛረብ። . . . ኣነ ድማ ኣብቲ ክፍሊ ዘሎ ማሕበራዊ ነቐፌታ ጥራይ ኣይኮንኩን ዝጠቅስ ዘለኹ። ብዛዕባ ወጥሪ ነፍሲ፡ ዝተሓላለኸ ውሳነታት፡ ተጋራጫውነት ህላወ እየ ዝሓስብ ዘለኹ። ኣብ ህይወት፡ ሓደ ሓደ ግዜ፡ ክንርድኦም ወይ ቅኑዕ ቃላት’ውን ክንረኽበሎም ዘይንኽእል ነገራት ኣለዉ፡ . . . ።
እዚ ውን ሓደ ሰብ ብዙሕ ግዜ ምስ ኣምላኽ ዝራኸበሉ ቦታ እዩ። ኩሉ ግዜ "ዝውሕዝ" ተመክሮ’ዩ: ይስምዓካ ግን ከኣ ክትሕዞ ዘይከኣለካ እዩ፡ ካብኡ ንላዕሊ ድማ ይኸይድ፡ ወትሩ ወሓዛይ እዩ፡ ከምቲ መሊኡ ክሳብ ዝፈስስ ብቐጻሊ ማይ ዝመልእ ተፋሰስ።
. . . ኪኖ እቲ ዕጹውን ዝተነጸረን ዶባት ኪዱ: መሃዝያን ኩኑ፡ . . . ነቲ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝነብር ዘይርጉእ ድሌታት ኣኪቢልና ከይዝሕል ወይ ከይመውት ብቃላት ግጥሚ ኣቢልና ነቕርቦ። ኣብዚ ስራሕ እዚ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎ ወጥርን ተጋራጫውነትን ኣብ ህይወት ወዲ ሰብ ስኒት ንኽፈጥር የዋስእ. . . እዚ ከም ገጠምቲ ድማ ስራሕኩም እዩ: ህይወት ምሃብ: ቅርጺ ምሃብ: ንኹሉ ደቂ ሰባት ዝነብሩሉ: ዝስምዕዎ: ዝሓልምዎ: ንዝሳቐይዎን ልሳን ምሃብ እዩ: . . . ንኣምላኽ ከም ዓቢ "ገጣሚ" ደቂ ሰባት ብዝበለጸ ንምርዳእ እውን ክሕግዘና ዝኽእል ስራሕ እዩ። . . . ስለዚ ሕልምን ድምጺ ጭንቀት ደቂ ሰባት፤ እተቕርቡ ብምዃንኩም ድማ ከም ገጠምቲ ዓብይ ሓላፍነት ኣለኩም . . .
ሳልሳይ ክብሎ ዝደሊ እውን፥ ገጣምያን ንሓሳብና ዝቐርጹ እያቶም። ስራሕኩም ኣብ መንፈሳዊ ተክለ ሰብነት ህዝቢ ዘመንና ጽልዋ ኣለዎ። ሎሚ፡ ሓድሽ ቋንቋ፡ ብርቱዕ ዛንታታትን ምስልታትን የድልየና ኣሎ።
መልእኽቲ ወንጌል ንዓለም ክንጭድር፡ ኢየሱስ ንኽረኣይ፡ ክትንከፍ፡ ዘሕግዙና ገጠምቲ ከም ዘድልዩና ይስምዓኒ። ከምኡ’ውን ጽባቐ መብጽዓኡ ንኽንጭብጥ ድርኺት ንኽህልወና። ስራሕኩም ንሓሳብና ካብ ኩሉ ዘጸልምቶ ወይ ናብ ትዕቢት ዝድርኽ ከይከውን ንኽፍወስ ክሕግዘና ይኽእል። ምስሊ ክርስቶስ ኣብ መቓን ኣእቲኻ ኣብ መንደቕ ምስቃል ምልማስን ምስሉ ምጥፋእን ማለት እዩ። ኣብ ክንድኡስ መብጽዓኡ ንሓሳብና ይሕግዞ: ንህይወትናን ዛንታናን መጻኢናን ዳግማይ ክንሓስቦ ይሕግዘና። . . .
ክቡራት ገጠምቲ ስለቲ ዘለኩም ኣገልግሎት የቐንየልና። ምሥጢር ህይወት ወዲ ሰብ ንምርዳእን ሕብረተሰባትና ናብ ጽባቐን ኵላዊ ሕውነትን ዝመርሓና ቃላትን ራእይን ምሕላም፣ ሕቶ ምቕራብን፣ ዝድርኽ ምስሊ ናይ ምቕራብ ክእለትኩም ይቐጽል . . .
ንሓሳብና ነቲ ጸቢብ ድሩትነት ገዛእ ርእሳውነት ሰጊሩ ንኹሉ ክውንነት ክፉት ክኸውን፡ በዚ ኸኣ ንቅዱስ ምስጢር ኣምላኽ ክፉት ክኸውን ሓግዙና . . . ንቕድሚት ስጉሙ፣ ከይደኸምኩም፣ ብፈጠራን ትብዓትን!
እባርኸኩም!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ