ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቫለንሲያ ንቅድስተ ማርያም ኣደ ርሱዓት ሕድሪ ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቫለንሲያ ንቅድስተ ማርያም ኣደ ርሱዓት ሕድሪ ይብሉ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቫለንሲያ ንቅድስተ ማርያም ኣደ ርሱዓት ሕድሪ ይብሉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ሕዳር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኣብ መላእ ስጳይና ብፍላይ ድማ ኣብ ቫለንሲያ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ዝሳቐዩ ኩሎም ንቅድስተ ማርያም ኣደ ርሱዓት ሕድሪ ቢሎም፥ ንኹሎም ብጭካነ ኲናት ዝሳቐዩ ሰባት እውን ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስተ ማርያም ኣደ ዝተረስዑ ንቫለንሲያን ንኻልኦት ክፍላት ስጳይና ትሓሉ፥ ከም ዝበሉን ነቶም በቲ ኣብቲ ዞባ ብዝተፈጥረ ብርቱዕ ህቦብላ ዝሞቱን ዝተጎድኡን ኩሎም ቅርበቶምን ጸሎትምን ኣረጋጊጾም፥

“ምስሊ እታ ሓላዊት ቅድስቲ ቫለንሲያ፥ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክትህሉ ከም ዝገበሩን እቲ ቅዱስ ምስሊ እውን ካብ ተቐማጦ ቫለሲያ ዝተዋህቦም ምዃኑ ሓቢሮም፥

ሎሚ ብፍሉይ መንገዲ ንቫለንሽያን ካልኦት ብውሕጅ ዝሳቐያ ዘለዋ ክፋላት ስጳይናን ንጽሊ

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሰብመዚ ስጳይና ዕለት 5 ሕዳር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ቫለንሽያ ድሕሪ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ውሕጅ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ምዃኑ እዩ 89 ሰባት ደሃዮም ገና ከም ዘይተረኽበከ 217 ድማ ከም ዝሞቱ ኣፍሊጦም።

ዩክሬን፡ ቅድስቲ መሬት፡ ሚያንማር

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም “ነታ ኣዝያ ትሳቐ ዘላ ዩክሬን ሚያንማርን ቅድስቲ መሬትን ኣይንረስዕ . . .  ኩሉ ግዜ ብተስፋ መታን ክንነብር ናብ ጎይታ ንጽሊ”እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ የመላኽት።

06 November 2024, 16:00