2024.11.04 ር.ሊ.ጳ. ናይ ናፖሊ ሊቀ ጳጳሳት ባታሊያ ኣብቶም ካርዲናል ዝስምዮም ክጽምበሩ ወሲኖም   2024.11.04 ር.ሊ.ጳ. ናይ ናፖሊ ሊቀ ጳጳሳት ባታሊያ ኣብቶም ካርዲናል ዝስምዮም ክጽምበሩ ወሲኖም  

ር.ሊ.ጳ. ናይ ናፖሊ ሊቀ ጳጳሳት ባታሊያ ኣብቶም ካርዲናል ዝስምዮም ክጽምበሩ ወሲኖም

ብተለምዶ ዶን ሚሞ’ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጡ ካብ 2020 ዓ.ም. ኣትሒዞም ናይ ናፖሊ ሊቀ ጳጳሳት ባታሊያ ኣብ ዝርዝር ናይቶም ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 7 ታሕሳስ ካርዲናል ዝስመዩ ክጽምበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝወሰኑን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዕለት 7 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ካርዲናላት፥ ማዕርገ ካርዲናል ንኽህቡዎም ካብ ዝሓረይዎም 21 ጳጳሳት እቶም ናይ ኢንዶነዥያ ናይ ሃገረ ስብከት ቦጎር ጳጳስ ፓስካሊስ ብሩኖ ስዩኩር “ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታይ ምግልጋል ይኣኽለኒ” እንክብሉ ናብ ማዕርገ ካርዲናልነት ምድያብ ይትረፈኒ ዝብል ዘቕረብዎ መሕትት ቅድስነቶም ይኹንታ ከም ዝሃብሉን ነዚ ስዒቡ ናይ ናፖሊ ሊቀ ጳጳሳት ዶመኒኮ ባታሊያ ካብቶም ማዕርገ ካርዲናል ምስ ዝህብዎም ክጽምበሩ ዕለት 4 ሕዳር ከም ዝወሰኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዝርዝር ሓደስቲ ካርዲናላት ናብ 21 ይምለስ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ታሕሳስ 2024 ኣብ ቫቲካን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝመጹ 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ንኽሰምዩ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝጸውዑ ዕለት 6 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዘፍለጡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብቶም 21 ሕሩያት ካርዲናል ሓደ ናይ ኢንዶነዥያ ናይ ሃገረ ስብከት ቦጎር ጳጳስ ፓስካሊስ ብሩኖ ስዩኩር “ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታይ ምግልጋል ይኣኽለኒ” እንክብሉ ናብ ማዕርገ ካርዲናልነት ምድያብ ይትረፈኒ ዝብል ናብ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ብቕዱስነቶም እወታዊ መልሲ ዝተዋህቦ ሕቶ፡ ቁጽሪ ሕሩያት ካርዲናላት ናብ ዕስድራ ክወርድ ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ንዝተጸገሙ ምሕጋዝ

ዋላ እውን ሊቀ ጳጳሳት እንተኾኑ ህዝቢ ‘ዶን ሚሞ’ እንክብል ዝጽውዖም ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ኣብ ዓውዲ ጉስነት ዓቢይ ግደ ዘለዎም ‘ናይ ጎደና ካህን ተባሂሎም ዝፍለጡ፡ ብፍላይ ንመንእሰያትን ምስ ወልፊ ዕጸ ፋርስ ዝቃለሱን ካብቲ መከራ ንኽናገፉ ብዓቢይ ተወፋይነት ዘገልግሉ፡ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ዞባ ካላብሪያ ዝተወልዱን ሎሚ ወዲ 61 ዓመት  ሊቀ ጳጳሳት ሕሩይ ካርዲናል ቅድሚ ናይ ናፖሊ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ምስያሞም ኣብ ኣውራጃ ቤነቨንቶ ኣብ ዝርከብ ቸረቶ ሳኒታ-ተለሰ-ሳንታ ኣጋታ ደ ጎቲ ሃገረ ስብከት ጳጳስ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ኣብ ካታንዛሮ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ዞባዊ ተቕዋም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት “ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ” ብፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ትምህርቶም ዛዚሞም ዕለት 6 ለካቲት 1988 ዓ.ም.  ማዕርገ ክህነት ዝተቀበሉ፡ ዕለት 24 ሰነ 2016 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጳጳስ ንኽኾኑ ተሰምዮም ዕለት 3 መስከረም ቅብኣተ ጵጵስና ተቐቢሎም፡ ናይ ጵጵስናኦም መርሕ ቃል ድማ እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ናይቲ ኣብ ጥቓ መንገዲ ኮፍ ኢሉ ዝልምን ዝነበረ ዓይነ ስውር ባርጢማዎስ ወልደ ጢማዮስ ኢየሱስ “ኣጆኻ ንዓ ተንስእ” እንክብል ዘቕረበሉ ቃል ከም ዝሓረዩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ንዝተገለሉ ሓልዮት

ሊቀ ጳጳሳት ዶመኒኮ ባታሊያ ንጽጉማትን ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ንዝርከቡን ዝገብርዎ ሓልዮት ጐሊሑ ዝረአን ዝንገረሉን እቲ ካብ 1992 ዓ.ም. ክሳብ 2016 ዓ.ም. ምስ ወልፊ ዕጸ ፋርስን ንዝቃለሱ ሰባት ካብቲ ዝወደቕሉ መከራ ንምንጋፍ ዝገበርዎ ኣገልግሎት እዩ። ነቲ ምስ ኣባ ማሪዮ ፒቺ ዘቐሙዎ ነቶም ብወልፊ ዕጸ ፋርስ ንዝሳቐዩ ንምድሓን ምስ ዝዓዪ ማሕበረሰባት (FICT) ዝተኣሳሰር ማእከል ምትሕብባር ካላብሪያ ከም ዝመርሑን ካብ 2006 ዓ.ም.  ክሳብ 2015 ዓ.ም. ሃገራዊ ኣቦ መንበር ናይዚ ማእከል እዚ ድሓር ኣብ ካታንዛሮ ዝርከብ ናይ ሃገረ ስብከት ትካል ቤታንያ ማእከል ግብረ ሰናይ ምኽትል ኣቦ መንበር ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጉባኤ ካርዲናላት

ስለዚ ብጠቕላላ እቶም 21 ሕሩያት፥ 11 ኤውሮጳውያን 6 ካብ ሰሜንን ደቡብ ኣመሪካን 3 ካብ እስያ ሓደ ካብ ኣፍሪቃ ከም ዝኾኑን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብ 7 ታሕሳስ ኣትሒዙ ጉባኤ ካርዲናላት 256 ኣባላት ዝሓቑፍ ከም ዝኸውንን ካብዚኣቶም እቶም 141 ር.ሊ.ጳ. ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም እቶም 115 ድማ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ብሕገ ቀኖና ናይ ምምራጽ መሰል ዘይብሎም ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።   

05 November 2024, 15:16