ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስትያን ሮማ ቅልውላው ኣባይቲ ኣብ ምፍታሕ ክትዋሳእ ይዕድሙ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስትያን ሮማ ቅልውላው ኣባይቲ ኣብ ምፍታሕ ክትዋሳእ ይዕድሙ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስትያን ሮማ ቅልውላው ኣባይቲ ኣብ ምፍታሕ ክትዋሳእ ይዕድሙ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሰበኻ ሮማ ዘገልግሉ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ንዝተጸገሙ ሰባት “ዝጭበጥ ምልክት” ተስፋ ብምቕራብ መሳለጥያታቶም ወይ ተቐማጢ ዘይብሉ ኣባይቶም ንቤት ኣልቦ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክኸፍቱ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰበኻ ሮማ ንዝመጽእ ናይ ተስፋ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ነጋድያን ንምቕባል ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ከተማ ሮማ ንዘገልግሉ ናይ ሰበኻ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ንወከልቲ ዓቕለሲያውያን ኣካላትን “ዝጭበጥ ምልክታት” ተስፋ ዓመት ኢዮቤል፡ ድኻታትን ጽጉማትን ብግብረ ሰናይን ምትሕግጋዝን ተግባራት ኣቢሎም ክምስክሩ ይላበዉ።

ተስፋ ዘመንጩ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ

 “ተስፋ ዘመንጩ ፍቕሪ እግዚኣብሔር እዩ፣ ፍቕሪ ኣምላኽ ድማ ብፍቕርና እዩ ዝመሓላለፍ” ቢሎም፥ ንናይ ሰበኻ ሮማ ካህናትን ኣብ ሮማ ዘገልግሉ ገዳማውያንን ገዳማውያትን፥ ዓቕለሲያውያን ምንቅስቓሳትን ኣባይቲ ስድራን፥ "እቶም ብጭቡጥ ትውሳኤ ግብረ - ሰናይ (መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ስምዑለይ ረኣዩለይ ዝፍጸም) ኣቢሎም ፍቕሪ ኣምላኽ ንምምሕልላፍ ብዙሕ ዝጽዕሩ ኣብ ህይወት ሰባት ተስፋ የሕድሩ” ኢሎም።

ቅልውላው ኣባይቲ ኣብ ሮማ

ኣብ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጥቕሚ “ኩሉ ንሰብኣዊ ክብሪ ዘውሕስ ኩነታት” ዘጠቓልል ምዃኑ ብምዝካር፡ ነቲ ዘይግሃስ መሰል መሬት፡ ገዛን ስራሕን ሓዊሱ፡ ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢጣልያ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ቅልውላው ኣባይቲ ጠቒሶም፡ ገዛ ተስፋን ክብርን ዝዓብየሉ መሰረታዊ መዳይ ምዃኑ ሓቢሮም፥ ስለዚ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ንዝህሉ ዋሕዚ ነጋድያን ንምእንጋድ ንምድላው፡ ቤተክርስትያን ሮማ ነዚ ማሕበራዊ ህጹጽ ኩነታት ምስ ህዝባዊ ትካላትን ማሕበራትን ብምትሕብባር ምላሽ ክትህብሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍቕራዊ ምልክት ትብዓት ንቤት ኣልቦ

ብፍላይ ኩሎም ዓቕለሲያውያን ኣካላት “ንጎረቤቶም ናይ ፍቕሪ ትብዓት ምልክት ከቕርቡ” ሓቲቶም፡ ዝኾነ ባዶ ወይ ኣብ ጥቕሚ ዘይውዕል መቐበሊ ኣጋይሽ ንቤት ኣልቦ ወይ ገዛ ንምስኣብ ሓደጋ ዝተቓልዑ ንምንጋድ ከውዕልዎን እዞም ሰባት እዚኦም፡ ብተቕዋማትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዝድገፉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ክቡርን ሕውነታውን ኣቀባብላ ኣጋይሽ ኣብ ምርግጋጽ ክገልግሉ ተላብዮም፥ ደጊሞም ኣብ ሃገረ ስብከት ሮማ ንዝርከቡ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዓለማውያን ምእመናንን “ንፍቕሪ ኣምላኽ ንምትሕልላፍን ኣብ ሕይወት ኩሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዝዩ ኣብ ሕሰምን ድኽነትን ንዝርከቡ ተስፋ ንምፍጣር ድሮ ዝነብርዎ ልግስን ግብረ ሰናይን” ብምምስጋን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ይዛዝሙ።

16 November 2024, 16:39