ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ሓደ መዓልቲ ኵላትና ብክርስቶስ ሓድነት ኪህልወና እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸክሶ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣብ ክርስቶስ "ሓደ መዓልቲ ነቶም ብሞት ዝሓለፉ ሰባት ከም ብሓድሽ ክንረኽቦም ኢና ... ሞት መጀመርታ ሓድሽ ህይወት ስለ ዝኾነ ካብቲ ዝሃነጽናዮን እነፍቅሮን ሓንቲ እኳ ኣይክንስእንን ኢና" በሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ "ጸሓይ ክትጽልምት ወርሒ ውን ብርሃን ኣይክትህብን እያ" ንዝብል ቃላት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጥቃስ ኢዮም ዝጀመርዎ።

እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ መወዳእታ ዓለም ዝብል ሓሳብ ከመልክታ ይኽእላ ኢየን፣ እንተዀነ ግን "ጐይታ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ፍልይ ዝበለ ትርጕም ንምሃብ ኢዩ ዝጥቀመሉ ዝንበረ" ማለት "ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ኢዩ ቃላተይ ግን ኣይክሓልፍን ኢዩ" ውን በሉ።

እቲ ዝሓልፍ እንታይ ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ናይ ዕለቱ ኣርእስቲ ኣስተንትኖና እንታይ ከም ዚሓልፍን እንታይ ጸኒዑ ከም ዝነብርን ዝብል ክኸውን እዩ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፈለማ ብዛዕባ ነቲ ዚሓልፍ ነገራት ከስተንትኑ እንከለኡ "ኣብ ገሊኡ ዅነታት ህይወትና ቅልውላው ኬጋጥመና ኸሎ ወይ ገለ ውድቀት ክወርደና እንከሎ ... ኵሉ ነገር ከም ዜብቅዐ እቲ ኣዝዩ ባህ ዜብል ነገራት እውን ከይተረፈ ኸም ዝሓልፍ ኰይኑ እዩ ዚስምዓና።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ቅልውላው እዚ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ "ንዅሉ እቲ ግቡእ ክበዱ ኸነማልኦ" ደኣ እምበር "ንልብና ምስ ክውንነት እዛ ዓለም እዚኣ ኸነተሓሕዛ" ስለ ዘይምህረና "ኣገዳሲ" ምዃኑ ኣጕልሑ።

እንታይ ጸኒዑ ከም ዝነብር

ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ዅሉ እኳ እንተ ሓለፈ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ቃላት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ከምኡ ኣይኰነን ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝንብር ኢዩ በሉ።

ክርስቶስ ንባዕሉ ጸኒዑ ስለ ዝነብር፣ ኵሉ ነገር እውን ከምኡ እዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ኣባኡ [ኣብ ክርስቶም] ሓደ መዓልቲ ነቶም ብሞት ዝሓለፉን ኣብ ምድራዊ ህላወና ምሳና ዝነበሩን ሰባት እንደገና ኽንረኽቦም ኢና ። ብመሰረት እዚ ተስፋ ትንሳኤ እዚ፣ ኵሉ ነገር ሓድሽ ትርጕም ኪህልዎ እዩ፣ ኵሉ ነገር ይመውትን ኢዩ፣ ንሕና እውን ሓደ መዓልቲ ኽንመውት ኢና፣ ግናኸ ሞት መጀመርታ ሓድሽ ህይወት ስለ ዝኾነ ካብቲ ዝሃነጽናዮን እነፍቅሮን ሓንቲ እኳ ኣይክንስእንን ኢና።"
ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወቶም ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ነገራት ኪሓስቡ ጻውዒት ብምቕራብ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ ።

ንርእስና ኸምዚ ኢልና ንሕተት ፦ ምስቲ ቐልጢፉ ዚሓልፍ ምድራዊ ነገራት ዲና ጠብቒና ዘሎና ወይስ ምስቲ ናብ ዘለኣለም ዚመርሓና ቓላት ጐይታ ኢና ጠቢቕና ዘሎና ?

18 November 2024, 17:07