ር. ሊ. ጳ.፦ ብለውሃት ቅረቡ ካብ ግብዝና ድማ ርሓቕ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናንን መንፈሳውያን በጻሕትን ኣብ ዝለገሱሎም ናይ ዕለቱ ኣስተንትኖ ቃል ኣምልኽ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ንዝነበረ ግብዝና ከም ዝገንሖ ንዝገልጽ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ካብ ወንጌል ማርቆስ ብምጥቃስ ኣስተምሃሩ ።
ካብ ግቡዝና ተጠንቀቑ፣ ከምኡ ውን ምእመናን ፈቃራትን እሙናትን ንኹን በሉ ።
ግብዝና ጸሓፍቲ
እዞም ጸሓፍቲ እዚኣቶም ኣብ ማሕበረሰብ እስራኤል ኣገዳሲ ግደ ኸም ዝነበሮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ። ንቕዱሳት ጽሑፋት ኬንብቡን ክትርጉሙን ክገልጹን እንከለዉ ከምኡውን ኣኽቢሮም ይርእይዎም እኳ እንተ ነበሩ እቲ ዜርእይዎ ባህርያት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ዚምህርዎ ኸም ዘይቃዶ ብምግላጽ ጓሂኦም ገለጹ።
"ገሊኣቶም ኣብቲ ዝነበሮም ክብርን ስልጣንን ስለ ዝምርኰሱ፣ ንኻልኦት ኣትሒቶም ይርእዩ ብትዕቢት ይመላለሱ ብድሕሪ ናይ ሓሶት ኣኽብሮትን ሕግን ድማ ይሕብኡ ነበሩ" ክብሉ ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጠባይ ኣዝዩ ዘሕዝን ባህርያት ቢሎም ብምጽዋዕ፣ ንኻልኦት ኣትሒትካ ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ሕማቕ ምዃኑ ኣጕልሑ።
ካብ ናይ ሓሶት መንፈሳውነት ምርሓቕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም እቲ ዝጸልይዎ ዝነበሩ ጸሎት እውን ከይተረፈ ምስ ጐይታ ናይ ምርኻብ ትርጕሙ ዘለዎ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንዳኡስ ሃይማኖተይናታትን ናይ ሓሶትን መንፈሳውይነትን ንኼርእዩ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ከም ዝነበረ ገለጹ።
ኣብዚ ሓሳባት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ክንርሕቕን 'ክንጥንቀቐሎምን' ደኣ እምበር፣ ክንመስሎም ከም ዘይብልና ኣጠንቂቑና ኣሎ" ብምባል ኣመልከቱ።
ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ በቲ ናይ ጐይታና ቓላትን ኣብነትን ኣቢልና ብዛዕባ ስልጣን ኣዝዩ እተፈላለየ ነገራት ከም እንመሃር ኣዘኻኸሩ ። ቅዱስነቶም ብምቕጻል "ብዛዕባ እዚ ድማ ጥቕሚ ርእስኻ በጃ ብምግባር ብትሕትና ብምግልጋልን ንኻልኦት ብፍላይ ከኣ ንስኡናት ብምግዳስ ንኣዴታትን ንኣቦታትን ምሕላይ እዩ ካባና ዝድለ ዘሎ" በሉ።
እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘስተምሃርዎ ጐይታ ነቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ንኻልኦት ክጥምቱ ደኣ እምበር "ከዋርድዎም" ዘይኰነስ "ተስፋን ደገፍን ብምሃብ ልዕል ከብልዎም" ኢዩ ዝዕድሞም ዝነበረ።
ንኣስተንትኖ ዝኸውን ሕቶታት
ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ምእመናን ገዛእ ርእሶም ገለ ሕቶታት ክሓቱ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።
"ኣቱም ኣሕዋትን ኣሓትን ሓላፍነት ኣብ ዝስከመሉ መዳያት ብኸመይ እየ ክመላለስ ዘሎኒ? ብትሕትና ድየ ዝመላለስ ወይስ ብስልጣነይ እየ ዝምካሕ ? ንኻልኦት ለጋስን ኣኽቢረ ዝርእዮምን ድየ ወይስ ብስርዓትን ብስልጣንን እየ ዝሕዞም ? ብተወሳኺውን "ምስቶም ተነቀፍቲ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኰይነ ናብ ልቦም ንኽምለሱ ክሕግዞም ድሉው ድየ?" ክብሉ ሓተቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ግብዝና ንኽንቃለሶ ጽቡቕ ንኽንገብር ከምኡውን ቀሊል ስጕምቲ ንኽንወስድ ናብታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጸሎት ኣዕረጉ።