ር. ሊ. ጳ. ፦ ማርያም ብኢድና ሒዛ ናብ ኢየሱስ ተብጽሓና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ እቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ዘለዋ ተወፋይነት ኣስተንተኑ፣ ንሳ ብኢድና ሒዛ ናብ ወዳ ኸም እትብጽሓና ንኽንርእዮ ድማ ከም እተኽእለና ብተኣማንነት ኣዘኻኸሩ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናን ዘጸናንዕ ቃላቶም እንክልግሱ፦

"ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተርእየና። ንሳ ወትሩ ማዕጾ ትኸፍተልና እያ! እኖአና ድንግል ማርያም ብኢድና ሒዛ ኢያ ናብ ወዳ እትወስደና" በሉ።

ቅዱስ ነቶም ኣብ ኣስተንትኖኦም ነቲ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝገልጽ ተኸታታሊ ኣስተምህሮታቶም ብምቕጻል ነቶም ተሳተፍቲ ብዛዕባ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ክርስትያናዊ ጸሎትን ዘለዎ ግደ ድሕሪ ምስትንታን፣ ብዛዕባ ምንፈሳወነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ኣስፊሖም ገለጹ።

ቅዱስ ኣቦ ኣብቲ ዝለገስዎ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ምእመናን ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክጽግዑን ንገዛእ ርእሶም ብሕድሪ ከወፍዩላን ከምኡውን ንጐይታ 'እወ' ኢሎም ብምእዛዝ ኣብነታ ክኽተሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

እታ ቀዳመትይቲ ወደ መዝሙር

ማርያም ከም ናይ ቀዳመይቲ ወደ መዝሙርን ምስሊ ቤተ-ክርስትያን መጠን ንርእሳ "ብመንፈስ ህያው ኣምላኽ እተጻሕፈት 'ደብዳበ' ምዃና" ቅዱስ ኣቦ ሓሳባቶም ኣካፊሎም።

በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ፣ ኵሉ ሰብ "ክፈልጣን ከንብባን" ከም ዝኽእል ዘስተንተኑ። "ከመይሲ ማርያም ንኣምላኽ 'እንሆኹ ኣነ ጽላት እየ፦ እቲ ጸሓፊ ዝደለዮ ይጽሓፈለይ፣ እቲ ጐይታ ዅሉ ዝደለዮ ይግበረኒ' ኢላ ንኣምላኽ ሕራይ ከም ዝበለቶ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዋ።" ስለዚ ድማ “ንኣምላኽ ሕራይ ምስ መለቶ” ኣምላኽ ብኣ “ተደነቐ”።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ሎሚ ማርያም ንኣምላኽ ዝደለዮ ኣብኣ ክጽሕፍ ዚኽእል ኸም ሓደ ናጻ ገጽ ገይራ ገዛእ ርእሳ ትህብ እያ ክንብል ንኽእል ኢና" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ "እወ" እትብል ቃል ሓንቲ ህብብቲ ሊቅ ትጓሜ ቅዱስ መጽሓፍ ዝኾነት ብምጥቃስ ከምዚ ብምባል ተዘክሮኦም ገለጹ - "'ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ ዝለዓለ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ኢያ እተመልክት፣ ከመይሲ ንሳ ብዝለዓለ መገዲ ምስ ድሉውነት ሓድነት ከም ዝህልወካ ኢያ እትገልጽ እዚ ድማ እቲ ዝዓበየ ምልኣት ዘሰንዮ ዕምቈት ዘለዎ ባዶነት’ ኢያ እተመልክተልና” በሉ።

'እንሆኹ!'

ስለዚ ኣደ ኣምላኽ ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ዝገብረ ናይ ምቕዳስ ዕዮ መሳርሒቱ ከም ዝዀነት ገለጹ ።

እታ ቅድስቲ ኣዴና "ኣብ መንጎ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ቤተ-ክርስትያንን ቅድስናን ዚዝረብን እተጻሕፈን መወዳእታ ዘይብሉ ቓላት ኵሉ ሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ክንብሎ እንኽእል ክልተ ቓላት ጥራይ እያ ሓሳብ ሂባ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ቅዱስ ኣቦና በቲ ቅድስቲ ድንግል ዝገደፈትልና ኣብነትን ልመናን ኣቢልና ንኽንእዘዞ ወይ ሕራይ ንኽንብል ብድሆ ኼጋጥመና ኸሎ 'እወ' ኽንብሎ ተተባብዓና እያ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ኣስተምህሮኦም ካብቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ንመንፈስ ቅዱስ ብምቕላብ ዝሃበትና ኣብነት ንመሃር ብምባል ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

13 November 2024, 15:36