ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ክንጽሊ ኸለና መንፈስ ቅዱስ ይሕግዘና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣስተምህሮ ብምቕጻል መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጸሎትና ብኸመይ ከም ዝዓዪ ኣስተንትኖ ለጊሶም ።

ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንምስታፍ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእማናን ኣብ ዝለገሱሎም ኣስተምህሮ፦ "ክርስትያናዊ ጸሎት ከምቲ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ጫፍ ተሌፎን ንኣምላኽ በቲ ኻልእ ጫፍ ዘዘራርቦ ኣይኰነን፣ ኣይፋሉን! ኣባና ዝጽሊ ኣምላኽ ኢዩ! ብኣምላኽ ኣቢልና ኢና ናብ ኣምላኽ ንጽሊ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ዝገልጽ ተኸታታሊ ኣስተምህሮኦም ብምቕጻል ብዛዕባ ቅዱሳት ምስጢራት ድሕሪ ምስትምሃሮም ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ድማ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ጸሎት ኣስተንቲኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "እቲ ቀዳሲ ተግባር መንፈስ ቅዱስ ብተወሳኺ ከምቲ ናይ ቃል ኣምላኽን ቅዱሳት ምስጢራንትን ብጸሎት እዩ ዚግለጽ " ድሕሪ ቢሎም፣ በዚ ምኽንያት ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ዘካየድዎ ኣስተንትኖ ብዛዕባ እዚ ዝገልጽ ከም ዝኸውን ብምምልካት ኣስተምህሮኦም ጀመሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም መንፈስ ቅዱስ ርእሰ ነገርን ዕላማ ክርስትያናዊ ጸሎትን ምዃኑ ኣዘኻኸሩ ። "ንሱ እዩ ዚጽሊ ከምኡ ውን እቲ ኣብ ጸሎት ዝወሃብ ምዳ  ንሱ እዩ።"

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "መንፈስ ቅዱስ ንኽንቅበል ንጽሊ ኢና፣ ብሓቂ ንኽንጽሊ ድማ መንፈስ ቅዱስ ክንቅበል ኣሎና። በዚ ኸምዚ ድማ ከም ባሮት ዘይኰነስ ከም ደቂ ኣምላኽ መጠን ኢና እንጽሊ።

መንፈስ ቅዱስን ጸሎትን

ቅድሚ ኩሉ መንፈስ ቅዱስ ንኽንቅበል ክንጽሊ ከም ዘሎና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ ። ከምዚ ብምባል ድማ ተዘክሮኦም ኣዘንተዉ - "ስለዚ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ንጹር ቃል ኣለዎ - "ንስኻትኩም እኳ ክፉኣት ከሎኹም ንደቅኹም ሠናይ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፣ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም?" (ሉቃ. 11፡13)

ቅዱስ ኣቦና ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ ጸሎትና "እቲ እንኮ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎና 'ሓይሊ' ኸም ምዃኑ፣ እቲ ውህበት ሓቀይና ጸሎት ዚህበና ኸኣ መንፈስ ቅዱስ” ምዃኑ ገለጹ።

ብኸመይ ከም እትጽሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ብኸመይ ከም እንጽሊ ኣይንፈልጥን ኢና በሉ።  ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "እወ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ድኽመትና ኺረድኣና እዩ ዚመጽእ ፣ ይኹን እምብነር ንሱ ዝያዳ እዚ ሓደ ኣገዳሲ ነገር እዩ ዚገብር" በሉ ። ወሲኾም ድማ ቅዱስ ኣቦና “መንፈስ ቅዱስ ንሕና ውሉድ ኣምላኽ ከም ዝኾና ይምስክረልና ኣብ ከናፍርና ድማ ነቲ ‘ኣባ! ኣቦ’ ኢልና እንጽውዓሉ ቃል የንብረልና” በሉ።

ኣብ ጸሎት ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንፈስ ቅዱስ ከም "ጰራቅሊጦስ " ማለት ከም ጠበቓናን ተኸላኻሊናን ኢዩ ዝግለጽ ። ንሱ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቅዱሙ ኣቦ ይጣበቐልና ደአ እምበር ኣይከሰሰናን ኢዩ።

"ልብና ብገለ ነገር እኳ እንተ ተቓወመና መንፈስ ቅዱስ ግና 'ኣምላኽ ካብ ልብና ኸም ዚዐቢ' እዩ ዜዘኻኽረና" በሉ።

ጸሎት የኻዕብት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ መንፈስ ቅዱስ ምእንታና ጥራይ ኣይኮነን ዘማልድ ምእንቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ውን ብኸመይ ከም እነማልከሎም ይምህረና እዩ ። ኣብ ርእሲ እዚውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ጸሎት ኣማላድነት ይምህረና ኢዩ፣ ከመይሲ እዚ ጸሎት እዚ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ለጋሳትን ገዛዕ ርእስና ክንክሕድን ስለ ዝገብረና ብፍላይ ንኣምላኽ ዘሓጕሶ ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ሓደ ሰብ ምእንቲ ዅሉ ክጽሊ ኸሎ፣ ከምቲ ቅዱስ ኣምብሮዝዮስ ዝበሎ ኵሉ ሰብ ምእንታኡ ይጽሊ እዩ ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ጸሎትና ይኽዕብት"።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ቅድሚ እዛ እትመጽእ ዘላ ዓመተ ኢዮቤል ክንዳሎ ከም ዘሎና ብምግላጽ "ምስቲ ‘ንቅዱሳን ከም መደብ ኣምላኽ ዚማለዱሎም’ ጰራቕሊጦስ ንምሕባር ኢና" ብምባል ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

07 November 2024, 09:56