ር. ሊ. ጳ. ኣብ መዓልቲ ድኻታት፦ ኵሉ ተግባር ርሕራሐ ምልክት ተስፋ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መዓልቲ ድኻያታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፣ ኣምላኽ ኣብ ስቓይ ድኻታት ከም ህልው ከም ዝኾነ ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኣሎና፣ ዘይፍትሓዊ ዝኾነ ተግባራት ኬጋጥመና ኸሎ ድማ ብተስፋን ብርሕራሐን ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና ክብሉ ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኻብ ወንጌል ማርቆስ እተወስደ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ብማስትንታን ነቲ ራኢያዊ ዝኾነ ምሳሌ ብምጥቃስ ስብከት ቃል ኣምላኽ ለገሱ። ትማሊ ሰንበት ዕለት 17 ሕዳር ኣብታ ዓለም ላኻዊ መዓልቲ ድኻታት ዝዝከረላ ዕለት ዓለም ነቲ ሎሚ ዝስምዓ ዘሎ ዓሚቝ ጓሂ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ኣብ ስብከቶም ኣመልከቱ ። እቲ ዝተነበ ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል "ጸሓይ ክትጽልምት ወርሒ ብርሃን ኣይትህብን ከዋኽብቲ ድማ ካብ ሰማይ ኪወድቁ እዮም" ዝብል ትንቢታዊ ቃል ኢዩ ዝነበረ። እዚ መልእኽቲ እዚ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጥሜት ውግእ ዘይማዕርነት ከምኡውን ነቲ ስዒቡ ዝመጸ ዘይምግዳስ ዘምጽኦ ስቓይ ዘንጸባርቕ ኢዩ ዝንበረ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዛ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንፍርህን ስግኣትን እተጐሃህረላ ዓለም ብቐሊሉ ብተስፋ ቍርጸት ክትወድቕ ከም እትኽእል ኣጠንቀቑ ። በዚ ኸምዚ ከነምልጥ ብግዲኡ ውን ኢድ ኣምላኽ ኣብ ዕዮና ናይ ምርኣይ ክእለትና ከም እንስረቀ ጌርና ክንሃብ ይገብረ ኢዩ፣ እዚ ድማ ንእምነትና ናብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ትርጕም ዘለዎ ግብረ - ሰናይ ይግበሮ ወይ ድማ ናብ ዘየነቓቕሕ "ጕድኣት ዘይብሉ መንፈሳውነት" ክቕይሮ ይኽእል ኢዩ ንዝበልዎ የመልክት።

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ኵሉ ነገር ኣብ ዝፈርሰሉ ኣምላኽ ይመጽእ፣ ኣምላኽ ንከድሕነና ንኹልና የሕብረና እዩ" ክብሉ ኩሉ ምስ ጸልመተና ኢዩ ዝቐርበና በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሞቱን ብትንሳኤኡን ኣቢሉ፣ ነቲ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ዝነበረ ጸልማት ዝኾነ ህሞት ናብ መጀመርታ ድሕነት ቀየሮ ።

ኣብ ተስፋ ቝርጸት ዘሎ ምልክታት ተስፋ

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስሊ እታ ኣብ እዋን ጽድያ እትጥጥዕ ኦም በለስ ጠቐሱ ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ኣብቲ ዝኸፍአ ሓቅታት እውን ከይተረፈ ምልክት ተስፋ ኸናድዩ ተማሕጸንዎም ። ቀጺሎም ድማ እቲ ጐይታ ኣብ መንጎ ድኻታትን ሰብ መከራን ምህላዉ "ምጕዳል ፍትሕን ስቓይን ድኽነትን ጥራይ ኣብ ዚመስለሉ ዘበለ ጐይታ ሓራ ኼውጽኣና ይቐርበና ኢዩ" ብምባል ኣዘኻኸሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዚዓይዎ ዕዮ፣ ነዚ ተስፋ እዚ ኸም ዚርአ ምግባር እዩ ክብሉ ውን ኣስመሩሉ ። ብፍትሕን ሓድነትን ግብረ-ሰናይን ኣቢልና ነፍሲ ወከፍና "ምልክት ህላወ ጐይታ" ኽንከውን ንኽእል ኢና፣ እዚ ድማ ምስ ኵሎም እቶም መከራ ዝወርዶም ዘሎ ሰባት ከም ቀረባ ከም ምዃኑ የርኢ በሉ።

ስጕምቲ ንምውሳድ ዝቐረበ ጻውዒት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ስብከቶም፣ ነቶም ምእመናን ለውጢ ብሒደት መዓልታዊ ተግባራት ከም ዚጅምር ኣዘኻኸርዎም ። ኣብ ኣነባብራና ንኣከባቢና ብኸመይ ከም እንከናኸኖ ወይ ንሃብትና ብኸመይ ከም እነካፍሎ ነፍሲ ወከፍ ተፍባር ምህረትን ርሕራሐን ምልክት ተስፋ ኪኸውን ይኽእል እዩ በሉ ። "ንቤተ-ክርስትያን ከኣ ከምዚ እብላ ኣለኹ ንመንግስትታት እውን እብሎም ኣሎኹ፣ ንዓለምለኻዊ ውድባት ውን እብሎም ኣሎኹ፣ ንነፍሲ ወከፍኩም ውን እብለኩም ኣሎኹ፣ በጃኹም ንድኻታት ኣይንረስዓዮም" ብምባል እን ስብከቶም ዛዘሙ።

Photogallery

መሥዋዕተ ቅዳሴ መዓልቲ ድኻታት
18 November 2024, 17:00